እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ዓለም 2020፡ "ነቲ ምድብ ዝምጥን ምድላው ክንገብር ኣለና" ኣሰልጣኒ ኣብርሃም
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንመጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ኣብ 7ይ ምድብ ምስ ጋና፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ተደልዲላ'ላ። እዚ ምድብ ንኢትዮጵያ ፈታኒ'ዶ ይኸውን?
እቲ ምድብ ድልድል ኣብ ከተማ ካይሮ'ዩ ተኻይዱ። ከካብ ምድቡ ዝሓለፋ ሃገራውያን ጋንታታት መሊሰን ብዕጫ ተደልዲለን ክጻወታ እየን። ኣብ ናይ በጺሕኻ መልሲ ጸዋታ ዝተዓወታ 5 ሃገራውያን ጋንታታት ከኣ ኣብቲ ቀጠር (ኳታር) እተአንግዶ ዋንጫ ዓለም ንኣፍሪቃ ወኪለን ይሳተፋ።
ዋልያ ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ስታድየም ባህርዳር ምስ ሌሴቶ ዝገበሮ ግጥም ብዘይገለ ሸቶ ዛዚማ'ያ።
ሌሴቶ ኣብ ዝተኻየደ ጸዋታ ግን ሓደ ማዕረ ስለዝተፈላለየት፡ ካብ ሜዳ ወጻኢ ሸቶ ብዘቑጸረ ብዝብል ናብ ቀጻሊ ዙር ብምሕላፍ ናብ ምድብ ድልድል ክትኣትው ክኢላ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዯጵያ ኢንስትራክተር ኣብርሃም ተክለሃይማኖት "ምስተን ዝለዓለ ተሞክሮ ዘለወን ሃገራውያን ጋንታታት እንተዘይበጽሓና" ዝብል ውሽጣዊ ትጽቢት ከምዝነበሮ ኣይሓብእን።
"ብፍላይ እተን ቅድም ክብል ንዋንጫ ዓለም ኣብ ምሕላፍ ተደጋጋሚ ታሪኽ ዘለወን ሃገራት እንተዘይበጽሓኒ ኢልካ ክትሓስብ ግድን'ዩ። እቲ ድልድል ብዕጫ ዝወጽእ ስለዝኾነ ግን ብጸጋ ክትቕበሎ ግድን'ዩ" ይብል።
ብተደጋጋሚ ኣብ ዋንጫ ዓለም ምስ ዝተሳተፈት ጋናን ብኣሰናዳእነት ዋንጫ ዓለም ተሞክሮ ምስ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ሓደ ምድብ ምህላው ቁሩብ ፈታኒ ከምዝኸውን ይዛረብ።
"ናብ ውድድር ክሳብ ዝኣተና ግን ዝሓሸ ውጽኢት ንምምዝጋብን ካብ ምድብና ብቐዳምነት ንምውዳእን ነቲ ምድብ ዝምጥን ምድላው ክንገበር ከምዝግበኣና እሓስብ" ኢሉ።
እቲ ምድብ ድልድል ወግዓዊ ምስኮነ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ማእኸናት ዜና እታ ጋንታ ዕድለኛ ከምዘይኮነት ክጽብጽባ ከምዝሰምዐ ኢንስትራክተር ኣብርሃም ይገልጽ።
"ኣነ ግን ከምኡ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን። ንዝኾነት ትኹን ጋንታ ክንሰግእ የብልናን፤ እንተሰጊእና ግን እንተዘይኣተናዮ ይምረጽ። ስለዚ ብምሉእ ምትእምማን ነቲ ውድድር ክንጅምሮ ኣለና" ክብል ኣረዲኡ።
እቲ ኣሰልጣኒ ኣስዕብ ኣቢሉ "ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኮትዲቫር ክንስዕር ምኽኣልና፡ ንኸምዚአን ዝበላ ከበድቲ ሃገራውያን ጋንታታት ክንጻወር ከምእንኽእል ዘርእይ እዩ። ነዚ ከም ዓብዪ ሞራል ሰኒቕና ድማ ብመንፈስ ይከኣል'ዩ ናብቲ ውድድር ክንኣትው ይግባእ" ኢሉ።
