ፓምፒዮ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝበጽሐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብሩሲያ ዝተፈጸመ'ዩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣመረካ ዝተፈጸመ ሓደገኛ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዘላ ሩሲያ ከምዘላ ገሊጹ።
"ኣብዚ ጉዳይ ሩሲያውያን ከም ዝተሳተፉ ግሉጽ'ዩ" ዝበለ ፖምፒዮ፡ ብዛዕብኡ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን፤ ሩሲያ'ውን ንዝቐረበላ ክሲ ከም ዘይፈጸመት ገሊጻ።
እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ብኣመሪካዊ ኩባኒያ ሶላርዊንድስ ዝተሰርሐ 'ሶፍትዌር' ብምጥቃም ዝተፈጸመ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ግዳያት ካብ ዝኾኑ ትካላት መንግስቲ ንኣጽዋር ኒኩሌር ብላዕለዋይነት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት እቲ ሓደ እዩ።
ዲፓርትመንት ኢነርጂ ኣመሪካ ከም ዝበሎ ግን፡ ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣጽዋር ኒኩሌር ዘጋጠመ ናይ ድሕነት ጸገም የለን።
ኣብ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ዓበይቲ ትካላት'ውን ግዳያት ተመሳሳሊ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾኑ ይእመን።
ተመራመርቲ ነዚ ፈተነ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ 'ሳንበርስት' ዝብል መጸውዒ ዝሃቡዎ ኮይኑ፡ ነዚ ቅድም ኢሉ ካብ ዝበጽሑ መጥቃዕታት ዝዓበየ ዝኾነ መጥቃዕቲ ሙሉእ ንሙሉእ ንምርዳእ ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ ኢሎም።
እቶም ሰርሰርቲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ልዕሊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ውሽጣዊ ድሕነት እታ ሃገር፣ ግምጃ ቤትን ሚኒስትሪ ንግድን ዘለው መረዳእታታት ብኸፊል ክቆጻጸሩ ክኢሎም'ዮም።
እዞም ሰርሰርቲ፡ ኔትዎርክ ኮምፒዩተራት ሰይሮም ክኣትው ዝኽኣሉ ኣብ ቴክሳስ ብዝርከብ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ኢንተርነት ብዝኾነ ሶፍትዌር ሶላርዊንድስ ተጠቒሞም'ዮም።
ካብ 300 ሽሕ ዓማዊል ሶፍትዌር ኦሪዮን ሶላርዊልንድስ እቶም 18 ሽሕ ዝኾኑ ተጠቀምቲ ናይዚ ሶፍትዌር ሕድሳት ክገብሩ እንከለው እቶም ሰርሰርቲ ክኣትው ከም ዝኽኣሉ ተገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ትካላት ውልቀን መንግስትን ኣመሪካ ሶፍትዌር ሶላርዊንድስ ካብ ኮምፒዩተሮም ክኣልዩዎ መምርሒ ተዋሂቡ ይርከብ።
ንዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ ምስ ሩሲያ ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉ ሰርሰርቲ ሚስጢራት ኣመሪካ ክሰርቁ ፈቲኖም ተባሂሉ ይእመን።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
