ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ንመራሕቲ ጁባላንድን ፑንትላንድ ዳግም ንዘተ ጸዊዑ

Published

ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ንመራሕቲ ከፊል- ርእሰ ምምሕዳር ዝኣወጃ ዞባታት ጁባላንድን ፑንትላንድን ብምኽንያት መረጻ ንዝተፈጥረ ጸጋምት ንምዝታይ ዳግም ጻውዒት ኣቕሪቡሎም።

መራሕቲ ክልቲአን ዞባታት ብሰንበት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝጸውዖ ኣኼባ ከይተሳተፉ ተሪፎም ምንባሮም ይፍለጥ።

መራሕቲ እዘን ክልተ ዞባታት፡ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዕምሪ ስልጣኑ ስለ ዘብቅዐ ከም ፕረዚደንት ሶማልያ ኣይቕበሉዎን።

መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት እታ ሃገር፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዘይሕጋዊ መገዲ ስልጣን ጨቢጡ ብምባል ሰልፊ ተቓውሞ ክግበር ጸዊዖም ነይሮም።

ብዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ምስቶም ተቓወምቲ ተጓኒጾም።

መራሕቲ ፌደራልን ዞባታትን ሶማልያ እቲ መረጻ መዓስ ይካየድ ኣብ ዝብል ኣብ ስምምዕ ቅድሚ ምብጽሖም፡ ግዜ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብቂዑ።

ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ክካየድ ዝነበሮ ፕረዚደንታዊን ባይቶኣውን ምርጫታት ዘይምክያዶም ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።

ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋረማጆ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተወደአ ኮይኑ፡ ከምኡ'ውን እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ከተካይዶ ዝነበራ ምርጫ ከተተግብር ኣይከኣለትን።

ኣብታ ሃገር፡ ባይቶ እታ ሃገር ከይተመርጸ፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከተካይድ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ይግለጽ።

መራሕቲ ሶማልያ፡ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር መዓስ ከምዝካየድ ገና ኣይተማምዑን ዘለው። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣብ መንጎ መራሕቲ ሶማልያ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ክሳዕ ንስልጣን ዝትክእ ዝርከብ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ከይፍጠር፡ ባይቶ ሃገርን ፕረዚደንትን ስልጣኖም ክቕጽሉ ዘፍቕድ ውሳነ ብባይቶ እታ ሃገር ጸዲቑ ነይሩ።

ስለምንታይ'ዩ ምርጫ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ዘይክኣለ?

እታ ንዓሰርተታት ዓመታት ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝጸንሐት ሶማልያ፡ ካብ 2012 ጀሚራ ተዛማዲ ምርግጋእ ክትርኢ ክኢላ ምጽንሓ ይግለጽ።

ኣብ 2012 ሓድሽ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ ምምስራቱ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ከማሓይሾ ክኢሉ ነይሩ።

ህዝቢ'ታ ሃገር ንመወዳእታ ግዜ፡ ብውልቂ ድምጺ ዝሃበሉ ዴሞክራስያዊ ምርጫ እቲ ኣብ 1969 ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ዝተኻየደ ምርጫታት ዘይቀጥታዊ ኮይኑ፡ መራሕቲ እንዳታት ብዝውክልዎ ባይቶ'ዩ ፕረዚደንት ዝምረጽ።

ጠንቂ ናይዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ'ውን እቲ ኣብ መንጎ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስትን ዞባዊ መራሕትን ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ'ዩ።