ደቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እንታዎት እዮም እቶም 'ናይ ምፍቃር ናጽነትና ይተሓሎ' ዝበሉ?

ካብ ንቡር ጾታዊ ዝምባለ ፍልይ ስለዝብል፡ እቶም ንተመሳሳሊ ጾታ ዘፍቅሩን ዝፈትዉን ሰባት ድሌታቶም ብዙሕ ግዜ ተሰቲሩን ተሰዊሩን'ዩ ክኸይድ ጸኒሑ።
ኣብ ዝበዝሕ ሕብረተሰብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተቐባልነት ስለዘይረኽቡ፡ አረ ኣብ ገሊኡ ሃገራትስ ክሳብ ሞት ዘፍርድ መቕጻዕቲ እውን ስለዘለዎ፡ መንነቶም ሓቢኦም እዮም ዝነብሩ። እዞም ሕጂ፡ ስእሎም ዘርጊሖም ብቓልዕ ንሕና፡ እዚ እዩ ጾታዊ መንነትና ዝብሉ ዘለው ደኣ እንታዎት እዮም?
ትማሊ ቐዳም ካብ ሶማል፡ ኤርትራን ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ጾታዊ ዝንባለ ዘኽብሩ ገለ ሰባት፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብመርበብ ኢንተርነት ተራኺቦም መንነትና ንዝብልዎ ዕለት ኣኽቢሮም።
እንታዎት እዮም ምስ ዝበሃሉ ከኣ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ፍቑራት እዮም ተባሂሎም ክግለጹ ይኽእሉ። ንግዝይኡ ብቛንቋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብልክዕ ዝገልጸና ቃል እኳ እንተዘየለ ብሶማልኛ ግን ግዚኡ 'ዱማ' ዝብል ቃል ይገልጸና እዩ ይብሉ።
እቶም ኣኽበርቲ በዓል፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብመንነቱ ክገልጽን ክስመን፡ መንነቱ ተሓቲቲ ከረድእን ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። ንዓና እውን ዘይንጽረፈሉ ንመንነትና ዝገልጽ ስም ክንረክብ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ተዛትዮም።
ኣብቲ ርክብ ዝተፈላለየ መደባትን ብክልቲ ኣባ ጓይላ- ዲጂታል (ዲጀይ) ዝምራሕ ናይ ሙዚቃን ምዝንጋዕን መደብ ነይሩዎም።
ኣብቲ ዛዕባ፡ መንነትካ ሓቢእካ ምንባር ዘኸትሎ ናይ ጥዕና ጸገማት፡ ፍቐሪ ቤተሰብን ሕብረተሰብካን ምስኣን፡ ጉዳይ ሕጋዊ መርዓን ዘኸትሎ ቁጠባዊ ጸገማትን እውን ተላዒሉ ነይሩ።
ኣብቲ ዝርርብ ከም ወይዘሮ ገነት መሓሪ ምስ መጻምድታ ካብ ኤርትራ፡ አቶ ተፈራ ላንዲስ ምስ መጻምድቶም ካብ ኢትዮጵያ ከም ኣጋይሽ ቀሪቦም ብዛዕባ ሕጋዊ መርዓን ሓቢርካ ብፍቕሪ ምንባርን ብዝምልከት ነናይ ገዛእ ርእሶም ተመኩሮ ኣካፊሎም።
ኣብ ቦስቶን ኣመሪካ እትነብር ወይዘሮ ገነት ምስ መጻምድታ ብሕጊ እየን ተመርዕየን። ኣብቲ ሕጋዊ መርዓኣ አሕዋታ ደቀንስትዮ ተሳቲፈን ምንባረን እትሕብር ገነት፡ ድሕሪ ግዜ ከኣ ወላዲታ እውን ከተዘራርባ ከምዝጀመረት ትዛረብ።
ንዝኾነ ፍቐሪ ምኽባርን ምቕባልን ኣገዳሲ እዩ ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ብዛዕባ መርዓ ብዙሕ ግዲ እኳ እንተዘይነበራ ዳሕራይ ኣብቲ ጽምብል መርዓ ዝተሰምዓ ሓጎስ ግን መዳርግቲ ከምዘይነበሮ ገሊጻ። ምስ መጻምድታ ካብ ዝፋለጣ 15 ዓመት ከምዝገበራን ሕጉሳት ምዃነን ኣረዲኣ።
መጻመድተይ፡ "በዓል ገዛይ -ዓርከይ- ኣፍቃሪየይ ዓለመይ እዩ" ዝበለ ኣቶ ተፈራ እውን ካብ ዝምርዓዉ ሸሞንተ ዓመት ከምዝገበሩን "ልዕሊ ኩሉ ፍቕሪ እዩ። ግን ከኣ ርክብና ሕጋዊ ንምግባር ብሕጊ ተመርዒና ኢና ክብል ተዛሪቡ።
