ኮሮናቫይረስ ኣብ ከባቢ ከተማ ዓሰብ ኣትዩ

Published
ኤርትራ ፡ ሎሚ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከባቢ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ብዝተገብረ መርመራ፡ ሓደ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ከምዝተረኸበ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።
እዚ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ካብ ጁቡቲ ዝተመልሰ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኤርትራ ንዝርጋሐ ኮቪድ-19 ንምቊጽጻር ናይ ምንቅስቓስ እገዳ እኳ እንተኣንበረት፡ ሰባት ብፍኑው መገዲ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡትን የመንን ንኤርትራ ብቀጻሊ ይምለሱ ከምዘለው ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ከተማ ኦምሓጀር፡ ጎልጅ፡ ግርማይካ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲባራ ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ብርክት ዝበሉ ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ምጽንሖም ተሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት 143 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉን፡ እቶም 39 ኣቐዲሞም ሓውዮም ንገዝኦም ከምዝተፋነውን ይፍለጥ።
እቶም ዝተረፉ 104 ድማ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ ብምኒስትሪ ጥዕና ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
