ሊባኖስ፡ ሕዝቦላህ ዝኸሰረሉ ምርጫ ናበይ ገጹ ክመርሓ እዩ?

ሊባኖስ፡ ውጽኢት ምርጫ ሓድሽ ክርፍስ ስልጣን የልዕል

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

Published

ሊባኖስ፡ ኣብ 2019 ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝተቓጸለ ሰውራ፡ ልክዕ ከም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሓንሳእ ኣብ ኵሉ ጐደናታት ኣብለጭሊጩ። እዛ ፋሕ-ፋሕ ዝበለት ሃገር፡ ቅድሚ ሽዑ ከምኡ ዓይነት ምንቅስቓስ ርእያ ኣይትፈልጥን።

ሽዑ፡ መንእሰያትን ኣረጋውያንን፡ ልሂቃንን ደርቢ ሸቃሎን ብሓባር ንለውጢ ብዓውታ ኣጉረምረሙ። ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከይተረፋ ተጠርኒፈን ኣውያተን ኣስሚዐን።

"ኵሉን ያዕኒ ኵሉን" ብዓረብኛ "ኵሉ ማለት ኵሉ እዩ" ኢሎም ጨደሩ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ሊባኖሳውያን ነቶም ናይ ሓባር ጸላእቶም ዝዀኑ፡ ፖለቲከኛታት 'ታ ሃገርን እቲ ንዝፈትዋ ሃገሮም ፍሑኽ ከምዘይትብል ዝረመሰ ብልሽውናን ሕማቕ ምሕደራን ብሓባር ተቛዲሶምዎ እዮም።

እዚ ምርጫ ኸኣ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2019 ብደረጃ ሃገር ኣንጻር ብልሽውናን ውጽኢት ዘይብሎምን ሃገር ዝሓመሱን ፖለቲካዊ ልሂቃንን ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ እዩ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ እቶም ኒሕን ተስፋ ዝቘረጹ ሊባኖሳውያን ኣብ መወዳእታ ንፖለቲከኛታቶም ብወግዒ፡ ብሳንዱቕ ድምጺ ንኽፈርዱ ግን ዕድሎም ረኺቦም።

እዚ ምርጫታት እዚ ርኡይ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምጽእ ዝሕሰብ'ውን ኣይነበረ። እንተዀነ፡ እንታይ መልእኽቲ ደኣ እዩ ኣሕሊፉ?

ነዚ ጕዳይ ንምርዳእ ቅሩብ ኣዕሚቝካ ምርኣይ የድሊ። እቲ ብኢራን ዝድገፍን ቀንዲ ጕጅለ ሺዓ እስላም ሊባኖስን ዝዀነ ሓያልን ምንቅስቓስ ሕዝቦላህን መላፍንቱን ኣብ ፓርላማ ዝነበሮ ኣብዝሓ ድምጺ ስኢኖም ኣለው።

ሕጹያት ናይቲ ልፍንቲ ካብቶም 128 ወናብር 62፣ ካብቲ ዘድለ ብሰለስተ ዝወሓደ ወንበር ረኺቦም።

ሕዝቦላህ ናይ ገዛእ ርእሱ መንበር ዓቂቡ'ኳ እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ሚሸል ኣውን ዝመርሖ ክርስትያናዊ ነጻ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ግን ደገፍ ስኢኑ'ሎ።

ምስ ስዑዲ ዓረብ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ተቐናቓኒ ሰልፊ ክርስትያን ሓይልታት ሊባኖስ፡ ጽገናታት ንምግባር ቃል ዝኣተወ 'ናጻ ሕጹያት' 13 ወንበር ረኺቡ።

ኣብ መስርሕ ምርጫ ሊባኖስ፡ ፍጹም ተዓዋቲ ዘይምህላውን ሊባኖስ ብሰንኪ ዘለዋ ዓጺቕ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ስልጣን ምክፍፋል ግን፡ ርኡይ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕድል ገና ትሑት እዩ።

እዚ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዝተበገሰ፡ ሓደ ካብቲ ዓለምና ድሕሪ ልዕሊ 150 ዓመታት ዝረኣየቶ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምኽሳቱ እዩ። ሕጂ ብገምጋም 80% ካብ ህዝቢ ሊባኖስ ኣብ ድኽነት ይነብር ኣሎ፤ ኣብታ ሃገር ከኣ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ ነዳድን መድሃኒትን ኣጋጢሙ እዩ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስን፡ እቲ ኣብ 2020 ኣብ ወደብ በይሩት ዘጋጠመ ልዕሊ 200 ሰባት ዝቐተለ ኣዕናዊ ፍንጀራን ጸገማት እታ ሃገር ተጋዲዱ እዩ።

