ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምድራት 'ሞንክ ሞድ’ ዝመርጹ ዘለው ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱዚ ኣለግረ ኣብ ስርሓ ከተተኩር ኣብ እትደልየሉ እዋን፡ ኣብ ተሌፎና ዘለው መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያ ንዝዀኑ ሰዓታት ዝዓጹ መተግበሪ ትጥቀም።
ተቐማጢት ለንደን ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላትን ጸሓፊትን ኣለግረ፡ በዚ መንገዲ ነቶም ማሕበራዊ ሚድያታት ክትዓጹ ምኽኣላ ዝያዳ ኣብ ስርሓ ከተተኵር ከም ዘኽእላ ትዛረብ።
“ስማርትፎን ሃልዩካ ኣብኡ ርኡይ ዝዀነ ግዜ ዘይምጥፋእን ምኽኣል ንምእማኑ ዘጸግም ይመስለኒ" ትብል።
ኣለግረ እትጥቀመሉ መተግበሪ ናጽነት - Freedom ይበሃል።
ዝደለኹሞ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርበባት ሓበሬታን ክትዓግቱ የኽእል፤ ወይ ድማ ኢንተርነት ምሉእ ብምሉእ ከተጥፍእ ይኽእል።
እቲ ምዕጋት ንኽንደይ ግዜ ሰዓታትን ደቓይቕን ክጸንሕ ከም እትደሊ ትመርጽ።
ብድሕሪኡ ብዛዕባ እዚ ሓሳብካ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ፤ ብኣግኡ ድማ ክትስርዞ ትኽእል።
ወይ ድማ ከም ኣማራጺ፡ ነቲ "locked mode" ዝብል ቍልፊ ክትጥውቕ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ማለት ድማ እቲ ዝመደብካዮ ግዜ ክሳብ ዝውዳእ እቲ ምዕጋት ክትስርዞ ኣይትኽእልን።
ካብ መተግበሪ ‘ናጽነት’ ብዝሰገረ ‘ኮልድተርኪ’፡ ‘ፎከስሚ’ ከምኡ’ውን ፎረስት ዝተባህሉ ካልኦት መተግበሪታት ኣለው።
ምብዛሕ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንናይ ስራሕ ኣቓልቦና ይጸሉ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ ቍጽሪ ብዓጸበ ቀለለ ቴሌፎኖም ከይተናኽፉ ዝሕግዙዎም መገዲታት ዝደልዩ ሰባት ይውስኽ ኣሎ።
እዚ ድማ ኣብዚ ዓመት "ሞንክ ሞድ" ዝበሃል መገዲ ህቡብነቱ ወሲኹ።
እዚ ድማ ቴክኖሎጂ ወይ ካልእ ትኹረትካ ዝሰርቕ ነገር ዘይብሉ ንሓደ ዕማም ምውፋይ የጠቓልል።
እዚ ቃል ኣብ ቲክቶክ ኣዝዩ መዘራረቢ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን #monkmode ብዝብል ሃሽታግ ዝተለጠፉ ቪድዮታት ልዕሊ 77 ሚልዮን ተዓዘብቲ ረኺቦም።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ግንቦት ዝነበረ 31 ሚልዮን ዝወሰኸ ኰይኑ ንዕዘቦ።
ኣለግረ፡ መተግበሪ ናጽነት ኣብ ስርሓ ከተተኩር ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ዘርኢ ‘Freedom To Think’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣሕቲማ።
“እቲ ዘገርም፡ መጽሓፈይ ኣብ ዲጂታላዊ ዘመን ዘሎ ብድሆ ትዅረት ከምኡ'ውን ቴክኖሎጂ ምስ ኣእምሮና ንኽዋሳእን ኣብ መስርሕ ኣተሓሳስባና ጣልቃ ንኽኣቱን ዝተዳለወሉ ኣገባብ ዝድህስስ’ዩ” ትብል።
ጠቕሊልካ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብሓፈሻ ካብ ኢንተርነትን ምጥፋእ ቀሊል ኣይኰነን ትብል ጸሓፊትን ኣሰልጣኒት ኣፍራይነትን ግሬስ ማርሻል።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተገብሩ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ባህርያት ወልፊ ከም ዘጕልሑ ትጠቅስ።
“ሓንጐልና ነቲ ኣብቲ መሳርሒ ዝቕመጥ ዝመጽኣና ሓባሪ (ኖቲፊኬሽን) ብምርኣይ ክዓጽዎ ይደሊ፤ ምኽንያቱ ዶፓሚን ስለ እንረክብ፡ [ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥረልካ ካብ ሓንጐል ዝፍኖ ተፈጥሮኣዊ ከሚካል]።”
