ኢጣልያ፡ ጸረ-ስደተኛታት ጆርጅያ ሜሎኒ ከም እትዕወት ይግመት

Published

መራሒት ሰልፊ ሕሉፍ የማናዊ - ሰልፊ ሕውነት ኢጣልያ - ጆርጅያ ሜሎኒ ኣብቲ ኽካየድ ዝቐነየ መረጻ ኢጣልያ ከም ዝተዓወተት ትገልጽ ኣላ፤ በዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ‘ታ ሃገር ፋልመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንምዃን መገዲ ጸሪጋ’ላ።

ሜሎኒ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣዝዩ ሕሉፍ ዝዀነ ኣኽራሪ የማናዊ መንግስቲ ክትምስርት ከም እትኽእል ድማ ሰፊሕ ግምትታት ብኣጋኡ ተነቢሩ’ሎ።

ኢጣልያ ሳልሳይ ዝዓበየ ቁጠባ ሕብረት ኣውሮጳ ስለዝዀነት፡ እዚ ተርእዮ’ዚ ንመብዛሕትኡ ክፋል ኣውሮጳ ከም ዘሰንብድ ይግመት።

እንተዀነ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ መረጻ መግለጺ ዝሃበት ሜሎኒ፡ እትመርሖ ሰልፊ ሕውነት ኢጣልያ "ንዅሉ ብማዕረ ዘመሓድር" ምዃኑን ዝተነብረሉ እምነት ህዝቢ ከምዘይጠልምን ገሊጻ።

ንሳ ኣብ ሮማ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኢጣልያውያን፡ ነቲ ሰልፊ ሕውነት ኢጣልያ ዝመርሖ የማናዊ መንግስቲ ዝድግፍ ንጹር መልእኽቲ ኣሕሊፎም እዮም፡ ኢላ።

ዛጊት ተረኺቡ ንዘሎ ውጽኢት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝተገብረ ገምጋም፡ ሜሎኒ፡ ንናይ ቀረባ መቐናቕንታ ኤንሪኮ ሌታ ማእከላይ-ጸጋማዊ በሊጻ፡ ክሳብ 26% ድምጺ ‘ቲ መረጻ ክትዕወተሉ ከም እትኽእል ብኣጋ ተገሚቱ’ሎ።

እቲ ማቴዮ ሳልቪኒ ዝመርሖ ሕሉፍ የማናዊ ሊግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲልቪዮ በርሉስኮኒ ዝነበረ ዝመርሖ ማእከል-የማናዊ ሰልፊ ‘ፎርዛ ኢጣልያ’ ዝሓቘፈ ኪዳን የማናዊ ሚሎኒ- ዛጊት ንኽልቲኡ ባይቶታት ዝዕብልሎ ይመስል ኣሎ።

እዚ ይዅን እምበር፡ መን ቀጻሊ ንኢጣልያ ክመርሕ እዩ ዝብል ውሳነ፡ ብፕረዚደንት ዝወሃብ ስለዝዀነ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ይግመት።

ሜሎኒ፡ ዋላ’ኳ ንዩክይረን ዘለዋ ደገፍ ብምጕላሕን ትረኻታት ጸረ-ሕብረት ኣውሮጳ ብምቅላልን፡ ምስላ ንምጽባቕ ኣበርቲዓ ትሰርሕ እንተሃለወት፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ሓድጊታት ፋሽስታዊ ውልቀ መላኺ ቤኒቶ ሙሶሊኒ ሱር ንዘለዎ ሰልፊ እያ ትመርሕ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንሳ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ቮክስ - ስጳኛ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ፡ "እወ ንተፈጥሮኣዊ ስድራቤት - ኣይፋል ንጐስጓስ ሕደጾታውነት፤ እወ ንጾታዊ መንነት - ኣይፋል ንጾታዊ ስነ-ሓሳብ፤ ኣይፋል ንእስላማዊ ዓመጽ - እወ ንውሑስ ዶባት፤ ኣይፋል ንጃምላዊ ስደት፣ ኣይፋል ንዓበይቲ ኣህጉራዊ ፋይናንስ፣ ኣይፋል ንቢሮክራት ብራስለስ [ሕብረት ኣውሮጳ]!" ክትብል ቀዳምነታታ ኣቐሚጣ።

ነቲ ንዓወት ሜሎኒ፡ ብ 26% ኣብ ልዕሊ ንማእከላይ ጸጋማዊ ኪዳን ዘቐምጥ ትንበያታት ኣመልኪታ፡ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ዝዀነት ዲቦራ ሴራቻኒ “ንኢጣልያ ዘሕዝን ምሸት እዩ” ኢላ። የማናውያን "ኣብ ባይቶ በዚሖም ኣለው፣ ኣብታ ሃገር ግን ኣይኰነን" ክትብል ወሲኻ ትገልጽ።

ጸጋማውያን፡ ድሕሪ’ቲ ን18 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምሩኽማሽ ሃገራዊ ሓድነታዊ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ግብራዊ ዝዀነ ስራሕ ከካይዱ ኣይከኣሉን። ሰበስልጣን ቅድሚ ምድማጽ’ውን ተስፋ ቈሪጾም ጸኒሖም’ዮም።

