ቲፒኤም፡ ኣብ ትግራይ ከቕርቦ ዝሕልን ዘሎ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን እንታይ እዩ?

ትግራይ ፐብሊክ ሚድያ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY PUBLIC MEDIA

Published

ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝነብሩ ተጋሩ ዝተመስረተ ትካል ሚዲያ፡ 'ህዝባዊ ሜድያ ትግራይ' (ትግራይ ፓብሊክ ሚድያ - ቲፒኤም)፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ነዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምድስካል መራኸቢታት ንምፍታሕ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ'ሎ።

ፕረዚደንት ቦርድ እዚ ትካል ኣቶ ብሩኽ ረዳ፡ ብዛዕባ'ዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ እዚ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክትግበር ተወጢኑ ዘሎ ስርሓት፡ "ፓይለት (መርኣያ) ፕሮግራም" ምዃኑ ይገልጽ።

ዝወሃብ ኣገልግሎት ናብ ሰፊሕ ህዝቢ ተበጻሒ ምእንቲ ክኸውን ድማ፡ "ኣብ ሓደ መዓልቲ 1000 ሰባት ንሓሙሽተ ደቓይቕ ጥራይ እዩ ከገልግል፡" ብምባል፡ ዝያዳ ብከም ዋትስኣፕ፡ ቴሌግራም፡ ሲግናል፡ ቫይበር፡ መሰንጀርን ካልኦት መደወሊ መተግበሪታትን ኣቢሉ ብድምጽን ጽሑፍን መልእኽቲ ምስግጋር ከኽእል እዩ ኢሉ።

ኣብ ርእሲኡ፡ 'ጐግል ሞባይል ኦፍላይን' ዝበሃል ኣገልግሎት ንምሃብ'ውን፡ 10 ተሌፎናት ተዳልየን ምህላወን ኣቶ ብሩኽ ገሊጹ'ሎ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ኣገልግሎት ናብ ህዝቢ ምእንቲ ክበጽሕ ክሰርሑ ዝተዳለዉ፡ "200 ወለንታውያን ሰባት ኣለዉ" ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ኣገልግሎት ብዘይዝዀነ ክፍሊት ክወሃብ ዝኽእል ምዃኑን፡ ተገልገልቲ ናይቲ ክድውሉሉ ዝደለዩ ሰብ ተሌፎን ሒዞም ክቐርቡ ጥራይ ከም ዝድለ ኸኣ፡ ኣቶ ብሩኽ የብርህ።

ዝርጋሐኡን ወጻኢታቱን

እዚ ክወሃብ ዝሕለን ዘሎ ኣገልግሎት ሸፈነኡ ክሳብ ክንደይ ዝዝርጋሕ እዩ? ነቲ ተገይሩ ዘሎ ምብታኽ ኣገልግሎት ርክባት ከ ጸላቒ ፍታሕ ከምጽኣሉ'ዶ ይኸውን? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ እዩ።

ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ብሩኽ ክምልስ እንከሎ፡ እዚ መደብ ንግዚኡ ኣብ መቐለ ጥራይ ከም ዝጅምር እዩ ዝገልጽ።

"ምኽንያቱ መቐለ ከተማ እዩ፡ ንዅሉ ነገር ከኣ ቀረባ እዩ፣ ስለዚ ኣብኡ ኢና ክንጅምሮ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣብኡ ዝግበር ስርሓትን ዝወሃብ ኣገልግሎታትን ዕዉት ምስ ዝኸውን፡ "ህዝብን መንግስትን ምስ ረኣይዎ፡" ናብ ካልኦት ከባቢታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ብሩኽ፡ እዚ ኣገልግሎት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ በዓል ትንሳኤ ክጅምር መደብ'ኳ እንተነበረ፡ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ክወሃብ ዝግባኦ ዝነበረ ምላሽ ዛጊት ስለ ዘይተዋህበ፡ እቲ ስራሕ ተደናጕዩ'ሎ።

"ዶክተር ደብረጽዮን 'ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፣ ግን ክንክልሶ ኢና' ኢሉና ነይሩ። እንተዀነ ዳርጋ ወርሒ ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ብቕልጡፍ ሓደ መዕለቢ ክወሃቦ ይግባእ።"

ትካል ቲፒኤም ነዚ ኣገልግሎት ንምሃብ ንወርሒ 12 ሽሕ ዶላር ወጻኢታት ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣቶ ብሩኽ ረዳ፡ "እዚ መደብ መርኣያ ስለዝዀነ፡ ጉዳይ ፋይናንስ ንግዚኡ ብኣባላት ቦርድ ቲፒኤምን ካልኦት ግዱሳት ተጋሩን፡" ብዘዋጽእዎ ገንዘብ ክሽፈን ምዃኑ የረድእ። ኣቐዲምካ ዝከኣል ምዃኑ ከተርኢ ከም ዝግባእ ድማ ይምጕት።

