መሃይምነት፡ ስለምንታይ እዩ "ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን" ዝበሃል?

ትምህርቲ ኣብ እዋን ገድሊ

ምንጪ ስእሊ, Dan Connell

Published

ሎሚ ኣህጕራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት እዩ። መልእኽቲ እዚ ዓመት ከአ ብደሆ ፊደል ምቑጻር ኣብ እዋን ኮቪድ እዩ።

እዚ ንዓለምና ኣሻቒሉዋ ዘሎ ኮቪድ-19 ኣብ ስርዓት ምምሃርን ምስትምሃርን ዓቢ ብደሆ ፈጢሩ እዩ። ብፍላይ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ እቶም ፊደል ዝቖጽሩ፡ ቖልዑን እቶም ኣብ ንእስነቶም ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ዓበይትን ስለዝኾኑ ዝኸበደ ብደሆ ኣለዎ።

ቅድሚ ኮቪድ እውን ኣብ ፖሊሲ ምጥፋእ መሃይምነትን ክዉንነትን ዓቢ ጋግ ጸኒሑ እዩ። ኣሎ። እዚ ሕጂ ዝተኸሰተ ለበዳ ከኣ ነቲ ፍልልይ ኣግዲዱዎ ኣሎ።

ምስ ክስተተ ኮቪድ መደባት ትምህርቲ ናይ ኣጕባዝን ማዮም-ዝሰተዩ ሰባትን ዳርጋ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። እቲ ከም ሓዲሽ ቅዲ ትምህርቲ ዝተኣታተወ ማንዛዊ ኣገባብ ትምህርቲ/ ብኢንተርነት ብተለቪዥን ረድዮን ዝተፈተነ ናይ ምስትምሃር ፈተነ በብቑሩብ ዝዓቢ ዘሎ ይመስል። ግን ነዊሕ ጻዕሪ ክድልዮ እዩ። ኣብዚ ዕማም፡ ተራ መምህራን ኣገዳሲ እዩ። ውጽኢታዊ ፖሊሲታት ኣብ ምቕራጽን ብቑዕ ምሕደራ ኣብ ምሕንጻጽ ኩሉ ዝምልከቶ ክዋሳእ ኣገዳሲ እዩ።

እዛ ዕለት ሸሞንተ መስከረም ብ1966 ከም ኣህጕራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኰይና ብዩነስኮ ዝተመረጸትሉ ምኽንያት ንኣህጕራዊ ሕብረተሰብ ኣድላይነት ምጥፋእ መሃይምነት ኣጕሊሑ ከርኢ ብማለት እዩ።

ኣብ መስከረም 2015 ከኣ መንግስታት ዘላቒ ትምህርቲ ኣብ ኵሉ ንክባጻሕ መራሕቲ ዓለም ተቐባልነት ሂቡምዎ። እቲ "ዘላቒ ዕብየት" ዝተሰምየ ቀንዲ ዕላማ ከኣ ንኣጕባዝን ማዮም ንዝሰተዩ ሰባት እኹል ትምህርቲ ቈጸራ-ፊደልን ቍጽርን ናበየ ቦትኡ ምብጻሕ'ዩ።

መጥፋእ መሃይምነት

ምንጪ ስእሊ, ዲ-ኤም

ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ

ኣብ ስሳታት ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ ሃገራትን ተቓለስቲ መሰልን ናጽነትን ውድባት ምጥፋእ መሃይምነት ከም ቀንዲ ኣካል ቃልሶም ገይሮም ይርእዩዎ ብምንባሮም ኣጸቢቖም እዮም ዝሰርሕሉ ነይሮም።

ተቓለስቲ ናጽነት ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን ከምኡ እውን ተቓለስቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ህወሓትን ካልኦት ውድባትን ንተጋደልቶምን ህዝብን ክረኽቡዎ ብዝኽእሉ መምሃሪ ፊደላት ኣብ ሑጻ ከይተረፈ እናጸሓፉ ንኣባላቶም ምጽሓፍን ምንባብን ከምህሩዎም ከምዝጸዓሩ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ እዩ።

እቲ ኣብ 1974 ንንጉስ ሃይለስላሰ ኣልዩ ስልጣን ዝተረከበ ማሕበርነታዊ ስነ-ሐሳብ ዝኽተል ዝነበረ ስርዓት ደርግ እውን እንተኾነ "እድገት በህብረት ዘመቻ" ዕቤት ብሕብረት ብዝብል ወፍሪ ንተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ኣብ ፈቐዶ ገጠራት ኢትዮጵያን ከተማታት ኤርትራን ወፊሮም ምጥፋእ መሃይምነት ከምዘምህሩ ገይሩ። በቲ ተግባር ከኣ ምስጋና ረኺቡ።