ወጽኢት እዚ ምርጫ እምበኣር፡ ዓቢይ ትርጕምን ኣገዳስነትን ዘለዎ እዩ።

ሊባኖስ

እቲ ብሕዝቦላህ ዝምራሕ ቀጽሪ፡ ነጻ ሃገራዊ ምንቅስቓስ (ኤፍፒኤም)ን ምንቅስቓስ ሺዓ ኣማል ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ 2018፡ ኣብ ባይቶ 71 መናብር ረኺቡ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ሕጹያት ሕዝቦላህን ኣማልን ኣብቲ ናይ ሰንበት ድምጺ ንኣስላም ሺዓ ዝተመደበ 27 መናብር'ኳ እንተሓዙ፡ ብዙሓት ናይ ነዊሕ እዋን መላፍንቶም ግን ዝገርም ስዕረት'ዩ ኣጋጢምዎም።

እንተዀነ እቲ ቍጽሪ ክጭፍለቕ እንከሎ፡ ሕዝቦላህ ንውልቁ ተመሳሳሊ ቍጽሪ ወንበር፡ ማለት 13 ከም ዝዓቀበ ይፍለጥ። ኣብቲ ንሱ ኣካል ዝዀነሉ ሓፈሻዊ ስግረ-ወገናዊ ኪዳን ዝነበሩ ሕጹያት ጥራይ እዮም ከሲሮም ዝረኣዩ።

እቲ ዝዓበየ መላፍንቲ ሕዝቦላህ ዝዀነ - ነጻ ሃገራዊ ምንቅስቓስ - ከምቲ ኣብ 2018 ዝረኸቦ ብዙሕ ዓወታት ኣይመዝገበን።

ተቐናቐንቲ ናይዚ ነጻ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ዝዀኑ ሓይልታት ሊባኖስ፡ ኣብ ባይቶ ዝዓበየ ዓወት ዝረኸቡ ክርስትያናዊ ጕጅለ ኰይኖም፡ ንቕድሚት ቀሪቦም ተራእዮም ኣለው። እዚ፡ ንሰልፊ እቲ ፕረዚደንት ሚሸል ኣውን ከኣ ዓቢይ ጽፍዒት'ዩ።

ሰልፊ ኤፍፒኤም፡ ካብቲ ዝነበሮ 20 መናብር ናብ 17 ክወርድ እንከሎ፣ ሰልፊ ሓይልታት ሊባኖስ ኤልኤፍ ከኣ ካብቲ ዝነበሮ 15 መናብር፡ እቲ ዝዓበየ ክርስትያናዊ ሰልፊ ክከውን ዘኽእሎ 19 መናብር ረኺቡ'ሎ።

ኣብ 1975-90 ኣብ ኲናት ሓድሕድ ካብቶም ኣዝዮም ዝፈርሑ ዝነበሩ መራሕቲ ኲናት ዝነበረን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሕዝቦላህ ኣበርቲዑ ዝነቅፍን፡ ምስ ስዑድያ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ዝንገረሉን መራሒ ሰልፊ ኤልኤፍ፡ ሰሚር ጊየገ፡ ሊባኖስ ጸገማታ ንምፍታሕ "ኣብ ስልጣን ሱር በተኻዊ ለውጢ" ከምዘድልያ ገሊጹ'ሎ።

ኣና ፎስተር ካብ ቢቢሲ በይሩት፡ ሰልፊ ኤል ኤፍ ረኺብዎ ዘሎ መኽሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ብኣባላት ባይቶ ዝካየድ ምርጫ ሓድሽ ፕረዚደንት ጽልዋ ከሕድር ይኽእል'ዩ ትብል።

