ኣል-ሻባብ 'ንመስርሒ ቦምባ ዝጥቀመሉ ባእታ ተታሒዙ'

Published

እስላማዊ ጉጅለ ሽበራ ኣል-ሸባብ ንመስርሒ ነታጒ ቦምባ ዝጥቀመሉ ሳልፈሪክ ዝተባህለ ባእታ ናብታ ሃገር ብሕቡእ ክኣቱ ተታሒዙ።

ኤጀንሲ ስለላ ሶማሊያ - ኒሳ፡ 79 ቶን (790 ኩንታል) ሳልፈሪክ ኣሲድ ንምእታው ፈተነ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ከም ዝተትሓዘ ኣፍሊጡ።

"ነቲ 79 ቶን ሳልፈሪክ ምስቶም ናብታ ሃገር ብሕቡእ ከእትውዎ ዝፈተኑ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣውዒልና ኣለና" ኢሉ እቲ ኤጀንሲ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ።

መስርሕ ምጽራይ ከም ዝተጀመረ ብምሕባር ድማ ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ። እቲ ባእታ መዓስ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ግን ኣየነጸረን።

እዚ ሓበሬታ፡ ሶማሊያ ብ 14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሞቓዲሾ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ሎሚ መዓልቲ ትዝክር ኣብ ዘላትሉ'ዩ ወግዓዊ ተገይሩ ዘሎ።

በቲ ናይ ሽዑ መጥቃዕቲ ልዕሊ 600 ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

ኣል-ሻባብ ነቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ'ኳ እንተዘይነበረ፤ ኣብታ ከተማ ዝፍጽሞም መጥቃዕትታት ግን ቀጺሉሎም'ዩ።

እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ፡ ንመስርሒ ነቶግቲ ዝኸውን ባእታታት ብሕቡእ ናብ ሶማሊያ ከእትው ከም ዝኽእል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሰነ ኣጠንቂቑ ነይሩ።