ኤርትራዊ ስዊዛዊ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ታደሰ ኣብርሃም ኣብ ማራቶን ዙሪክ ቀዳማይ ወጺኡ

ታደሰ ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, Ian MacNicol

Published

ኤርትራዊ ስዊዛዊ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ታደሰ ኣብርሃም ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ዙሪክ ናይቲ ውድድርን ናይ ውልቁን ግዜ ብምምሕያሽ ቀዳማይ ወጺኡ።

ኣትሌት ታደሰ ኣብርሃም ነቲ ውድድር 2 ሰዓት 6 ደቂቕን 38 ካልኢትን ብምዝዛም'ዩ ዝበለጸ ግዜ ኣመዝጊቡ።

ታደሰ ኣብርሃም 20 መጋቢት 2016 ኣብ ደቡብ ኮርያ ማራቶን ሶል ዘመዝገቦ ግዜ እቲ ዝበለጸ ግዚኡ ኮይኑ እዩ ተመዝጊቡ ጸኒሑ።

ታደሰ ንማራቶን ሶል 2 ሰዓት፡ 6 ደቂቕን 40 ካልኢትን እዩ ዛዚምዎ ነይሩ።

ኣብ ማራቶን ዙሪክ ንታደሰ ተኸቲሉ ብሩንዳዊ ኦሊቨር ኢራባሩታ ብ2 ሰዓት 7 ደቒቕን ብምዝዛም ካልኣይ ክኸውን እንከሎ ኬንያዊ ፈራንሲስ ንዚዊንኩንዳ ሳልሳይ ወጺኡ።

ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ኢትዮጵያዊ ነዳ ጉራራ ሓሙሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣትሌት ታደሰ ኣብርሃም ኣብ 2009 ከምኡ'ውን ኣብ 2013 ዕዉት ማራቶን ዙሪክ ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ኣብ 2009 ንውድድሩ ብ 2 ሰዓት፡ 10 ደቂቕን 9 ካልኢትን ኣብ 2013 ኸኣ ብ 2 ሰዓት፡ 7 ደቒቕን 45 ካልኢት'ዩ ዛዚምዎ ነይሩ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ደምቱ ሃዋስ ቀዳማይቲ ብምውጻእ ዕውትቲ እቲ ውድድር ኮይና።

ማራቶን ዙሪክ ዓመታዊ ዝካየድ ውድድር ኮይኑ ሎሚ ዓመት ንመበል 19 ግዚኡ እዩ ተኻየዱ።

ነቲ ውድድር ዓመታዊ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት እዮም ዝሳተፍዎ።