ኣስታት 35 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምምላስ ተመዝጊቦም-መንግስቲ

Published

ካብ ስዑዲ ዓረብ ክምለሱ ንዝደልዩ ልዕሊ 35 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምድላው ከም ዝተገብረ'ውን ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምምላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘለውሉ ኩነታት ናይ ምጽራይን ምምዝጋብን ስራሕቲ ክስራሕ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ ካብቶም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝተመዝገቡ ኣብ መዕቀቢ ማእከላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲን ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከም ዝርከቡዎም ተዛሪቡ።

''ናይ ምዝገባ ስራሕቲ ክስርሑ ስለ ዝጸንሑ፡ 35 ሽሕ ዜጋታት ንክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለው። ነዚኦም ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ምምላስ ስራሕቲ ክህሉ'ዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዘለው ኩሎም ክምለሱ'ዮም'' ኢሉ።

ካብቶም ንክምለሱ ዝተመዝገቡ 35 ሽሕ ሰባት ግን ክንደይ ዝኣክል'ዩ እሱር፣ ክንደይ ዝኣክልከ ኣብ መዕቆቢ ማእከላት ይነብር ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሉ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል ''ሓሓሊፉ ብሚዲያን ካልእን እንርእዮም ነገራት ስለ ዘለው ግን እቲ ዘለውሉ ኩነታት ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ኢና ንርኢ" ክብል ኣብሪሁ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሸዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ስዑዲ ኣረብ ብምኻድ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ እሱራትን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታትን ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም ዝተዘራረበ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ የመልክት።

ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስራሕቲ ድማ ብምኽንያት ምዝገባን ምጽራይን ከም ዝተደናጎየ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ኣብቲ ግዜ: ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቅርሬታት ከም ዘልዓሉ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ።

"ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት የቕርቡ'ዮም። እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብየመን ዝኣተው'ዮም፤ ድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእትው'ዮም፤ ጽቡቕ ስነ ምግባር የብሎምን ወዘተ ዝብሉ'ዮም። ዝኾነ ኾይኑ ግን መንግስቲ ዜጋታቱ ናይ ምውሳድ ግዴታ ስለ ዘለዎ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኩሎም ኣብታ ሃገር ዘለው ክንወስዶም ኢና ኢሉ። በዚ መሰረት እዩ ምዝገባ ተጀሚሩ"

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ብምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ቁጠባዊ ጸገማት፣ ሽቕለት ኣልቦነት፣ ድርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሓደገኛ ብዝኾነ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትው ጸኒሖም'ዮም።

ውሑድ ዘይብሃል ቑጽሪ ዘለዎም ድማ ብባሕርን በረኻታትን ብዝገብሩዎም ጉዕዞ ብዘጋጥሞም ሓደጋ ምኽንያት ከም ዝሞቱ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።