ንቐጻልነቱ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ግን፡ "ብጎ ፋንድ ሚን፡ ዶነር ቦክስን ዝዘርጋሕናዮ መተኣኻኸቢ እቶት ኣሎ፣ ስለዚ ኣብ ወጻኢ ብዘሎ ትግራዋይ ዝምወል እዩ ክኸውን፡" ይብል።

ኣቶ ብሩኽ ብኣብነት እንከረድእ፡ 200 ሰባት ነፍስወከፎም 50 ዶላር ከዋጽኡ እንተኽኢሎም፡ ኣብ ወርሒ 10 ሽሕ ዶላር ምእካብ ይከኣል። "ስለዚ፡ ኣብዚ ፈለማ ብ 200 ሰባት ዝሽፈን መደብ ኢና ኣበጊስና ዘለና፡" ይብል።

ኣብ ቀጻሊ እቲ ኣገልግሎት እናሰፍሐ ምስ ከደ ግን፡ ብማዕረኡ እቲ ዝዋጻእ ገንዘብ ክዓቢ ምዃኑ እምነቱ ይገልጽ።

ኣተሓሒዙ ኣቶ ብሩኽ፡ "ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ኣገልግሎት ሳትላይት ኢንተርነት ምስ ዝህብ ትካል ኢና ውዕል ኣቲና ዘለና" ይብል።

እዚ ስሩዕ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተሌፎንን ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ዝተለመደ ኣገልግሎት ምዃኑ፡ አቶ ብሩኽ ድሕሪ ምብራህ፡ "ኣብ ሶማሌ ብቪሳት እዮም ኣገልግሎት ተሌፎን ዝረኽቡ፣ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ቀይሕ መስቀል'ውን ቪሳት እዩ ዝጥቀም፡" ብምባል "ይከኣል እዩ" ዝብል ምጕት ሒዙ፡ ኣቶ ብሩኽ ብኣብነት የረድእ።

ስለዚ፡ ቲፒኤም ምስ 'ቪሳት' ዝበሃል ትካል ሳትላይት ውዕል ኣትዩ፡ "ኢንተርነት ኢና ንዕድግ ዘለና፡" ይብል።

እንተዀነ፡ እዚ ንቴሌኮምኒኬሽን ዝትክእ ወይ ድማ ንመላእ ትግራይ ብኢንተርነት ዝሽፍን ኣይኰነን።

እቲ ኣብዚ እዋን ብቐይሕ መስቀል ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ሪጋ ዝበዝሖን፡ ክሳብ "ኣላማጣን ቆቦን እናመጽኡ ክድውሉ ዝበጽሖም ዘሎ ገልታዕታዕ፡ ክትራንን ካልኦት ብዙሕ ጸገማትን፡" ንምውጋድ፡ ካብ ዕላማታት እዚ ተበግሶ ምዃኑ፡ ኣቶ ብሩኽ የረድእ።

ድሕነትን ሕጋውነትን

ሕጋውነትን ድሕነት መጥቃዕቲታት ሳይበርን እዚ ኣገልግሎት፡ ሓደ ካብቲ ትዅረት ዝወሃቦ ዛዕባ እዩ።

ኣቶ ብሩኽ፡ ብቐንዱ ንመንግስቲ ትግራይ ፍቓድ ዝሕተት ዘሎ፡ ነቲ ኣገልግሎት ሕጋውነት ንምልባስ ምዃኑ የነጽር።

ምስ ድሕነት ሳይበር ዝተኣሳሰር ጕዳይ ከኣ እቲ ሓላፍነት ንመንግስቲ ትግራይ ከም ዝተዋህበ የረድእ።

"እቲ ዝግበር ኮሚዩኒኬሽን ኵሉ መንግስቲ ባዕሉ ዝቈጻጸሮ እዩ፣ ዝዀነ ስግኣት እንተ ተፈጢሩ ድማ ከቋርጾ ይኽእል እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ከምዚ ዓይነት ስግኣት ክመጽእ እዩ ተባሂሉ፡ እቲ ስራሕ ገና ብግስ እንከይበለ፡ "ኣብ ናፍቘትን ስነልቦናዊ ማህሰይትን ዘሎ ህዝቢ፡ መራኸቢታት ክኽልከል ኣይግባእን" ኢሉ።

ኣቶ ብሩኽ፡ ነቲ ዝቕሰም ተመኵሮ ምርኵስ ብምግባር፡ ትካላት ግብረ ሰናይ ይዅና መንግስቲ ትግራይ'ውን ንባዕሉ፡ ነቲ ኣገልግሎት ከዕብዮን ከስፍሖን ከም ዝኽእል የዘኻኽር።

በዚ መሰረት፡ መንግስቲ ትግራይ ቀልጢፉ ከፍቅደሎምን፣ ህዝቢ ትግራይ'ውን ኣብ ጐድኖም ኰይኑ ብግብሪ ነቲ ውጥንን ዝወሃብ ኣገልግሎትን ክርእዮን ዕድል ክወሃቦምን ይላቦ።