ኮሮናቫይረስ፡ እገዳታት ከፈጽም ዘይከኣለ ኣመሓዳሪ ካርቱም ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

Published

ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላህ ሓምዶክ ንዋና ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱ ካብ መዝነቱ ኣውሪዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ኣመሓዳሪ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ዝኸኣለ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተወሰነ ክልከላ ሃይማኖታዊ ምትእክኻብ 'ኣየፈጽምን' ኢሉ ብዝብል'ዩ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን መስጊዳትን ምትእኽኻብ ዝኽልክል መምርሒ 'ኣየፈጽምን' ከምዝበለ ይግለጽ።

ብተዛማዲ ዜና ትማሊ ሓሙስ ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሺር ብምድጋፍ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጽኡ ሰባት ፖሊስ መንብዒ ጋዝ (ትኪ) ተኲሱ።

እቶም ሰልፈኛታት፡ እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ስግግር መንግስቲ ኣብ ዝወስዶም ኣዝዮም ተረርቲ ዝኾኑ ስጉምትታት'ውን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።