ኣመሪካ ቅድሚ ንዩክረይን ምሕጋዛ፡ ድሕነት ኣብያተ ትምህርቲ ክተውሕስ ኣለዋ - ትራምፕ

Published

ኣመሪካ ንዩክረይን ካብ ምሕጋዝ: ኣብያተ ትምህርቲ ውሑስ ንምግባር ቀዳምነት ክትህብ ከምዝግባእ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ፡፡

ትራምፕ ኣብቲ ብማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ቢልዮናት ምልኣኽ እንተዳኣ ክኢላ ‘‘ደቅና ኣብ ዓዶም ድሕነቶም ውሑስ ክኸውን ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ክንወስድ ክንክእል ኣለና’’ ኢሉ፡፡

ሓደ ኣፍላ መንእሰይ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 19 ህጻናት ዝርከቡዎም 21 ሰባት ድሕሪ ምማቶም፡ ዝዓበየ ማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ኣመሪካ ‘ናሽናል ራይፍል ኣሶስየሽን’ ኣብ ህዩስተን ጉባኤ የካየድ ኣሎ፡፡

ኣባላት እዚ ማሕበር: ብኣጽዋር ኲናት ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ብዙሕ ሰብ ኣጽዋር ክውንን ኣለዎ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዶናልድ ትራምፕ ‘‘ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ትሪልዮናት ኣጥፊእና፤ ዝረኸብናዮ ነገር ግን የለን’’ ክብል ዝተዛረበ ኮይኑ፡ እቶም ተሳተፍቲ ብጣቕዒት ኣጸንቢሎምዎ፡፡

‘‘ቅድሚ ንዓለም ምህናጽና፡ ኣብ ዓድና ንደቅና ዝኸውን ውሑስ ኣብያተ ትምህርቲ ንህነጽ’’ ኢሉ፡፡

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ባይቶ ኣመሪካ ንዩክረይን ኣስታት 40 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ብኣብዝሓ ድምጺ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ፡፡ ሩስያ ንዩክረይን ካብ ዝወረረትሉ ወርሒ ለካቲት ንነጀው ኣመሪካ 54 ቢልዮን ዶላር ናብ ዩክረይን ልኢኻ እያ፡፡

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ዋንነት ኣጽዋር ጥቡቕ ቁጽጽር ክግበር ዝቐርብ ጻውዒት፡ ሰላማውያን ዜጋታት ክበጽሖም ካብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንርእሶም ንምክልኻል መሳርሒ ኩናት ክሕዙ ክፍቀደሎም ይግባእ ብምባል ይቃወም፡፡

ብኣንጻሩ ኣብ መእተዊ ኣብያተ ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ጥቡቕ ቁጽጽር ክግበርን ብውሑዱ ኣብ ሓድሕድ ቀጽሪ ሓደ ፖሊስ ክቕመጥን ዝብል ሓሳብ እዩ ዘቕርብ፡፡

ትራምፕ ‘‘ ሽጉጥ ንዝሓዘ እከይ ሰብ ደው እተብለሉ እንኮ መገዲ፡ ሽጉጥ ዝሓዘ ሰናይ ሰብ እንትህሉ ጥራሕ እዩ’’ እትብል ልምድቲ ኣዘራርባ እውን ኣብቲ መድረኽ ተጠቒሙላ፡፡

ዓመታዊ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ ማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ኲናት ኣመሪካ (ኤንኣርኤ) ሓሙሽተ ሚልዮን ኣባላት ኣለዉዎ፡፡

ቅድሚ እቲ ጉባኤ፡ ነቲ ኣብ መጥቃዕቲ ቴክሳስ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ጠበንጃ ዘፍርይ ትካል ሓዊሱ ብዙሓት ፍሉጣት ኣመሪካውያን ካብቲ ጉባኤ ንዓርሶም ከምዘግለሉ ገሊጾም ነይሮም፡፡