እዚ ፕረዚደንት፡ ብመሰረት'ቲ ኣብ ወገን ዝምርኰስ ስርዓተ ምክፍፋል ስልጣን ሊባኖስ፡ ክርስትያን ክኸውን ኣለዎ።

ዓወታት ናጻ ሕጹያትን ዘይሻራውያን ሰልፍታት'ውን ርኡይ ምንባሩ ወኪል ቢቢሲ ወሲኻ ትገልጽ።

ሊባኖስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር ናጂብ ሚካቲ፡ እቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ፡ ነቲ ክመርሖ ተስፋ ዘለዎ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ምቛም ብቕልጡፍ ክሰማምዑ፣ "እዚ እንሓልፎ ዘለና ቀዳምነታት ዘድልዮ ኵነታት፡ ሰቕ ኢልካ ኛኽ ምባል ዝጸውር ኣይኰነን፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ቀዳምነታት መንግስቲ፡ ምስ ኣህጉራዊ ትካላት ገንዘብ ብምዝርራብን፡ ንዝውደቐ ቁጠባ ንምሕዋይ ዘኽእል ሕግታት ምንዳፍን ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ሊባኖሳዊት ኢልሃም ካኪ፡ ኣብቲ ናይ ሰንበት ምርጫ "ኻላስ" እናበለት ትስማዕ። "ኻላስ" ማለት ብዓረብኛ፡ 'ይኣክል' ማለት እዩ።

ቅድሚ ሕጂ 'ኢስታብሊሽመንት' [ምስረታ] ንዝተባህለ ሰልፊ'ያ ድምጻ ትህብ ነይራ፣ ሕጂ ግን ኣብቲ ሰልፊ ዝነበራ እምነት ኣጥፊኣ እያ።

"ነዚ ምሉእ ስርዓት ክንቅይር ክንበራበርን ኣለና፣ ነዚ ምሉእ ጕጅለ ፖለቲከኛታት ንምቕያር፡ ተበራበር! ሓቂ ክንፈልጥ ንደሊ'ለና፡" ኢላ።

"እዞም ሓደስቲ ገጻት ነፍሶም ኣብ ኢዶም ከእትዉ ኣለዎም። ልክዕ ከምቲ ወደይ ንሃገሩ ኢሉ ነፍሱ ኣብ ኢዱ ዘእተወ፡ ንሳቶም እውን ከምኡ ክገብሩ ይግባእ። ንህዝቢ ሓድሽ ነገር የድልዮ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ሊባኖስ ሃገርና እያ፣ እታ ንኸስራ ዘለና ሃገር።"

ኢልሃም፡ እቲ ትጠቕሶ ዘላ ወዳ ራሚ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 2020 ኣብ ወደብ በይሩት ብሰንኪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ፍንጀራ ዝሞቱ፡ 10 ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ እዩ።

ድሕሪ ዳርጋ ክልተ ዓመት ብሞት ወዳ ተሓታቲ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣካል የለን። ምኽንያቱ ፖለቲከኛታት ሊባኖስ ነቲ ዝግበር ዝነበረ መርመራታት ብተደጋጋሚ ደው ኣቢሎምዎ እዮም ብምባል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት 'ታ ሃገር ዝጸንሓ መረረ ትውስኸሉ።

ምርጫ ሊባኖስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ እቶም ሓደስቲ "ናጻ" ጕጅለ ሕጹያት ናብ ጠረጴዛ መጺኦም ኣለው። እዚኦም እቶም ጸረ ሰልፊ 'ኢስታብሊሽመንት' ዝዀኑ ውልቀሰባትን ሰልፍታትን እዮም፤ ናብ 13 ወንበር ድማ ክብ ኢሎም ኣለዉ።

ብዙሓት ካብዞም 'ፖለቲካዊ ሓደስቲ መጻእቲ' ኣብቲ ናይ 2019 ሰውራ እዮም ድምጺ ረኺቦም።

ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ባይቶ በይሩት ኰይኖም ተቓውሞኦም ከስምዑ ዝጀመሩ ዀይኖም፡ ሕጂ ድማ ኣብ ውሽጦም ኣትዮም ክሰርሑ ዕድል ረኺቦም ኣለው።

ሕጂ፡ ድምጺ ድሮ ተቘጺሩስ ውጽኢት ተረጋጊጹ እዩ። ቀጺሉ ግን እንታይ እዩ ክመጽእ? ብዓቢኡ መንግስቲ ንምምስራት ምፍታን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ድርድር ክህሉ ይኽእል።

ንዝስዕብ ሰሙናት ወይ'ውን ንኣዋርሕ፡ ሊባኖስ ካብቲ ዓሚቝ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንኽትገላገል ክትቃለስ ክትፍትን እያ።

እቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ኮፍ ክብሉን ሕጊ ከርቅቝን እንተዘይክኢሎም ዕድል ለውጢ ሕጂ'ውን ዳርጋ ምህሙን እዩ።

ድሕሪ'ቲ ኣዕናዊ ፍንጀራ ወደብ በይሩት፡ እታ ሃገር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዘይ መንግስቲ'ያ ጸኒሓ።

