ዕጡቓት ሓይልታት ኮንጎ ንኣምባሳደር ኢጣልያ ከምዘይቀተሉ ገሊጾም

Published

ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ሁቱ፡ ኣብ ቅትለት ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢድ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ወዲ 43 ዓመት ኣምባሳደር ሉካ ኣታናይሶ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ'ታ ሃገር ምስ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ቃፍላይ ሕቡራት ሃገራት እናተጓዕዘ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ድሕሪ ምህራሙ ኣብ ሆስፒታል ሞይቱ።

እቲ ቃፍላይ መካይን፡ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተባህለ ትካል ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ኣምባሳደር ዝነበረ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኢጣልያን ስሙ ዘይተገልጸ ኮንጎኣዊ ዘዋሪ መኪናን ከምዝተቐትሉ'ውን እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ እቲ ቅትለት ብደሞክራስያውያን ሓይልታት ሓርነት ርዋንዳ (FDLR) ዝፍለጥ ጉጅለ ዝተፈጸመ'ዩ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ሎ።

"ልዕሊ 100 ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብዚ ከባቢ ይንቀሳቐሱ'ዮም፡ ስለምንታይ ምሳና ከተኣሳስርዎ ደልዮም ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብቲ ዝተፈጸመ እኩይ ቅንጸላ ተራ ኣይነበረናን" ክብል ኩር ንጎማ ንቢቢሲ ክፍሊ ዓበይቲ ቀላያት ተዛሪቡ።

ኣብቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ወታሃደራዊ ህላወ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ርዋንዳ ዘለዎ ከባቢ ከም ከምዝተፈጸመን፡ እቲ ዝግበር መርመራ ካብኡ ክጅመር ከምዘለዎን ጠቒሱ።

ነቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ንምምርማር፡ ሓደ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተላእከ ጉጅለ ናብቲ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ከተማ ጎማ ክኸይድ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ሎሚ ዝብገስ መርማሪ ጉጅለ፡ ብስሩዕ ጸብጻቡ ናብ ፕረዚደንት ፈሊክስ ቺሰከዲ ከቕርብ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

"ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ናይታ ሪፓብሊክ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኢጣልያ ንምብጻሕ ንሰሉስ 23 ለካቲት ክብገስ'ዩ" ክብል'ውን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዲ-ሪ-ኮ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ቺሰከዲ ብቕትለት ናይቲ ኣምባሳደር ከምዝሓዘነ ብትዊተር ገሊጹ ነይሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ "ሽበራዊ" ክብል ብምግላጽ፡ እቲ ገበን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ተመርሚሩ፡ ፈጸምቱ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣዚዙ'ሎ።

ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ናብቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈመሉ ቦታ ተላኢኾም ምህላዎም'ውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ካብ 1994 ክሳብ 2003 ዝቐጸለ ግጭት ኣስታት 5 ሚልዮን ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይገልጹ። ገለ ተዓዘብቲ 'ዝዓበየ ኲናት ኣፍሪቃ' ክብሉ ይገልጽዎ'ዮም።

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ዝንገረሉን፡ ልዕሊ 17,000 ኣባላት ዘለዎን ሓይሊ ካብ 1999 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ምህላዉ ይፍለጥ።