እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ ንኣስታት 10 ዓመት ዝተኣስሩ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተክርስትያን ተፈቲሖም
ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ሰዓብቲ ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ማይ ሱርዋ ካብ 6 ክሳብ 11 ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት፡ ቅድሚ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ምልቃቖም ኣብ ዝተፈላለየ ስራሓቲ ተዋፊሮም ምጽንሖም እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን'ውን ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ መዳጒኒ ተታሒዘን ዝጸንሓ ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ ተፈቲሐን ምንባረን ተሓለቕቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ቀይዲ ዝኣትውን ዝፍትሑን ሰባት መግለጺ ከምዘይህቡ ይፍለጥ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ 15 ተኸተልቲ ናይተን ኣብያተ ክርስትያናት ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም ዳግማይ ናብ ቀይዲ ከምዝተወስዱ ይዝከር።
ሓያሎ ካብ መራሕቲ እተን ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያናት ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ተሰዊሪም ከምዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
መንግስቲ ኣብ ሃማኖታዊ ጉዳያት ናይተን ኣብታ ሃገር ክንቀሳቐሳ ዝተፈቕደለን ሃይማኖታዊ ትካላት ኢድ ከምዘእቱ'ውን እቶም ተጣበቕቲ ይገልጹ።
ሰብመዚ ኣብ ምውራድን ምሕያርን 3ይ ፓትሪያርክ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ይኽሰሱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን፡ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ክመሓደራ ንዝጸንሓ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ከምዝዓጸወን ከምዝሃገረን ይዝከር።
እቲ ስጉምቲ፡ ምስቶም ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ኣተሓሕዛ መንግስቲ ክነቕፉ ዝጸንሑ መራሕቲ እታ ቤተክርስትያን ኣብ ምትፍናን ኣእትይዎም ከምዘሎ ይንገር።
ብዝተፈላለዩ ምግሃስ መሰላትን ምሕራም ናጽነታትን ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ክሲ ንምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ዝቐርብ ጸለመ'ዩ ክብል ይከላኸል።