እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ኢትዮጵያውያን በጻሕቲ ዓዲ ንበዓል ትንሳኤ ናብ ሃገራ ከይኣትው ኣጊዳ
እስራኤል ዜጋታት ኢትዮጵያ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ (ትንሳኤ) ከይኣትዉ እገዳ ከም ዘንበረት ተገሊጹ።
ኢትዮጵያውያን ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ብምኽንያት እቲ ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ ዝኽበር በዓል ትንሳኤ ናብታ እስራኤል ከይኣትዉ ዝኽልክል ውሳነ ከም ዝተወስደ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር እንተሓበራ'ኳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ዝሰማዕኽዎ ነገር የለን" ኢሉ'ሎ።
በዓል መዚ ህዝብን ኢሚግሬሽንን እስራኤል ንትካላት ቱሪዝም እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መምርሒ፡ እቲ እገዳ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ኲናት ከምዘንበሮ ኣብሪሁ'ሎ።
ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐመጦ ድማ እቶም ብኣጋጣሚ እቲ በዓል ዝጓዓዙ ሰባት ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብምህዳም ከይተመለሱ ኣብ እስራኤል ክተርፉን ክሕብኡን ይኽእሉ እዮም ዝብል ከም ዝኾነ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።
ይኹን እምበር እቶም ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ናብታ ሃገር ክገሹ ዝደልዩ ሰባት ብጉጅለ ዘይኮነስ ብውልቆም ፍቓድ ንምርካብ ከመልክቱ ከም ዝኽእሉ እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ ይጠቅስ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ጉዕዞ ትካላት ብወገኖም፡ እዚ ዝለዓለ ኣድልዎ ዘንጸባርቕ ውሳነ ከምዝኾነ ብምሕባር ተቓውሞኦም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።
ቢቢሲ ነቶም ምስ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ወኪላት ጉዕዞ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ትካላት ብምዝርራብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ትካላት ጉዕዞ ኢትዮጵያ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ መሻርኽቶም ብዛዕባ እቲ ደብዳቤ መልእኽቲ በጺሕዎም'ዩ።
በዓል መዚ ህዝብን ኢሚግሬሽንን እስራኤል ነቲ ኢትዮጵያውያን በጻሕቲ ዓዲ ንከይኣትዉ ዝእግድ ውሳንኡ ብቕልጡፍ ክምርምርን ምምሕያሽ ክገብርን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ድማ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብጉጅለ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኢትዮጵያውን በጻሕቲ ዓዲ "ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ" ምትራፎም ዘዘኻኽሩ ሰበ ስልጣን ኢሚግሬሽን እታ ሃገር፡ እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኲናት ድማ ነዚ ዘጋድድ ክኸውን ስለ ዝክእል ነዚ ስጉምቲ ምውሳዶም ሓቢሮም።
ኣብዚ ጉዳይ ርእይትኡ ክህብ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ኣሕሊፋቶ ዝበሃል ውሳነ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ።
ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት ልደት፣ ጥምቀትን ትንሳኤን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ እስራኤል ከምዝገሹን መገሽኦም ድማ ብወኪላት ጉዕዞ ኣቢሉ ከም ዝፍጸምን ይፍለጥ።
ኣብዚ ዓመት እገዳ ስለ ዝተገበረ ንዕዳጋ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡን ምስቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተሓባቢሮም ዝሰርሑን ወኪላት ጉዕዞ ከም ዝሃስዮ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገሊጾም ኣለዉ።