ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ጾታዊ መዓርነት ዝመጽአ ለውጢ ንድሕሪት ከይመልሶ ተሰጊኡ

Published

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ን25 ዓመታት ዝተራእየ ምዕባለ ጾታዊ ማዕርነት ንድሕሪት ክጎቶ ከም ዝኽእል ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

ኣብዚ እዋን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ደቂ ኣንስትዮ ዚያዳ ናይ ገዛ ስራሕትን ሓላፍነት ናብዮት ስድራን ይስከማ ኣለዋ'ውን ኢሉ።

"እዚ ኹሉ ዝሰራሕናሉ . . . 25 ዓመታት ዝወሰደ ጻዕሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ክጠፍእ ይኽእል'ዩ" ትብል ምኽትል ፈጻሚት ስራሕ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ትካል ኣኒታ ባሺያ።

ዕድላት ስራሕን ትምህርትን ክጠፍኡ ይኽእሉ፤ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጸገማት ኣካላዊ ጥዕና ከጋጥመንን ድኹም ስነ ልቦናዊ ጥዕና ከጥቅዐን ከም ዝኽእል ተሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ደቂ ኣንስትዮ ሕጂ ገጢምወን ዘሎ ሸኽሚ ድማ፡ "ኣብቲ ኣብ 1950ታት ዝነበረ ግጉይ ኣረኣእያ ጾታ ክመልሰና ተኽእሎ ኣለዎ" ኢላ ባቲሻ።

ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንተኾነ'ውን ኣብ ዓለም፡ ኣስታት 75 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን መዓልታዊ ካብ ዝስርሑ ስራሕቲ 16 ቢልዮን ሰዓታት ከይተኸፈለን ከም ዝሰርሓ ተጸኒዑ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ቅድሚ እዚ ለበዳ ንነፍሲ ወከፍ ዘይተኸፈሎ ብወዲ ተባዕታይ ዝስራሕ ስራሕ እቲ ሰለስተ ሰዓት ብደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝስራሕ ነይሩ። ሕጂ እዚ ወሲኹ ኣሎ።

ባቲሻ'ውን፡ "እዚ ቑጽሪ ብኽልተ ዕጽፊ ወሲኹ ከም ዝኸውን ይኣምን" ኢላ።

እዚ ዳህሳስ፡ ኣብ 38 ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ ምስሊ ከም ዘሎ እቲ ትካል ይሕብር።

"እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስበኒ ከኣ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ይምለሳ ዘይምህላወን እዩ" ክትብል እታ ምኽትል ፈጻሚት ስራሕ ስግኣታ ገሊጻ።

"ኣብ ወርሒ መስከረም ጥራሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 865 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ናይ ጉልበት ስራሕ ቦኵረን። ቑጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ድማ 200 ሽሕ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ናይ ገዛ ስራሕ ሓላፍነት ምህላዩ'ዩ"።