ኣዳለውቲ ኮነ ኣጋይሽ ኣብ ኩሉ ዛዕባታት ሃሃገራቶም ብምጥቃስ ይዛረቡን ንባህሎም ዘንጸባርቕ ክዳን ተኸዲኖምን እዮም ውዒሎም። ሓያሎ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንጸለምቲ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበት ከቢድ ዓሌታዊ ኣድልዎ የጋጥሞም ኣሎ። ይኹን እምበር ይብሉ ነቲ በዓል ዘኽበሩ ፕራይደርስ፡ ካብ ገዛእ ህዝብኻን ዓሌትካን ጽልኢ ከጋጥመካ እንከሎ እዩ ዘይፍወስ ሕማምን ዝኸበደን ዝኸውን ኢሎም።
እቲ በዓል ቤተ-ጉራማይሌ ብዝተሰምየ ኢትዮጵያውያን ማሕበር እኳ እንተተሰናደአ፡ ተመሳሳሊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ተስፋ ንምሃብ ሓደ ሓደ ተወለድቲ ኤርትራን ሶማልን እውን ተኻፊሎም ነይሮም።
ኣብቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ብኢንተርነት ዝተኻየደ በዓል ኣስታት 60 ዝኾኑ ኣብ ተመሳሳሊ ጾታ ዝኣምኑ ሰባት ተሳቲፎም ኣስታት 7700 ዝኾኑ ሰባት ከኣ ነቲ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ መደብ ተኸታቲሎምዎ። 17.9% ከኣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኸታተሉዎ ተፈሊጡ።
"ለበዳ ኮሮና እንተዘይህሉ ተኣኻኺብና መሕለፍናዮ" ዝበሉ ኣዳለውቲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ካብ ዝፈትውናን ዝቕበሉናን ንላዕሊ ዝጸልኡናን ዘሳድዱናን ዝበዝሕሉ እዋን ስለዝኾነ ብሓገዝ ኢንተርነት ብርሕቀት እንተብዓልናዮ እውን ኣይጽላእን እዩ ኢሎም።
እዚ ሕጂ ብዓለም ደረጃ ዝተኸብረ ፕራይድ ዝተሰምየ በዓል ተመሳሳሊ ጾታ ኣብ 1969 እዩ ተጀሚሩ።
እቲ ፍጻሜ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ።
ኣብ ብ24 ሰነ 1969 ኣብ ኒው ዮርክ ስቶንዎል ኣብ እትበሃል ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ዝተኣኻኸቡላ፡ ግሪንዊች እትበሃል ዓዲ እትርከብ ባር ፖሊስ ወሪሮሙዋ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኣመሪካ ብዘይካ ኣብ ግዝኣት ኤሎኖይ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ፍቕራዊ ዝምድና ምግባር ክልኩል እዩ ነይሩ።
ኣብ ዝኾነ ባራትን ኣብያተ መግብን ኣብ ፍቕሪ ተመሳሳሊ ጾታ ክሰርሑ ኮነ ከም ኣሳሰይቲ ክዓዩ ፍቑድ ኣይነበረን። እተን ነዞም ኮምዩኒቲ ዘገልግላ ባራትን ኣብያተ መግብን ከኣ ምስ ገለ ኣባላት ፖሊስ ብሕቡእ ተሻሪኸን ጉቦ እናኸፈላ እየን ዝሰርሓ ነይረን።
ፖሊስ ነታ ባር ምስ ወረሩዋ ከኣ እቶም ኣብ ፍቕረ-ተመሳሳሊ ጾታ ዝኣምኑ ሰባት ምስ ፖሊስ ተባኢሶም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ከኣ መሰልና ይተሓለወልና ዝብል ሰውራዊ ተቓውሞ ተጀሚሩ። ሽዑ ምስተባረዐ ከኣ በብቑሩብ ዓለማዊ መልክዕ ሒዙ ኣብዚ ደረጃ'ዚ በጺሑ። ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 30 ሃገራት መሰል ፍቕሪ ተመሳሳሊ ጾታ ብሕጊ ኣጽዲቐን የኽብረኦ ኣለዋ።
ይኹን እምበር አህዛብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ ንእምነትን ባህልናን ዝጻረር እዩ ብምባል ብፍቕረ ተመሳሳሊ ጾታ ንዝጠርጠሩዎም ከርሕቑዎምን ኣብ ተግባረ ፍቕሪ እንተተረኺቦም ከኣ ክሳብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከምዘኸትሉሎም ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
