ኣዘርባጃን መራሒ ካራባክ ነበር ኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, STATE BORDER SERVICE OF AZERBAIJAN/HANDOUT VIA REU
ኣዘርባጃን ንሓደ መራሒ ናጎርኖ-ካራባክ ነበር ካብቲ ከባቢ ወጺኡ ናብ ኣርመንያ ክኸይድ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከም ዝኣሰረቶ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ካብ ሕዳር 2022 ክሳብ ለካቲት ነቲ ዝግንጸል መንግስቲ ዝመርሕ ዝነበረ ነጋዳይ ሩበን ቫርዳንያን ካብቶም ክወጹ ዝፍትኑ ኣሽሓት ሰባት ሓደ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 50 ሽሕ ዓሌት ኣርመንያውያን ካብታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣዘርባጃን ዝተታሕዘት ናጎርኖ-ካራባክ ሃዲሞም ኣለዉ።
በዓልቲ ቤት ሚስተር ቫርዳንያን፡ ሰብኣያ ብውሑስ መንገዲ ንኽፍታሕ ደገፍ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪባ።
"ሩበን ኣብቲ ናይ 10 ኣዋርሕ ዕጽዋ ምስ ህዝቢ ኣርሳክ ደው ኢሉ'ዩ፡ ንሃለዋቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃልሲ ድማ ምስኦም ተሳቕዩ'ዩ" ትብል ቨሮኒካ ዞናበንድ።
ኣገልግሎት ዶብ ኣዘርባጃን፡ ናብ ርእሰ ከተማ ባኩ ተወሲዱ ንኻልኦት መንግስታዊ ትካላት ጸጥታ ከምዝተረከበ ገሊጹ።
ብሰሉስ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዓሌት ኣርመንያውያን ዶብ ኣብ ዝሰገሩሉ እዋን፡ ካብ ቍጽጽር ዶባት ኣዘርባጃን ጽኑዕ ተፍትሽ ይግበረሎም ነይሩ።
ሰበስልጣን ኣዘርባጃን፡ ንጥርጡራት "ገበናት ኲናት" ይደልዩ ከምዘለዉ ዝገለጹ ኰይኖም፡ ሓደ ምንጪ መንግስቲ ድማ ንማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር "ኣብ ካራባክ ዕጥቆም ንዘውረዱ ተጋደልቲ ኣርመንያ ይቕረታ" ክትገብር ከምዝሓሰበት ገሊጹ።
"እቶም ኣብ እዋን ኲናት ካራባክ ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ግን ንዓና ክርከቡ ኣለዎም" ኢሉ።
ናጎርኖ-ካራባክ ከም ኣካል ኣዘርባጃን ኣፍልጦ ዘለዋ ኰይና፡ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ብ ኣርመንያውያን ኣብ ቍጽጽር ኣትያ ነይራ።
ኣዘርባጃን ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብቲ ከባቢ ዝኣቱ ኣገዳሲ መስመር ምስ ዓገተት፡ እቲ ዞባ ኣብ ዕጽዋ ኣትዩ፡ ሓድሽ ጎንጺ ከይፍጠር ስግኣት ተፈጢሩ ነይሩ።
ብ20 መስከረም ዝተፈረመ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ነቲ ን24 ሰዓታት ዝተኻየደ ውግእ ደው ኣቢልዎ።
ኣዘርባጃንን ሰበስልጣን ካራባክን ብዛዕባ ምውህሃድ እቲ ዞባ ምስ ኣዘርባጃን ዝርርብ ጀሚሮም ኣለው።
ብዙሓት ካብቶም 120 ሽሕ ዓሌት ኣርመንያውያን ነበርቲ ግን ኣብ ናጎርኖ-ካራባክ መጻኢ ከምዘይብሎም ይሰግኡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ፡ ኣብቲ ዞባ "ምጽጻይ ዓሌታት ይካየድ ኣሎ” ክብል ከሲሱ።
ሰብመዚ ካራባክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ብውሕዱ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣዘርባጃን ድማ 192 ወተሃደራታ ከምዝሰአነት ብረቡዕ ገሊጻ።
ካብ ካራባክ ናብ ኣርመንያ ዝወስድ ጽርግያ ንመዓልታት ዝኣክል ሓያል ጽቕጥቅጥን ሰብን መካይንን ከም ዝቐነዮ ይግለጽ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጕጅለ ቢቢሲ፡ ስድራቤታት ኣብ መካይን ተጸቓቒጦም፡ ሓያል ንብረት ኣብ ልዕሊ መካያን ተንጠልጢሉ ክኸይድ ርእዩ።
ምዕራባውያን መንግስታት፡ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ናብ ካራባክ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘሎ ኣተሓሕዛ ክከታተሉ ኣብ ልዕሊ ኣዘርባጃን ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ።
ጀርመን፡ ብሰሉስ ናብዚ ጻውዒታት ዝተጸንበረት ሓዳስ ሃገር ኩርይና፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣናሌና ባርቦክ፡ "ግሉጽነት" ክህሉ ጸዊዓ።
ብተወሳኺ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ዓሊየቭ "ንሲቪላት ብዘይ ቅድመ ኵነት ውሕስነትን ናጽነት ምንቅስቓስን" ክኽበር ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ "ኣብ ናጎርኖ-ካራባክ ብዘይ ዕንቅፋት ሰብኣዊ ሓገዝ" ክበጽሕ ጸዊዑ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
