ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብዝፍጸሙ መጥቃዕታት ሽጉጥ ዝህነጹ ዘለው ቈልዑ ኣመሪካ

Published

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብሽጉጥ ዝፍጸም መጥቃዕቲታት ኣዝዩ ዘሰከፍ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ወዲ 18 ዓመት ሳልቫዶር ራሞስ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ 19 ህጻናትን ክልተ መምሃራንን ተቐቲሎም።

መባእታ ቤት ትምህርቲ ሮብ፡ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝዀኑ ቈልዑ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ'ዩ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ናይ ኢድ ሽጉጥን ኣውቶማቲክ ሽጉጥን ሒዙ ብግቡእ ዝተዓጥቀ ምንባሩ ይግለጽ።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ዕለት ኣብ ጥቓ 'ቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝነበሩ ሓለውቲ ዶብ ፖሊስ ኣብ ዝነበረ ልውውጥ ተዅሲ ተሃሪሙ ሞይቱ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጐነጻዊ መጥቃዕቲታት ግን፡ ኣብ ህይወት ህጻናት ተምሃሮን መምሃራንን ኣመሪካ ዝፈጥርዎ ዘለው ጸቕጢ እንታይ'ዩ?

ለበዋ ኣብያተ ትምህርቲ

እቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸሙ ዘለው ቅትለታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ውሑሳት ምእንቲ ክዀና ስጕምታት ክውሰዱ ህዝባዊ ናዕቢ የለዓዕሉ'ለው።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሮብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ቀጽሪታተን ዝዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝወሰኻ ገሊጸን ኣለዋ።

ብ1999 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኮሉምቢን፣ ብ2007 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂኒያ ቴክ፣ ብ2012 ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሳንዲ ሁክ፣ ብ2018 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ፓርክላንድ ተመሳሰልቲ መጥቃዕታት ምስ ተፈጸሙ'ውን፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምታት ተወሲዶም ነይሮም።

ብሰንኪ እዚኦም፡ 88 ንጹሃን ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

ኣመሪካዊ ክኢላ መጥቃዕታት ኣብያተ ትምህርቲ ቼሪ ሌሮ ጆንሰን፡ "ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮአን ልክዕ ኣብተን ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከይወርዶምን ግዳያት ከይኰኑን ድሕነቶም ክሕሎ ከም ዝገብራ እየን ዝገልጻ" ይብል።

ግዳያትን ኣጥቃዕትን [Victims & Offenders] ዝብል ጽሑፍ ዘዳለወ ጆንሰን፡ ከም ውጽኢቱ ዕጡቓት ዋርድያታትን ሰራሕተኛታትን ከይተረፈ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽጉጥ ሒዞም ክመጽኡ "ልሙድ" ኰይኑ'ሎ፡ ኢሉ።

ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሪካ፡ ከጋጥመን ንዝኽእል ህልቂት ድሉዋት'የን።

እዚ ማለት፡ ብተደጋጋሚ ገምጋም ስግኣታት፣ ትልሚ ሓደጋ ህጹጽ እዋን፣ ጕጅለታት ቅልውላው ምህላውን መደባት ግብረመስልን ክህልው ከም ዝገበሩ ጆንሰን የረድእ።

ሓደ ካብቶም ኣካታዕቲ ፖሊሲታት፡ ኣብ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ኣብያተ ትምህርቲ ተግባራዊ ዝዀነ ፖሊሲ ልምምድ ምትኳስ ሽጕጥ'ዩ።

እዞም ንዋዛ ተባሂሎም ዝካየዱ ልምምዳት፡ ገጹ ዝተሸፈነን ስኑዕ ሽጉጥን ዝሓዘ ሰብኣይ፡ ከምኡ'ውን ተራ ግዳያት ዘርእዩ ብናይ ሓሶት ደም ዝጠልቀዩ ተመሃሮ ዝሳተፍሉ'ዩ።

እዚ፡ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ዝገልጹ መጽናዕታት ይወጽኡ ኣለው።

ሓንቲ ስድራ፡ "ጓለይ፡ ኣብቲ ልምምድ ተዅሲ ዝግበረሉ ሰዓት ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኣ ነይራ። እዚ ብሰንኪ ዝፈጠረላ ሓያል ጭንቂ ሓደ ዓመት ምሉእ ኣብ ስነ ልቦናዊ ፍወሳ [ቴራፒ] ኣሕሊፋቶ፡" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ናብ ካልእ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ወሲደያ፣ እንተዀነ ሕጂ'ውን እቲ ጭንቀት መሊኡ ስለ ዘይገደፋ ኣብ ቤት ጽሕፈት ነርሳት ዘሎ ሽቓቕ'ያ ትጥቀም፡" ትብል።

