ኩዕሶ እግሪ፡ ብዝሒ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝሳተፋ ክለባት ካብ 32 ናብ 36 ክሰፍሕ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቁጽሪ ናይተን ኣብቲ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝሳተፋ ክለባት ካብ 32 ናብ 36 ክብል ምዃኑ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ካብ ዓመተ ውድድር ካብ 2024-25 ጀሚሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ኣብ 10 ሰሙናት 8 ጸወታታት ከተካይድ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ዝነበረን ውጽኢት መሰረት ብምግባር፡ ክልተ ክለባት ናብቲ ውድድር ክውሰኻ ዝቐረበ ጠለብ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣክሳንደር ሰፈሪን ከም ዝበሎ "እቲ ውድድር ንኹለን ሕልሚ ዘለወን ክለባት ክፉት ኮይኑ ክቕጽል'ዩ"።
ኣብ ክንድኡ፡ ክልተ ካብቲ ኣርባዕተ ተወሳኺ ቦታታት ብሃገር ደረጃ ንዝህሉ ውጽኢት ክለባት ክወሃብ'ዩ።
እቲ ሳልሳይ ቦታ ድማ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ሳልሳይ ዝስራዕ ሊግ ሓሙሸይቲ ንዝወጽአት ክለብ ክወሃብ'ዩ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከም ዝበሎ፡ እቲ ራብዓይ ቦታ ቻምፕዮን ብምዃን ንዝተዓወተት ብንቡር መስርሕ ናብ ዝቕጽል ቻምፕዮንስ ኣውሮጳ ክትኣቱ ዘይክኣለት ክለብ ክወሃብ ተወሲኑ'ሎ።
ኣብ ሕሉፍ ውጽኢት ተሳታፍነት ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝምርኮስ እማመ ግን፡ ንሓያላት ክለባት ዝያዳ ዕድል ዝህብ ብምዃኑ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ ውሳነ ብኹሎም ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ፈደረሽን ኣውሮጳ ዝተደገፈ ዝረኸበ ምንባሩ ሰፈሪን ጠቒሱ።
"ስለዚ፡ ተሳታፍነት ኣብ ስፖርታዊ ብቕዓት ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፡ ንኹለን ክሳተፋ ዝምነያ ክለባት ክፉት ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
ብኸመይ'ዩ ክሰርሕ
በዚ ሓድሽ ቅዲ መሰረት፡ ጋንታታት ናብ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓዘ 8 ምድባት ክኽፈላ እየን። ኣብ ክልተ እግሪ ኣብ ዝካየድ 6 ግጥማት ድማ ክሳተፋ እየን።
እተን ክልተ ዝለዓለ ነጥቢ ዘዋህለላ ድማ፡ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምስ ተቐየረ ድማ ናብ ጉጅለ 16 ይሓልፋ።
ማዕረ ነጥቢ ዘዋህለላ እንተኾነን ድማ ኣብ ሜዳታተን ናይ ክልተ እግሪ ይጻወታ። ናይ መወዳእታ ፍጸመ ድማ ኣብ ካልእ ናጻ ሜዳ ይጋጠማ።
ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ውድድር፡ ሓደ ንኹለን ጋንታታት ዘጠቓልል ንጽል ሰሌዳ'ዩ ክህሉ።
በዚ መሰረት፡ ነፍሲ ወከፍ ክለብ፡ ኣንጻር ዝተፈላለያ ጋንታታት 8 ግጥማት ከተካይድ'ያ፤ ኣርባዕተ ኣብ ሜዳኣ እቲ ዝተረፈ ኣርባዕተ ድ ማ ኣብ ሜዳታት ካልኦት።
እተን ቀዳሞት 8 ጋንታታት ድማ ናብ ኣውድቒካ ምሕላፍ ክሰግራ እየን።
ካብ መበል 9ይ ክሳብ መበል 24 ዘለዋ ግን፡ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንክሰግራ ክልተ እግሪ ጸወታታት ከካይዳ ክግዳዳ እየን።
እቲ 'ብዩሮፓ ሊግ' ዝጽዋዕ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕን ኣብ 3ይ ደረጃ ዝስራዕ ኮንፈረንስ ሊግ ኣውሮጳ'ውን ተመሳሳሊ ቅርጺ ክህልዎ ምዃኑን ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክልቲኡ ውድድራት 36 ጋንታታት ከሳትፍ ምዃኑን ተፈሊጡ።
ን240 ክለባት ዝውክል ማሕበር ክለባት ኣውሮጳ፡ "ንዘላቒ፡ ሓላፍነታውን ኣሳታፍን ብዝኾነ መንገዲ ንዕብየት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ዕድል ዝህብን'ዩ" ብምባል ነቲ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ዝጸደቕ ሓድሽ ውሳነ ከም ዝድግፎ ኣፍሊጡ'ሎ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
