ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ካብን ናብን ተላዒሉ

Published
ብመሰረት ውሳነ ሓይሊ ዕማም ትግራይ: ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መላእ ትግራይ ምንቅሰቓሰ ተፈቒዱ'ሎ::
ክሳብ ሎሚ ተዓፅዩ ዝፀነሐ እንዳ መሰተ ብልዑል ጥንቃቐ ክሳብ ምሸት ሰዓት 2፡00 ጥራሕ፡ ኣገልግሎት ምሃብ እውን ተፈቒዱ ኣሎ፡፡
ማእኸላት መሰልጠኒ ፍቓድ መዘወሪ መካይን፡ክሳብ 10 ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ብምምሃር ኣገልግሎት ክህባ ይኽላ።ጉዳይ ሃይማኖት ከከም ውሳነ እተን ኣብያተ-እምነት ክልሕልሕ ዝግበኦ ከላሕልሓ እውን ውሳነ ሓሊፉ ኣሎ፡፡
ይኹን'ምበር ኣብቲ ክልል ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ እዩ ዝመፅእ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ዛጊድ 66 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም እዮም።
ኣብቲ ክልል ብኮሮናቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም ክልተ ኣብ ማእኸል መወሸቢ ዝሰርሑ ሰብሞያ ጥዕና እዮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ፡ ሕብረተሰብ ልሙድ ዝኾነ ህይወቱ ይቕፅል ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ።
ኣብታ ሃገር ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 1934 በፂሑ ኣሎ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