እቲ ብጁሰፐ ኮንተ ዝካየድ ምንቅስቓስ ‘ሓሙሽተ ኮኾብ’ ሳልሳይ ደረጃ ዝሕዝ ይመስል ኣሎ፤ እንተዀነ ሓያሎ ፖሊሲታት ማእከል-ጸጋም እኳ እንተሃለው ምስ ኤንሪኮ ለታ ግን ዓይኒ ንዓይኒ ኣይረኣኣዩን።

ቍጽሪ መረጽቲ፡ ብዘደንቕ መልክዑ ትሑት እዩ ነይሩ፣ ግዜ መረጻ ኣብ ዝተዓጽወሉ 63.82% ኰይኑ፡ ካብ 2018 ዳርጋ ብ10 ነጥቢ ከምዝነከየ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ገሊጹ። ብፍላይ ኣብ ሲቺልያ ሓዊሱ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ኢጣልያ፡ ቍጽሪ መረጽቲ ውሑድ ነይሩ። 

ኢጣልያ ካብ ቀንዲ መስራትቲ ሕብረት ኣውሮጳን ኣባል ኔቶን ኰይና፡ ሜሎኒ ብዛዕባ ሕብረት ኣውሮጳ እተስምዖ ዘላ ዘረባታት ምስ መራሒ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ከቀራርባ እዩ።

ክልቲኦም መላፍንታ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ርክብ ዝጸንሖ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ወዲ 85 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር በርሉስኮኒ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክረይን ዝወርር ተደፊኡ እዩ፡ ክብል እንከሎ ሳልቪኒ ድማ፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንዘንበርዎ እገዳ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩዎ ኣሎ።

ሜሎኒ፡ ህሉው ቅልውላው ጸዓት ንዅነታት ቀይርዎ'ዩ ኢላ ብምክርኻር፡ ነቲ ንዳግመ-ሕውየት ኢጣልያ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተሰማምዓትሉ ኣስታት 200 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝን ልቓሕን ድሕረ-ኮቪድ 19 ዳግማይ ክትርእዮ ትደሊ።

ንነዊሕ እዋን ፖለቲካዊ ዳይረክተር ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ኰይኑ ዝዓየየ ባላዝ ኦርባን፡ ቀልጢፉ ንየማናውያን ሰልፍታት ኢጣልያ እንቋዕ ሓጐሰኩም ብምባል፣ "ንብድሆታት ኣውሮጳ ንምግጣም፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ናይ ሓባር ራእይን ኣቀራርባን ዘለዎም መሓዙት የድልዩና" ኢሉ።

ጆርዳን ባርዴላ ካብ ሕሉፍ የማናዊ ሃገራዊ ሰልፊ ፈረንሳ፡ ኢጣልያውያን መረጽቲ ንሓላፊት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ለየን ትምህርቲ ትሕትና ሂቦምዋ ኣለው፡ ኢላ። ኡርሱላ ኣቐዲማ፡ ኢጣልያ ናብ "ሓደገኛ ኣንፈት" እንተኸይዳ ኣውሮጳ ግብረመልሲ ዝህብ "መሳርሒታት" ከምዘለዋ ገሊጻ ነይራ።

ይዅን እምበር፡ ፕሮፌሰር ጂያንሉካ ፓሳረሊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳፒየንዛ ሮማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሳ ኣብ ንኣውሮጳ ካብ ምህዋኽ ክትቍጠብን ኣብ ካልእ ፖሊሲታት ከተተኩርን የድሊ ኢሉ።

"ኣብ ሲቪላዊ መሰላትን ፖሊሲታትን፡ ኣብ ልዕሊ መሰላት ሕደጾታውነትን ስደተኛታትን ዝያዳ ገደብ ክንርኢ ኢና ዝብል ግምት ኣሎኒ፡" ኢሉ።

ሳልቪኒ ነተን ካብ ሊብያ ስደተኛታት ሒዘን ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግራ ጀላቡ ደው ንምባል ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክምለስ ተስፋ ክገብር’ዩ።

እዚ መረጻ’ዚ፡ ምጕዳል ክልቲኡ ባይቶታት ብሓደ ሲሶ ዘርኣየ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ንረብሓ’ቲ ዝተዓወተ ሰልፊ ምዃኑ ይግመት።

ብመሰረት ገምጋም ራይ-ቲቪ ፡ እቶም ሰለስተ ሰልፍታት ኣብቲ ዝተሓደሰ 400 መንበር ዘለዎ ቤት ምኽሪ፡ ካብ 227-257 ወንበር፣ ኣብቲ 200 ዝወንበሩ ሰነት ድማ ካብ 111-131 መናብር ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ’ሎ። ሳልቪኒ፡ እቲ የማናዊ ሰልፊ ኣብ ክልቲኡ ባይቶታት ርኡይ ብልጫ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ገምጋም ራይ-ቲቪ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ብሜሎኒ ዝምራሕ ጥምረት ማዕረ ክንደይ ዓብላሊ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ፣ ሰልፊ ማእከላይ-ጸጋም ኣብ ቤትምኽሪ ካብ 78-98 መናብር፡ ኣብ ሰነት ድማ 33-53 ጥራይ ክሕዝ እዩ።