ማርሻል ወሲኻ፡ ካብ ናይ ስራሕ ኢመይላት ዝመጽእ ምቍራጽ እውን ጸገም ክፈጥር ከም ዝኽእል ትዛረብ።
“ቴክኖሎጂ ብኢመይላት፡ ከምኡ'ውን [ከም] ስላክ፡ ማይክሮሶፍት ቲምስ ዝኣመሰሉ መተግበሪታትን መልእኽትታትን ዝሓዘ ቅጽበታዊ ነገር’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብቕጽበት ምላሽ ክህቡ ትጽቢት ከም ዘሎ ድማ ይስምዖም።”
ንሳ፡ ሚዛን ስራሕን ህይወትን ሰባት ንምሕላው፡ ቦታታት ስራሕ ኣብ ዙርያ ትጽቢት ዝግበረሉ መልሲ መልእኽትታት ወይ ኢመይላት ክህሉ ዝግባኦ ግዜ ዝምልከት መምርሒታት ከቐምጣ ከም ዘለወን ትኣምን።
"ብዛዕባ ትዅረትን ኣፍራይነትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ጽልዋ ጥዕና ኣእምሮ'ውን'ዩ" ትብል ማርሻል።
መስራቲ መተግበሪ ፍሪደም ፍረድ ስቱትዝማን፡ እቲ ሓሳብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዘበገሶን ኣብ ፌስቡክ ብዙሕ ግዜ ብምሕላፍ ኣብ ትምህርቱ ይዘናጋዕ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, FREEDOM
ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ መተግበሪ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣለዉዎ።
“መብዛሕትና ብቐጻሊ ንማሕበራዊ መራኸቢታትና ምፍታሽ ክንጻወሮ ኣይንኽእልን፤ እዚ ማለት ግን ገለ ፍሽለት ሰብኣዊ ዓቕምና ኣይኰነን" ይብል።
"ሜታ [ዋና ፌስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን] ነቲ መተግበሪ ዝያዳ ኣነቓቓሒ ንምግባር ኣማኢት ምሁራትን ዶካትርን ባህሪ ይቘጽር፤ እዚ ንማእከላይ ሰብ ፍትሓዊ ቃልሲ ኣይኰነን።"
‘ፍሪደም’ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ተጠቀምቲ ዓቢ ዝላ ከም ዝረኣየት ይገልጽ።
ኣብ 2020 ነዚ መተግበሪ ዘውርዱ ሰባት ብ50 ሚእታዊት ወሲኹ፤ ኣብ 2021 ድማ 500 ሽሕ ሓደስቲ ተጠቀምቲ ተጸንቢሮም።
እቶም ዝበዝሑ ዝዕጸው ዘለዉ ማሕበራዊ መራኸቢታት መርበባት ኢንስታግራም፡ ፌስቡክን ትዊተርን ከም ዝዀኑ ይግለጽ።
ኣብ ዝዀነ ነገር ዝህልወካ ትዅረትካ ንምዕባይ ኣብ መተግበሪታት ክትምርኰሱ እንተዘይደሊኹም፡ መጀመርታ ኣብ መዓልታዊ መደባትካ ንኣሽቱ ለውጥታት ክትገብር ጻዕሪ ምግባር ከም ዘድሊ ኣሰልጣኒ ኣፍራይነትን ኣተሓሳስባን ማርክ ቻኖን ይዛረብ።
“ዩትዩብ ክትከታተል እንተዘይደሊኻ ካልኦት ንዓኻ ምቹኣት ዝዀኑ ልምድታት ፍጠር። ትዅረትካ ዝሰርቕ ነገራት ከተመሓድር ምኽኣል ኣገዳሲ'ዩ። ንግሆ ኣብ ላፕቶፕካ ኮፍ ምስ በልካ ንነብስኻ 'ሎሚ ንዓይ ዘገድስ ነገር እንታይ እዩ' ኢልካ ሕተታ፤ ነቲ መልሲ ድማ ስምዓዮ።”
ሓደ ካብ መስረትቲ ‘ፎከስሚ’ ዝዀነ ቭላድሚር ድሩትስ፡ ወልፊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዕቱብ ክውሰድ ከም ዘለዎ ይኣምን።
“ሕብረተሰብ ኣብ ወልፊ ሓሽሽ ወይ ቍማር’ዩ ትዅረት ዝገብር፤ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ብተሌፎናትናን ዲጂታላዊ መሳርሒታትናን ተወሊፍና ከም ዘለና ዘይንፈልጥ ይመስለኒ።”
ድሩትስ “ሞንክ ሞድ” ከም ምንቅስቓስ ኣንጻር ዝዓቢ ዘሎ ዕግበት ማሕበራዊ ሚድያታት ገይሩ ይርእዮ።
ኣብ መጻኢ ምስ ምብራኽ ሰብሰርሖ ብልሒ (ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ)፡ ካብ ቴክኖሎጂ ዝመጽእ ምዝንባላት ክውስኽ ጥራይ ምዃኑ ይዛረብ።
"ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ደገ ዘሎ ትሕዝቶ ጥራይ እዩ ዝውስኽ ዘሎ። ብዝለዓለ ደረጃ ወሰኽ ንኣቓልቦና ክነሓንሑ ዝኽእሉ መተግበሪታት ክንርኢ ኢና።”






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
