ቅልውላው ሶማልያ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ ውጥን ስሒቡ

Published

ፕረዚደንት ሶማልያ፡ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ ነቲ ዘመነ ስልጣኑ ንኽልተ ዓመት ከናውሖ ዝሃቀኖ ውጥን ከም ዝሰሓቦ ገሊጹ።

እቲ ውጥን፡ ኣብ ሞቓዲሹ ኣብ መንጎ ነቲ ፕረዚደንት ዝድግፉን ዝቓወሙን ወተሃደራዊ ግጭት ወሊዑ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ ብምጽዋዕ፡ ንጻዕርታት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ንኢዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ለካቲት ዘመነ ስልጣኑ ድሕሪ ምብቅዑ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ምፍታኑ ኮኒኑ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነቲ ዝተኣመመ ናይ ምርጫ መቓን ብዝምልከት ንዝተበጽሐ ስምምዕ 17 መስከረም 2020 ንምምላስ፡ ቀዳም ኣብ ፓርላማ ክቐርብ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ስምምዕ ነቲ ብ 12 ሚያዝያ ዝሓለፈ ውሳነ ምንዋሕ ዘመነ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ንድሕሪት ዝመልስ እዩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2020 ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ መራሕቲ ቀቢላታት [ክላን] ናይ ምርጫ መዛኑ ክመርጹ እንከለው፤ ንሳቶም ድማ ነቶም ንፕረዚደንት ዝመርጹ ኣባላት ፓርላማ ፌደራል ይመርጹ።

"ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ሎሚ'ውን ከረጋግጸልኩም እደልይ፤ ምርጫ ኣብ ሶማል ኣብ እዋኑን ብሰላማዊ መገድን ንምክያድ ወትሩ ድልዋት ኢና" ኢሉ እቲ ፕረዚደንት።

ወሲኹ'ውን ትካላት ጸጥታ ውሕስነት ሲቪላውያን ከረጋግጹን ንድሕነት እታ ሃገር "ካብ ዝኾነ ናብ ዘይምርግጋእ ዘምርሕ ተግባር ክቑጠቡ" ኣዘኻኺሩ።

እስላማውያን ዕጡቓት ኣልሸባብ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሓጓፍ ክምዝምዝዎ ከም ዝኽእሉ ዝሰግኡ ነበርቲ ካብቲ ጎንጺ ዘለዎ ከባቢ ይሃድሙ ኣለው።