ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ኣራፕ ሞይ ንምስታፍ ዝገይሽ ዝነበረ ኬንያዊ ሚኒስተር ሓደጋ ኣጓኒፍዎ

ስነስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኣራፕ ሞይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስነስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኣራፕ ሞይ
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኣራፕ ሞይ ንምስታፍ ዝገይሽ ዝነበረ ኬንያዊ ሚኒስተር ሓደጋ ኣጓኒፍዎ።

ኣብ ኣፍልቡ ማህሰይቲ ከም ዝበጽሖ ዝተገለጸ ሚኒስተር ራፋኤል ቱጁ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ክውሰድ ከሎ፤ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ናይሮቢ ክግዕዝ እዩ።

እቲ ሚኒስተር ናብ ምዕራባዊ ኬንያ ናብ እትርከብ ከተማ ናኩሩ ኣብ ዝወስድ ጽርጊያ እዩ እታ ዝጓዓዘላ ዝነበረ መኪና ምስ 'ሚኒባስ' ታክሲ ዝተጋጨወት።

ሓደ ኬንያዊ ጋዜጠኛ ካብ ቦታ እቲ ሓደጋ ዝረኸቦ ስእሊ ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ ኣሎ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብቲ ሎሚ ዝፍጸም ስነስርዓት ቀብሪ ሞይ ንምስታፍ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይውሕዙ ኣለው።

ነቲ ስነስርዓት፡ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክመርሖ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ካብ ናይሮቢ ናብ ናኩሩ ዝወስድ ቀንዲ ጽርጊያ፡ ነቶም ኣብቲ ቀብሪ ንምስታፍ ዝገሹ ተሽከርከርቲ ተሓዚኡ ኣሎ።

ዳንኤል ኣራፕ ሞይ፡ ንኬንያ ን 24 ዓመታት ዝመርሐ ካልኣይ ፕረዚደነት እታ ሃገር እዩ።