ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ፡ ኣሰልጠንቲ ናይተን ከቢድ ስዕረት ዘጋጠመን ጋንታታት እንታይ በሉ?

ክሎፕ (ጸጋም) ሶልሻየር (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Getty Images

Published

ትማሊ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ራብዓይ ሰሙን ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ፡ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ 6 ብ 1 ሊቨርፑል ድማ 7 ብ 2 ተሳዒረን እየን።

ስዕረት ናይተን ኣብቲ ሊግ ጽቡቕ ስምን ዝናን ዘለወን ጋንታት ብሰፊሕ ኣፈላላያት ሸቶ ብምንባሩ ንብዙሓት ኣዘራሪቡ'ሎ። ማንቸስተር ኣብ ሜድኣ ብቶተንሃም ሊቨርፑል ድማ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ብኣስቶንቪላ እየን ተሳዒረን።

ዩናይትድ

ኣሰልጣኒ ኦሌ ሶልሻየር ንጋንታ ማንቸስተር ብኣሰልጣንነት ካብ ዝሓዘሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ካብ ዘጋጠምዎ ስዕረታት "እቲ ኣዝዩ ሕሱም መዓልቲ" ዘሕለፈሉ ግጥም'ዩ ነይሩ።

ጋንትኡ ኣቐዲማ ሸቶ ክተቑጽር እንተኸኣለት'ኳ ስዒቦም ካብ ተጻወትቲ ጋንታ ቶተንሃም ንዝመጽኡ 6 ሸቶታት ካብ ምቕባል ዝሰገረ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበራን። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ መበል 16 ደረጃ ክትስራዕ ተገዲዳ'ላ።

"በዓልትና ንውድቀትና ብዙሕ ኣበርክቶ ጌርና" ዝበለ ኣሰልጣኒ ሶልሻየር፡ ንምግላጹ ዝኸብድ ኣጋጣሚ ከምዝኾኖ ብምሕባር "ኣብ ሜዳና ብብልጽቲ ጋንታ 6 ብ 1 ተሳዒርና" ክብል ነቲ ስዕረት ተቐቢሉ።

"ነዓይ ኣሰልጣኒ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ካብ ዝኾንኩሉ እዋን እቲ ዝኸፍአ መዓልቲ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ንኹሎም ተጻወትቲ ዩናይትድ እውን ክፉእ መዓልቲ ነይሩ" ኢሉ።

ገለ እዋናት ስሕተት ክትፍጽም ባህሪያዊ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ኣሰልጣኒ "እዚ ኣካል ህይወትና እዩ፤ ኣብ ሓደ ጸዋታ ብዙሓት ስሕተታት ኢና ንፍጽም ኣብ ውጽኢቱ ከኣ ይረኣይ" ክብል ኣረዲኡ።

ኣንቶኒ ማርሻል ብቐይሕ ካርድ ምውጽኡ ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፈሎም ድማ ገሊጹ።

ሊቨርፑል

ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ የርገን ክሎፕ ጋንትኡ "ታሪኻዊ" ዝበሃል ስሕተት ከምዝፈጸመት ተዛሪቡ'ሎ።

ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ገና 1 ብ 0 ክንምርሑ ምስጀመሩ መስመር ጸዋታ ዝሰሓቱ ይመስል ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፕሪምየርሊግ ፈላሞት ግጥማት ስዕረት ከየጋጠማ ነዊሕ ዝጸንሐት ሊቨርፑል ብምኽንያት እቲ ናይ ትማሊ ከቢድ ስዕረት ግን ኣብቲ ሊግ ንዘለዋ ታሪኽ ጸሊም ነጥቢ ኣዕሪፋትሉ'ላ።

"መን'ዩ 7 ብ 2 ክሰዓር ዝደልይ? ቅድሚ ዓመታት ንነብስና ዝነገርናዮ ነገር ታሪኽ ክንሰርሕ ከምእንደልይ እዩ። እዚ ድማ ታሪኽ እዩ ግን ከኣ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ጌጋ" ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ።

ተጻወትቲ ጋንትኡ ክጥቀሙሎም ዘይከኣሉ ዓበይቲ ዕድላት ከምዝነበሩ ብምሕባር ድማ ሸውዓተ ሸቶ እንተተቖጺሩካ "እቲ ጸዋታ 7 ብ 7 ክውዳእ ነይርዎ" ክትብል ከምዝኸብድ ተዛሪቡ።

"ኣዝዮም ብዙሓት ጌጋታት ፈጺምና ኢና። እቲ ፈላሚ ስሕተት ኣብታ ቀዳመይቲ ሸቶ ዝተፈጠረ ክኸውን ከሎ ኣብቶም ካልኦት ሸቶታት እውን ብዙሓት ጌጋታት ፈጺምና" ኢሉ።

በቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ከኣ ንሱን ተጻወትትን እምበር ንኻልእ ተሓታቲ ምግባር ከምዘይከኣል ገሊጹ'ሎ ክሎፕ።