ባይደን ስደተኛታት ንዝሰጕግ ፖሊሲ ንምስራዝ ዘውጽኦ ውጥን ብቤት ፍርዲ ተዓጊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካዊ ዳኛ፡ ነቲ፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ዝሰጕግ ፖሊሲ ከብቅዕ ኣለዎ ዝብል ትልሚ ፕረዝደንት ባይደን ገቲእዎ።
ዳኛ እቲ ዞባ ሮበርት ሳመርሃይስ፡ እዚ ‘ታይትል 42’ ብዝብል ዝፍለጥ ፖሊሲ፡ ከይለዓል ፈሪዱ።
እዚ ኣብቲ ዝሓለፈ 2020 ብፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝወፅአ ፖሊሲ፡ ኣብ ዝቕፅል 23 ግንቦት ናይ ተግባራውነት ግዝኡ ከብቅዕ እዩ።
ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ግና፡ ይግባይ ከምዝብል ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ዝወፅአ ፖሊሲ ‘ታይትል 42’ ብፕረዝደንት ባይደን’ውን ክልተ ግዘ ተናዊሑ እዩ።
ብሰንኪ እዚ ፖሊሲ ልዕሊ 1.7 ሚልየን ሰባት ተሰጕጎም እዮም።
ዳኛ ሳመርሃይስ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሉዚኒያ ኣብ ዝሃቦ ፍርዲ፡ ናይ ብዙሓት ግዝኣታት ምጉት ኣብ ከይዲ ስለዘሎ፡ እዚ ፖሊሲ ኣብ ቦትኡ ክፀንሕ እዩ ክብል ፈሪዱ።
ፕረዝደንት ባይደን ኣብ ትልሚ ምብቃዕ እዚ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ከፍልጥ፣ ግዘ ገደብ ከቕምጥን ካብ ህዝቢ ርኢቶ ክእክብን ከምዝነበሮ ድማ እቲ ዳኛ ገሊፁ።
እንተድኣ ክልከላታት ኣብቂዖም ግዝኣታት ክህሰያ ከምዝኽእላ’ውን እቲ ዳኛ ወሲኹ ሓቢሩ።
ውሳነ እቲ ዳኛ ከምዘኽብር ዝገለፀ ዋይት ሃውስ ግና ይግባይ ከምዝብል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ካሪን ጃን-ፒረ፡ ምግታእ ፖሊሲ ጥዕና ህዝቢ፡ ብማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት (ሲዲሲ) እምበር ብሓደ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ዝውሰን ኣይኮነን ኢላ።
ፖሊሲ ‘ታይትል 42’፡ ሰብመዚ ኣሜሪካ ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ጉዳዮም ዝረኣየሉ ዕድል ከይሃቡ ናይ ምስጓግ ስልጣን ዝሃበ እዩ።
በዚ ድማ ብዙሓት ህፃናትን ስድራን ተሰጕጎም እዮም።
ባይደን ነቲ ኣብ ግዘ ምምሕዳር ትራምፕ ዝወፅአ ፖሊሲ፡ ክሳብ ነሓሰ 2021 ከምኡ እውን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ተግባራዊ ክኸውን ኣናዊሕዎ ምንባሩ ይዝከር።
ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት (ሲዲሲ)፡ ነዚ ፖሊሲ ንምስራዝ ድሉው ከምዝኾነ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣፍሊጡ’ዩ።
እንተኾነ፡ ሪፓብሊካንን ገለ ኣባላት ዲሞክራትስን፡ እዚ ፖሊሲ እንተድኣ ተኣልዩ፡ ቁፅሪ ናይቶም ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን ዝርከቡ ስደተኛታት ክዛይድ እዩ ብምባል ይቃወምዎ ኣለዉ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