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ እቶም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሳሕል ተማሂሮም ሻብዓይ ሻምናይ ዝበጽሑ መንእሰያት ናብ ሓውሲ ሓራ መሬት ኤርትራ ወፊሮም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ንዝርከቡ ቖልዑን ፊደል ዘይቆጸሪ ዓበይትን ካብ ሃድን ጸላኢ እናተኸወሉን እናተኸላኸሉን ብረቶም ተሓንጊጦም ይምህሩ ነይሮም።

ትምህርቲ ኣብ እዋን ገድሊ

ምንጪ ስእሊ, Dan Connell

ሓያሎ ካብኣቶም ከኣ እናመሃሩ እንከለው ሃንደበት ጸላኢ ሓደጋ ስለዝወድቆም ተዋጊኦም ዝስውኡን ተወጊኦም ዝተማረኹን እውን ነይሮም።

እቲ ብልዕሊ 450 መንእሰያት ተጋደልቲ ኣብ 1983 ኣብ ሓውሲ ሓራ መሬት ኤርትራ ዝተኻየደ ወፈራ ትምህርቲ ንኣስኣት 3,000 ተምሃሮ ነይሮምዎ።

ዶክ. ለስ ጎተስማን ዝተባህለ ጸሓፊ ንኣብነት ኣብታ "ምቅላስን ምምሃርን" (To Fight and Learn) ዘርእስቱ መጽሓፉ፡ ኣብ ድሕሪ ጸላኢ ኰይኖም፡ መሳርዮኦም ተሓንጊጦም፡ ንሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን/ ዘላንን ንኣዴታትን ቖልዑን ፈደል ክምህሩ ህርድግ ይብሉ ነይሮም ክብል ይገልጾም።

ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ግን እቶም መንእሰያት ተጋደልቲ ንህዝቢ እናመሃሩ ንባዕላቶም እውን ብቐጻሊ ይመሃሩን ዓቕሞም የዕብዩን ነይሮም እዮም።

ጎትስማን ነቲ ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ብ "ምውህሃድ ደረተ-ትርኢት" ኢዩ ዝገልጾ።

እቲ ገስጋሲ ራእይ ቃልሲ ምስ ባህላዊ ሸነኻት ኤርትራ ተጻሚዱ፡ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘተን፡ ናይ እንካን-ሃባን ልዝብን ዝፈጥር ንጥፈት ይፈጥር ምንባሩ ይዛረብ።

ኣብ እዋን ናጽነት ኣብ ኤርትራ፡ 58% ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከምኡ'ውን 28% ካብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ'ዮም ከንብብን ክጽሕፍን ዝኽእሉ ዝነበሩ። ብ 1999፡ ሚድያ መንግስቲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ መጠን ናብ 67% (ካብ ተባዕትዮን) 39% (ካብ ኣንስትዮን) ክብ ኢሉ። ጸኒሑ፡ ብ 2017፡ እቶም ማዮም-ዝሰተዩ፡ ሰብ ማእከላይ ዕድመን ልዕሊኡን ማሃይምነት ዜጥፍኡ ዜጋታት ናብ 80% ክብ በለ።

ቤት ትምህርቲ ሰውራን - ጽባሕን

ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብዙሕ ጻዕሪ ዝፈሰሶም ብ"ቤት ትምህርቲ ሰውራ" (ኣብ ህዝባዊ ግንባር) ብ"ጽባሕ" ከኣ (ኣብ ተጋድሎ ሓርነት) ስም ዘትረፉ ናይ ትምህርቲ ትካላት ነይሮም።

እቲ ብቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝፍለጥ ንብውግእ ዝዘኽተሙ ቖላዑ፡ ዑቕበኛታት፡ ደቂ ተጋደልቲ፡ ንክጋደሉ ዝተጸንበሩ (ትሕቲ-ዕድመ) ...ወዘተ ተባሂሉ፡ ኣብ 1976 ኣብ ዜሮ ሳሕል ጀሚሩ፡ ምስ ኩነታት ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ግዒዙ፡ ዳሕራይ ኣብ ስንጭሮታት ዓራርብ (ኦሮታ)፡ ኣብ ክዱን ቦታታት ዝረግአ ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዋላኳ ኣብ ሕቡእ ሰናጭሮ በግራብ ኣብ ዝተኸወለ ትሕቲ መሬት ኣባይቲ ዝተሰረተ እንተነበረ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ሓያሎ ቖልዑ ከምዝተጎድኡ ተማሃሮ ናይቲ እዋን ይገልጹ።

