ኣብ ኬንያ ሓደ ሞይቱ ተባሂሉ ዝተገንዘ ሰብ 'ሃንደበት ህይወት ዘሪኡ'

ክፍሊ ሬሳ

ምንጪ ስእሊ, SHUTTERSTOCK

Published

ኣብ ኬንያ ሓደ ሞይቱ ተባሂሉ ዝተገንዘ ሰብ ሃንደበት ሃለዋቱ ከም ዝፈለጠ ሰብመዚ ሆስፒታል ገሊጾም።

ወዲ 32 ዓመት ፒተር ኪገን፡ ኣብ ገዝኡ ብጽኑዕ ሓሚሙ ድሕሪ ምውዳቑ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

ሰብሞያ ሕክምና ድማ፡ ሞይቱ ኢሎም ናብ መጽንሒ ሬሳ ሰዲዶሞ። ኣብኡ ድማ ሃንደበት ክትንፍስ ምርኣዮም ከም ዝሰንበዱ ተዛሪቦም።

መቕርባቱ ክቐብሩዎ ኣብ ዝዳለውሉ ናብ ውኒኡ ምምላሱ ግን ሓያል ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ።

ጋዜጣ ስታንዳር ዝረቑሖ ንኡሽቶ ሓው፡ ናብ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሓደጋ ቅድሚ ምብጽሑ ሓንቲ ነርስ እቲ ሕሙም ምሟቱ ከም ዝነገረቶ ተዛሪቡ።

"ሰራሕተኛ ክፍሊ ኣስክሬን ቴሌፎን ደዊላትለይ ክንከይድ ከለና፡ ሓወይ ሰብነቱ ክንቀሳቐስ ርኢና። ኩላትና ሰንቢድና። ሞይቱ ተባሂሉ ኣብ ክፍሊ ሬሳ ዝኣተወ ሰብ ከመይ ኢሉ ክንቀሳቐስ ይኽእል? ከቢድ እዩ" ኢሉ።

ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ሆስፒታል ጊልበርት ቼሩዮት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ግን፡ ስድራ እቲ ሕሙም ናይ ሞት ሰርተፊኬት ክሳዕ ዝወሃበም ከም ዝተጸበዩን፡ ባዕሎም ናብ ክፍሊ ሬሳ ከም ዝወሰዱዎን ገሊጹ።

እቲ ሕሙም፡ ሱር ብዝሰደደ ሕማም ክሳቐ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ "ብህይወት ክጸንሕ ምኽኣለይ ሕጉስ እየ፤ ድሕሪ ሕጂ ድማ ወንጌላዊ ኮይነ ከገልግል'የ" ኢሉ።