ግጥማት ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ዝመጽእ 17 ሰነ ክጅምር'ዩ

እቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ግጥማት ኣብ ዝመጽእ 17 ሰነ ክጅምር ምዃኑ ቢቢሲ ክርዳእ ኪኢሉ'ሎ።
እቲ ውድድር፡ በቲ ኣብ መንጎ ኣስቶን ቪላን ሸፊልድ ዩናይትድ፡ ከምኡ'ውን ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ዝካየድ ግጥማት ክጅምር።
ካብ 19 ክሳብ 21 ኣብ ዘሎ መዓልታት ድማ እቲ ዝተረፈ ምሉእ መደብ ጸወታታት ክቕጽል ወጥን ወጺኡ'ሎ።
ክለባት ፕሪሜርሊግ ሎሚ ሓሙስ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ይዘራረባ ከም ዘለዋን፡ ብመትከል ደረጃ ነቲ ውጥን ተቐቢለንኦ ከም ዘለዋን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ጋንታት ፕሪሜርሊግ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ-ውድድር ንምውዳእ 92 ግጥማት ተሪፍወን ኣሎ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ሊግ ብ13 መጋቢት ምቁራጹ ይዝከር። ድሕሪ 100 መዓልታት ድማ ዳግማይ ክጅምር'ዩ።
ቅድሚ ምቁራጹ ናይ መወዳእታ ዝነበረ ግጥም ኣብ መንጎ ለስተር ሲቲን ኣስቶን ቪላን ብ9 መጋቢት ዝተኻየደ ጸወታ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ግጥም ሲቲ ንቪላ 4 - 0 ምስዓራ ይዝከር።
እዚ ናይ ሎሚ ስምምዕ፡ እተን ክለባት ትማሊ ረቡዕ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዘጠቓልል ልምምዳት ክካየድ ድሕሪ ምውሳነን'ዩ ዝብጻሕ ዘሎ።
ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ሊግ፡ 2752 መርመራታት ከም ዝተገበረን 12 ሰባት ተለኺፎም ከም ዝጸንሑን ይፍለጥ።
ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ ተጻወቲን ኣባላትን ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ መርመራ ክገብሩን፡ ምልክታት ዘርኣዩ ገዛእ ርእሶም ክውሸቡን ዝብል'ዩ።
እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ሳልሳይ ገጽ ምምላስ ናብ ንቡር ውድድራት፡ ንቡር ልምምድን ምድላዋትን ዘጠቓለለ ክኸውን'ዩ።
እታ ድሕሪ 30 ዓመት ዋንጫ ክትዓትር ትወናወን ዘላ ሊቨርፑል ነቲ ሊግ ብ25 ነጥቢ ትመርሖ ኣላ። ኣብ ታሕቲ ድማ፡ ቦርንማዝ፡ ኣስቶን ቪላን ኖርዊች ሲቲን ናብ ታሕተዋይ ዲቪዢን ክወርዳ ተቓሪበን ዘለዋ'የን።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