እዚ ንሓንቲ ንኣህጕራዊ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዝተቓልዐትን ካብኡ ተስፋ ዝቘረጸትን ሃገር ዓቢ ጸገም እዩ።

ኣህጕራውያን ትካላት ገንዘብ ዝሰርሕ ምምሕዳራዊ መዋቕር ንዘይብለን ሃገራት፡ ዝጠቅምን ርቡሕ ገንዘባዊ ሓገዝን ክህባ ፍቓደኛታት ከምዘይኰና ርዱእ እዩ።

ምርጫ ሊባኖስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ዝተሓላለኸ ስርዓተ-ባይቶ ሊባኖስ ዓጺቕን ንምቕያሩ ኣጸጋምን እዩ። ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምምጻእ ብጥንቃቐ ዝተሃንደሰ ኸኣ እዩ።

እቲ ስርዓት፡ ንስልጣን ብውድባዊ/ወገናዊ መስመራት እዩ ዝመቕሎ። ኵሉ ሰብ ድማ ቁራስ 'ፖለቲካዊ ሕብስቲ' ናይ ምርካብ ውሕስነት ኣለዎ።

ብዘይ ኣብዝሓ ድምጺ፡ ንውድባዊ ኪዳን ሕዝቦላህ ፍልልይ ዝፈጥረሉ እዩ። ንሳቶም፡ ካብቲ ዝለመድዎ ኣዝዩ ብዝተፈለየ መገዲ ክደራደሩ - ከምኡ'ውን ሕድገታት ክገብሩ ክግደዱ እዮም።

ነቲ ቀንዲ ማእከል ሱኒ እስላም ዝዀነ ሰሜን ሊባኖስ ቍሊሕ ምባል'ውን ወሳኒ ክኸውን እዩ።

እቲ ናታቶም ትእምርቲ ዝዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሳዓድ ሓሪሪ፡ ቅድሚ እዚ ምርጫ ካብ ፖለቲካ ከምዝርሕቕ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣባላት ናይ መጻኢ ምንቅስቓሱ ከም ሕጹያት ከይወዳደሩ፣ ደገፍቱ ድማ ፈጺሞም ድምጾም ከይህቡ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

ኣብቲ ክህሉ ዝኽእል ናይ ስልጣን ባዶሽ፡ ሰልፊ ሓይልታት ሊባኖስ ምስ ጕጅለ ሱኒ ምሕዝነት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ዝፍጠር ሓያል ሓድሽ ጥምረት ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ወተሃደራዊ ክንፊ ሕዝቦላህ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ጸቕጢ ክገብራ ጸኒሐን እየን። እንተዀነ ሕዝቦላህ ዕጥቁ ከም ዘይየውርድን፡ ዕጥቂ ምውራድ ማለት ድማ ቀይሕ መስመር ምዃኑን ብዙሕ ግዜ ኣፍሊጡ እዩ።

እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ሓይሊ፡ ብመገዲ'ቲ ደፋር መራሒ ውግእ፡ ሓላፊ ሓይልታት ሊባኖስ ነበር ሰሚር ጊየገ ኣቢሉ - ነቶም ብኢራን ዝድገፉ መቐናቕንቱ - ሕዝቦላህ - ናብ ውግእ ክዕድም ክውስን ይኽእል ዶ? እዚ ግን ሓደገኛ ተኽእሎ እዩ፣ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ሊባኖስ ንኸለዓዕል ዘለዎ ተኽእሎ'ውን ዓቢይ እዩ።

ኣብ ማእከል'ዚ ፖለቲካዊ ቅሩቍሳት'ዚ ግን፡ ህይወት ሚልዮናት ሊባኖሳውያን ኣሎ። መግቢ ዘይብሎም ህጻናትን ተስፋ ዝሰኣኑ ስድራቤታትን ኣለው።

ስለዚ፡ ብዙሕ ግዜ ሊባኖሳውያን "ውርደት" ዝብል ቃል ነቲ ብዛዕባ ነብሶም ዝስምዖምን ሃገሮም ኰይናቶ ዘላን ንምግላጽ ክጥቀምሉ ይስምዑ።

ሕጂ መሰረታዊ ናይ ምንባር ሕቶ እዩ። እዚ ምናልባት'ውን ካብቲ ዝዀነ ፖለቲከኛ ክወስዶ ዝኽእል ሓላፍነት ንላዕሊ እዩ። እቶም ፖለቲከኛታት ቀደም'ውን ንጸገማት ሊባኖስ ክእርሙ ከምዘይክእሉ ኣረጋጊጾም እዮም።