ፕሬሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ድሕሪ 100 መዓልታት ጽባሕ ክጅምር'ዩ

ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ጽባሕ ረቡዕ 17 ሰነ፡ ንኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ብፍላይ ድማ ንደገፍቲ ጋንታታት ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ኣገዳሲት መዓልቲ ክትከውን'ያ።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕን ውሳነን፡ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መጋቢት ዝተቛረጸ ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ ድሕሪ 100 መዓልታት ጽባሕ ክጅምር'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ትጽቢት ዝተፈራረቐ'ዩ ኮይኑ ዘሎ። እቶም ተሪፎም ዘለዉ ግጥማት ብዘይ ደገፍቲ ክካየዱ ምዃኖም፡ ንመቐረትን ትርጉምን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩዎ ኣሎ።

ኩዕሶ እግሪ፡ ብዘይ ደገፍቲ፡ ኣብ በረውረው ዝብል ዓበይቲ ሜዳታት እንታይኮን ክመስል'ዩ? ኮኾብ ተጻወቲ'ኸ ኣብ መልኣኹ ዝሃደመ ሜዳ እንታይ ስምዒት ክህልዎም'ዩ?

ሸቶታት ምስ ኣመዝገቡ ይጽምዎም'ዶ ይኸውን፡ ተዳልዮምሉዶ ይህልዉ? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮ ደገፍትን ኣካይድትን ይመላለሱ'ለዉ። እንታይ ከምዝመስል ግን ጽባሕ ክረአ'ዩ።

ደገፍቲ ናብ ሜዳ ዝምለስሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝርርባት ይካየዱ ከም ዘለዉ ዋና ኣካያዲ ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ሪቻርድ ማስተርስ ገሊጹ'ሎ።

ንሱ፡ መዓስ ክኸውን ከምዝኽእል'ኳ ብንጹር እንተ ዘይሓበረ፡ ምስ ሰብመዚ መንግስቲ ልዝብ ይግበር ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

"ፕሪሜርሊግ ተመሊሱ'ሎ። ንደገፍቲ ናብ ሜዳታት ክሳብ ንመልሶም ግን ምሉእ ብምሉእ ተመሊሱ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

"ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን፡ ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ደገፍቲ ናብ ሜዳ ክኣትዉ ክንርኢ ባህጊ ኣለና" ኢሉ።

ኣብቲ ናይ ጽባሕ ውድድር ሰዓት 6፡00 (ብኣቆጻጽራ ዓዲ-እንግሊዝ) ድሕሪ ቐትሪ ኣስቶን ቪላን ሸፊልድ ዩናይትድን ክጋጠማ'የን። ድሕሪአን፡ ሰዓት 8፡15 ድማ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዓቢ ግጥም ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ክካየድ'ዩ።

ብድሕሪኡ ድማ፡ 90 ግጥማት ክህልዉ'ዮም።

እታ ብ25 ነጥቢ ነቲ ሊግ ትመርሖ ዘላ ሊቭርፑል፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ዋንጫ ክትዓትር፡ ክልተ ዕዉታት ግጥማት ጥራይ'ዩ ከድልያ። መን ካብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኮነ፡ መን ተረፈ ግን ገና ሕልኽ ዝፈጥር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

"ዓቢ ኣጋጣሚ'ዩ፡ ምኽንያቱ ተራእዩ ዘይፈልጥ'ዩ። ግና፡ ደገፍቲ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ስለዘይህልዉ ፍልይ ዝበለ ስምዒት ክፈጥር'ዩ" ይብል ማስተርስ።

ደገፍቲ ኣብ ኣፍደገ ሜዳታት ከይእከቡ ድማ ተማሕጺኑ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ጸኒዖም ዘለዉ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ካብ ሽዱሽተ ሰባት ንላዕሊ ከይእከቡን፡ ክልተ ሜትሮ ክረሓሓቑን ዝብሉ'ዮም።

ተጻወቲ ድማ፡ ነዚ ብሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተወለዐ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ንምድጋፍ ተምበርኪኾም ደገፎም ክገልጹ ከም ዝኽእሉ ደገፉ ገሊጹ'ሎ።

ኮሮና