ሰብ ሞያ ሕክምና ንምድሓን ዝጓየዩ ዘለው ቱኒዝያውያን

ሰብ ሞያ ሕክምና ንምድሓን ዝጓየዩ ዘለው ቱኒዚያውያን

ምንጪ ስእሊ, CONSOMED/AFP

Published

150 ቱኒዚያውያን ነብሶም ኣብ ውሽጢ ፋብሪካ ዓጽዮም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይሰርሑ ኣለው።

እዞም ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ንነብሶም ኣብቲ ፋብሪካ ብምዕጻው ኣብ መዓልቲ 50 ሽሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን ካልኦት ንሰብ ሞያ ሕከምና ዘገልግሉ ናውታት የፍርዩ ኣለው።

እቶም ሰራሕተኛታት ንሓካይም ዝኾኑ ናውታት ምፍራይ ካብ ዝጅምሩ ድማ ሓደ ሰሙን ኣቑጺሮም ኣለው።

ኣብቲ ፋበሪካ ዝሰርሓ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ ኣብቲ ፋብሪካ ንሓደ ወርሒ ክጸንሓ እየን።

እዞም ሰራሕተኛታት ፋብሪካ፡ ሃገሮም ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ብምርኣይ ነዚ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ሃምዛ ኣሎኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሰራሕተኛ እቲ ፋብሪካ ዝኾነት ካዋላ ሬቢ፡ "ንስድራ ቤተይ ኣጸቢቐ እናፍቖም፡ ካብ መሳርሕተይ ዝረኽቦ ዘለኹ ሰሓቕን ጸወታን ግን ይክሕሶ እዩ" ኢላ።

"በዓል ገዛይን ጓል 16 ዓመት ጓለይን ነዚ ክገብር ጎስጒሶምኒ'ዮም" ዝበለት ሬቢ ተቖጻጻሪት ክፍሊ ምህርቲ እያ።

ቱኒዝያ፡ ክሳብ ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 227 ሰባት ከምዘለውን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ሽዱሽተ ሰባት በዚ ቫይረስ ሞይቶም።