ብወገን ተጋድሎ ሓርነት'ውን ንቖልዑን ንፊደል ዘይቘጸሩን ትምህርቲ ይወሃብ ነይሩ'ዩ፣ ብመዓስከር ጽባሕ ዝፍለጥ ብ 1977 ኣብ ሃዋሸይት (ጋሽ-ባርካ) ዝተመስረተ ክሳብ 1981 ከኣ ኣገልግሎት ይህብ ነይሩ። ተሓኤ ንሱዳን ምስ ኣተወት ከኣ እቲ ትምህርቲ ኣብ ሱዳን እውን ቀጺሉ እዩ።

ቅድሚ ገድሊ ምጅማሩ ዝተኻየደ ወፍሪ ትምህርቲ

ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን መጠናዊ ወፍሪ ትምህርቲ ተኻዪዱ ነይሩ'ዩ። ገዛእቲ ዘገልግልዎም ተለኣኣኽቲ፡ ጸሓፍቲ፡ ተርጐምቲ፡ዓሰክር የድልይዎም ስለ ዝነበሩ ነቶም ኣፋፍኖት ዝነበሮም ዜጋታት ትሕት ዝበለ ትምህርቲ እናስነቑ የምህርዎም ነበሩ።

ብተወሳኺ ሚስዮናት ካቶሊክን ከኒሻን ፊደል ምሂሮም፤ መምህራን ሰበኻን መጽሓፍ ቅዱስን የፍርዩ ነበሩ። ሓደ ካብ'ቶም ኣቦታት ኤርትራ፡ መምህር ወልደኣብ ወልደማርያም'ዮም። ኣቦይ ወልድኣብ ኣብ ጕብዝንኦም ፊደል ቍጺሮም ኣብ መሃይምነት ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ መምህር ነበሩ። ብ 1935 መጽሓፍ ፊደል ብምድላው ከኣ ዓቢ ኣበርክቶ ገበሩ።

ኣርቶድክስያዊት ቤተ-ክርስትያን'ውን ብሸነኾም ንኣሽቱ-ንኣሽቱ ኣብያተ ትምህርቲ እናኸፈቱ፡ ብእንዳ ሃለቃ ዝፍለጡ፡ ፊደል ብምቑጻር ብርክት ዝበሉ ናይ ክህነት ሊቃውንቲ ኣፍርዮም እዮም።

ሓለቃ ትምህርቲ እናመሃሩ

ምንጪ ስእሊ, ዲ-ኤም

እቲ ብዙሕ ጊዜ ከይተጠቕሰ ዝሓልፍ ኣብ ናይ ምስልምና ኣመንቲ ዝነበረ ዓረባዊ መንቋሕቋሕታ'ዩ። ብቍጽሪ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና፡ ብቁርኣን ስለ ዝዓበዩ ፊደል ዓረብ ብምቑጻርን መሃይምነት ብምጥፋእን ጽቡቕ ሰጕሞም ነይሮም።

ትምህርቲ ቛንቋ ጣልያን እውን ኣብ ኤርትራ ሰጕሙ ነይሩ እዩ። መብዝሕትኦም ዓሰክር፡ ጸሓፍቲ፡ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት፡ ተርጐምቲ፡ ነጋዶ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢጣልያውያን ኩባንያታት ተቈጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ብቛንቋ ጣልያን ሰጒሞም ነይሮም'ዮም።

መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ'ውን ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም ንነዊሕ እዋን ዳርጋ ብቛንቋ ጣልያን'ዩ ዝሰርሕ ዝነበረ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ቢሮክራሲ ብጣልያን ተዓብሊሉ ስለ ዝነበረ፡ ዳርጋ ኵሎም ሰራሕተኛታት እንግሊዝ ናይ ጣልያን ዜጋታት ነበሩ።

መሕልፎ ሽወዳናውያን ሚስዮናውያን ቛንቋ ትግርኛ ኣጽኒዖም ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ተራ ገይሮም።

ከም ሓቁ፡ ህላወ እንግሊዝ ጊዝያዊ'ዩ ነይሩ። ን 10-11 ዓመታት'ዮም ኣብ ኤርትራ ገዚኦም። ይዅን'ምበር፡ እንግሊዝ ቀስ ኢሎም ቤት ትምህርትታት ብምስራሕ፡ ፊደልን ክንዮ-ፊደልን ዜቝጽሩ መምህራን ብምስልጣን ንሓፋሽ ትምህርቲ ኣቕሪቦም'ዮም።