"ነዘን ሃገራውያን ጋንታታት ብምስዓር ናብቲ ዝቕጽል ዙር ንምሕላፍ ካብቲ ምስ ኮትዲቫር ኣብ ዝነበረና ጸዋታ ዝገበርናዮ ብዝሓሸ ክንዳለው ኣለና። ነዚ ድማ መንግስትን ካልኦት ኣካላትን ዝከኣሎም ተሳትፎ ክገብሩ ኣለዎም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣዳነ ግርማ ን10 ዓመታት ዝኣክል ንሃገራዊት ጋንታ ተሰሊፉ ተጻዊቱ'ዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያን ትሳተፍ ንዘላ ወልቂጤ ከነማ ብተጻዋታይነትን ኣሰልጣንነትን እናገልገለ ይርከብ።
ንሱ ኣብቲ ናይ ሕዚ ድልድል ርእይትኡ ክህብ ከሎ "እቲ ምድብ ብጽሑፍ ኣብ ወረቐት ክትርእዮ ከለኻ ከቢድ'ዩ ዝመስል። እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ዝተመዝገበ ዘይተጸበናዮ ዓወት፡ ንጥንካረ ሃገራዊት ጋንታና ዘረጋግጽ'ዩ። ስለዚ ካብቲ ምድብ ምሕላፍ ይከኣል'ዩ" ይብል።
"ሃገራዊት ጋንታ ኢትዯጵያ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ እትገብሮም ግጥማት ወሰንቲ እዮም። ስለዝኾነ ብጥንቃቐን ሸቶታት ብዘይምእንጋድን ክትውድኦም ኣለዋ" ክብል ይዛረብ ኣዳነ።
ቅድሚ ሕዚ ገና ቅድሚ ጸዋታ ብስነልቦና ተሳዒርካ ናብ ሜዳ ምእታው ቀንዲ ድኽመት እታ ሃገራዊት ጋንታ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ተጻወትቲ ናብ ሜዳ መጋጥምቶም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እውን ብዝተኽኣለ መጠን ነጥቢ ተማቒልካ ንምውጻ ብሓድነት ክሰርሑ ከምዘለዎም ምዒዱ።
እዋናዊ ብቕዓት ዋልያ
ኣብቲ ምድብ ምስ ዘለዋ መጋጥምቲ ብምጽጻር ሕዚ ዘሎ ብቕዓት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ እንታይ ከምዝመስል ንኣሰልጣኒ ኣብርሃም መብራህቱ ሕቶ ኣቕሪብናሉ።
"ሕዚ ዘለናሉ ብቕዓት መዕቀኒ ክኾነና ዝኽእል ፊፋ በብወርሑ ዘውጽኦ ደረጃ እዩ። በዚ መሰረት ብፍላይ ምስተን ክልተ ሃገራት [ጋናን ደቡብ ኣፍሪቃን] ዘለና ኣፈላላይ ሰፊሕ እዩ። ብኻልእ መልክዑ ነቲ ምስ ኮትዲቫር ዝገበርናዮ ጸዋታ ምስቲ ንሳተን ዘካየድኦም ናይ መወዳእታ ጸዋታታት ክነነጻጽሮ ከለና ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ከምዘለና ይስምዓኒ" ክብል ኣረዲኡ።
ተጻዋትን ኣሰልጣንን ኣዳነ ግርማ "ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኣሰልጣኒ [ኣብርሃም] ጽቡቕ ሰሪሑ እዩ፤ እንተኾነ ተጻወትቲ ቀልጢፉ ክቐያይር'የ ዝዕዘብ። ነዚ ከመሓይሾ እንተኽኢሉ፡ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ብዘበለጸ ክዋሃዱን ክላለዩን ክሕግዞ እዩ" ይብል።
ኣሰልጣኒ ኣብርሃም ብወገኑ ነቲ ዝቀርበ ርእይቶ ቅቡል ብምግባር "ግጥማት ሊግ ሃገርና ዘላቒ ዝኾነ ብቕዓት ዝረኣየሉ ብዘይምዃኑ ብቅዓት ተጻወትቲ'ውን ክወርድ ይኽእል እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ዘይርከብ ተጻዋቲ ናብታ ጋንታ ክጽውዖ ኣይክእልን። ንኮትዲቫር ዝሰዓረት ጋንታ ግን ብዝተኽኣለ መጠን ክዕቅባ ክፍትን እየ" ኢሉ።