በዚ ልምምድ ተዅሲ ብ2019፡ ኣብ ኢንዲያና ዝርከብ ቤት ትምህርቲ፡ መምሃራንን ተምሃሮን ብመልክዕ መርሸንቲ ክቕተሉ ኣብ ዝተገብረ ምርኢት፡ መምሃራንን ተምሃሮን ስነ ልቦናዊ "ማህሰይቲ" ከም ዘሕደረሎምን "ብምስጋኦምን" ተነቒፉ'ዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሰራሕተኛ ሃገራዊ ማእከል ቅልውላው ቤት ትምህርትን ብሞት ምፍላይን ዴቪቭ ስኮንፎልድ፡ "ቈልዑ ከም ግዳያት ኰይኖም ንኽዋስኡ፡ ናይ ሓሶት ደም ኣጠልቂኻ ኣብ መሬት ክድቅሱ ምግባር፡ ትርጕም ዘይብሉን ዘሰንብድን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

እዚ፡ ንውጻእ መዓት ግሃዳዊ መጥቃዕታት ዝያዳ ሃሰያ ዘውርድ ከም ዝዀነ የረድእ።

እዞም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸሙ መጥቃዕታት፡ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ግዳያትን ውጻእ መዓትን በሰላ ስለ ዝገድፉ፡ ብቕዓት ትምህርቲ እቶም መምሃራንን ተምሃሮን ከም ዝጸልዎ መጽናዕታት የመልክቱ።

ካብዞም መጥቃዕታት ብህይወት ዝተረፉ ቈልዑ ምስቶም ተመሳሳሊ ክስተት ርእዮም ዘይፈልጡ መዛንኦም ክነጻጸሩ እንከለው፡ ካብ ትምህርቲ ናይ ምብኳር ዝንባለ ከም ዝህልዎም ክኢላታት ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተንን ፔንሲልቫኒያን ብ2021 ዘውጽእዎ መጽናዕቲ ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ቈልዑ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ናይ ምምራቕን ቀልጢፍካ ስራሕ ናይ ምርካብን ዕድሎም ትሑት ምዃኑ ይሕብር።

እዚ፡ ስድራቤታት ብሰንኪ እቶም መጥቃዕታት ካብ ዝነበርሉ ከባቢ ከም ዝርሕቁ ዝገብር፣ ቁጠባዊ ጽልዋታት'ውን ከም ዘሕድር ክኢላታት ቁጠባ ይዛረቡ።

ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እቶም መጥቃዕቲታት ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸመሎም ከባቢታት ዝነብሩ ሕብረተሰብ፡ ትሕቲ 20 ዓመት መንእሰያት ዝወስድዎም ጸረ-ጭንቀት መድሃኒታት፡ ብ21 ሚእታዊት ወሲኹ።

ኣብ ኢንስቲትዩት ስታንፎርድ ተመራማሪት ፖሊሲ ቁጠባ ማያ ሮዚን-ስላተር፡ "ኣብ እኩባት ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብተደጋጋሚ የጋጥሙ ኣለው፤ ንዓና ኸኣ ስምዒት ኣልቦ ይገብሩና ኣለው፡" ትብል።

ወሲኻ፡ "ኣብ ኣመሪካ ህይወት ስለ ዝቕጽል፡ ምናልባት እቶም ውጻእ መዓት ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ይኽእሉ። ግን፡ እቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብዋጋ ነፍሲ ወከፍ ዝሞተ ወይ ዝቘሰለ ሰብን ስድራቤቱን ክርኣዩ ይግባእ። ሕጂ'ውን ብዙሓት ተምሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝፍጸሙ መጥቃዕታት ዝተቓልዑ ምዃኖም ኢና ንርኢ ዘለና፡" ኢላ።

'ወለዶ ጅምላ-ቕትለት'

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ኣብታ ሃገር 27 መጥቃዕቲታት ኣብያተ ትምህርቲ ተፈጺሞም።

እዚኦም ጠንቂ ሞትን መቝሰልትን ኣስታት 67 ሰባት ኰይኖም'ዮም።

ካብ 2018 ጀሚሩ፡ 119 መጥቃዕቲታት ኣብያተ ትምህርቲ ክፍጸሙ እንከለው፡ ብሰንኪ'ዚኦም ብውሑድ ሓደ ሰብ ይመውት ነይሩ።

እዚኦም፡ ኣብ ህይወት ብዙሓት ጽልዋ የሕድሩ'ኳ እንተሃለው፡ ኣብ ጉዳይ ምቁጽጻር ዋንነት ብረት 'ታ ሃገር ግን ዝተኸፋፈለ ሓሳባት እዩ ዘሎ።

ፖለቲከኛታት ሪፐብሊካንን ደገፍቶምን፡ ዋንነት ሽጉጥ ይድግፉ እዮም።