መጽሓፍ ዓርኪ ተምሃራይ

ምንጪ ስእሊ, ዲ-ኤም

ምትእትታው ቛንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ኤርትራ

ብጊዜ ፈደረሽን (1952-62) ኣብ ኤርትራ እቶም ቀንዲ ናይ ትምህርቲ ቛንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብኛን ጣልያንን ነበሩ። ምስ ምልውዋጥ መንግስቲ ግን ኣምሓርኛ ቀስ እናበለ ክትኣታቶ ጀመረ። ፈደረሽም ምስ ፈረሰ'ሞ ኣምሓርኛ ብኣስገዳድ ቀዳማይ ስፍራ ሓዘ። ሽዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምድምሳስ ትግርኛ፡ ዓረብኛን ጣልያንን ተዋፈረ።

ኣብ ቤት ትምህርትታት ቛንቋ ኣምሓርኛ ብግቡእ ዘይተማህሩ መምህራን "ለማ በገበያ" ክምህሩ ተኣዘዙ፣ ገበርዎ ኸኣ። ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት ከኣ ካብ ብጣልያንኛ ብኣምሓርኛ ክሰርሑ ተገደዱ፣ ኣቦታት ዳግማይ መሃይምነት ኣብ ምጥፋእ ተጸምዱ። መባእታ ትምህርቲ ኸኣ ብቕጽበት ናብ ኣምሓርኛ ተለወጠ።

ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ እቶም ናይ ወተሃደራዊ መዓስከራት ጥራይ ነበሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰልጠኑ መምህራን እናተላእኩ ኸኣ ኵሉ ተምሃራይ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ኣምሓርኛ ክመሃር ተገደደ። ከምኡ እናበለ ኸኣ ቛንቋ ትግርኛ ተደቑሰ በንጻሩ ግን እቲ ኤርትራዊ ስምዒት እናዛየደ ኸደ።

ምትእትታው ትምህርቲ ኣምሓርኛ

ምንጪ ስእሊ, ዲ-ኤም

"እድገት በህብረት"

ንጉስ ሃይለስላሴ ብደርጊ ኣብ ዝተተክእሉ እዋን ኣብ ኤርትራ ኣምሓርኛ ኣብ ፈቐድኡ ዳርጋ ይዝረብ ነበረ፣ ምናዳ ኣብ ኣብያተ ትምህርትታት።

ደርጊ ኸኣ ብግዴኡ ዓቢ ናይ ምዕባሌን ማሃይምነት ምጥፋእን ወፈረ ብ "ዘመቻ" ዝፍለጥ ኣበገሰ። ዋላ'ኳ ዘመቻ ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ክንድቲ ዕዉት ኣይንበር፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኻዪዱ'ዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ብኣብያ ትምህርትን ንመንግስቲ ዘይምእዛዝን ናዕብታት ብቐጻሊ ይካየዱ ነበሩ። መንእሰያት ከኣ ብብዝሒ ናብ ሜዳ ክውሕዙ ጀመሩ።

ዝኾነ ዀይኑ፡ ደርጊ ናይ ማሃይምነት ምጥፋእ ኣብ ኤርትራ፡ ብሕልፊ ኣብ ከተማታት፡ የካይድ ነይሩ'ዩ። ኣዴታት ብግዲ፡ ብቐበሌ ተገዲደን ፊደል ክቘጽራ ጀመራ። ብዙሓት ከኣ ጽቡቕ ሰጐማ። ጋዜጣ 'ህብረት' ከንብባ ዝጀመራ'ውን ነይረን። ኣብ ግዳም ናብ ዝነበሩ ደቀን ደብዳቤ ክጽሕፋን ዝመጽአን ሰታሪት ከንብባን ዝበቕዓ'ውን ነይረን።

ትምህርቲ መሰረት ኩሉ ምዕባለን ዕቤትን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዮም ጠቕምን ኣገዳስነትን ዝተረድኡ ቀዳሞት ኣበዋት "ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን" ክብሉ ዝመሰሉ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን።

ኣብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንኣብነት፡ "የተማረ ይግደለኝ" ዝብል ብሂል ኣሎ። "ዝተማህረ ይቕተለኒ" ማለት እዩ ብተራ ትርጉም። ግን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። ምናልባት ናብዚ ምሳለ ዘብጸሐ ምኽንያት "ዝተማህረ ሰብ ክልተ ሳዕ ስለዘገናዝብ ጎዲኡ ኣይጎድኣካን እዩ" ንምባል ከምዝተመሰለት እውን ይዝረብ እዩ።

እቲ ኾይኑ እቲ ትምህርቲ መተካእታ ስለዘይብሉ ዋላ እውን ኣብ እዋን ኮቪድ ሰባት ንምስትምሃር ዝከኣል ጻዕሪ ክግበር ከምዝግባእ ዩኔስኮ የዘኻኽር።