እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክዕምጻ ንዝፈተነ ዘዋሪ ባጃጅ ዝቐተለት ሶማላዊት ንእስቲ ናጻ ተባሂላ
ኣብ ግብጺ ክዕምጻ ንዝፈተነ ዘዋሪ ባጃጅ (ሰለስተ እግሪ ዘለዋ ተሸከርካሪት)፡ ዝቐተለት ሶማላዊት ንእስቲ ካብ ማእሰርቲ ብነጻ ተለቒቓ፡፡
እታ ጓል 15 ዓመት ንእስቲ፡ ነቲ ዘዋሪ ከምዝቐተለቶ ብምግላጽ ኢዳ ንፖሊስ ምስሃበት ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ማእሰርቲ ከምዝተፈተሐት መራኸብቲ ብዙሃን እታ ሃገር ገሊጸን፡፡
ፖሊስን ናይ ሕክምና መርመርትን፡ እታ ንእስቲ ንባዕላ ኣብ ምክልኻል ነቲ ሰብኣይ ከምዝቐተለቶ ዝመላኽት መረዳእታ ምርካቦም እውን ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ግብጺ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡
እታ ንእስቲ ብዓርቢ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈተሐት ኮይና ምርመራ ግን ክቕጽል እዩ፡፡
ኣህራም ኦንላይን ከምዝጸብጸቦ፡ እቲ ዘዋሪ ባጃጅ ነታ ንእስቲ ናብ ርሑቕ ቦታ ወሲዱ ክዕምጻ ከምዝፈተነ ንፖሊስ ገሊጻ እያ፡፡
ንነብሳ ንምድሓን ኣብ ዝተቓለሰትሉ ድማ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ ካራ ኣብ ኣእዳዋ ጉድኣት ኣብጺሑላ፡፡
ድሕሪኡ ነቲ ዝሓዞ ካራ ኣሕዲጋ ወጊኣቶ ሃዲማ፡፡
ሬሳ ናይቲ ሽሙ ዘይተገለጸ ውልቀ ሰብ ብ 17 ግንቦት ኣብ ከተማ ጊዛ እዩ ተረኺቡ፡፡
እቲ ዜና ብፍላይ ኣብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግብጺ: ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝቐነየ ኮይኑ፡ ፍሉጣት ጠበቓታትን ጉጅለታትን ነታ መንእሰይ ሓገዝ ክገብሩላ ጎስጓስ ክገብሩ ቀንዮም፡፡
ኣብ ግብጺ ጾታዊ ትንኮያን መጥቃዕትን ልሙዳት ምዃኖም መጽናዕቲታት ዘመላኽቱ ኮይኖም፡ ኣብ 2013 ብሕቡራት ሃገራት ተሓጊዙ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 99.3 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ኣብ ህይወተን ዝኾነ ዓይነት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዘጋጥመን ምግላጸን ሓቢሩ፡፡
ሰበስልጣን እታ ሃገር ግን ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፍጽሙ ሰብኡት እኹል ምርመራ ብዘይምክያድን ግቡእ መቕጻዕቲ ብዘይ ምሃብን ይኽሰሱ፡፡