እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-9 ኣብ መላእ ዓለም ጠንቂ ሞት 15 ሚልዮን ሰባት ከምዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ
ውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ መላእ ዓለም ጠንቂ ሞት 15 ሚልዮን ሰባት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ ካብቲ ብልሙድ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክሞቱ ናይ ዝኽእሉ ብዝሒ፡ ብ 13 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ፡፡
ኣብ ህንዲ ጥራሕ ኣስታት 4.7 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ ከምዝሞቱ ዝገለጸ እቲ ውድብ፣ እዚ ኣሃዝ፡ 10 ዕጽፊ ናይቲ ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝተገለጸ ከምዝኾነን፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝተመዝገበ ሞት ከምዝሽፍንን ኣፍሊጡ፡፡
መንግስቲ ህንዲ፡ ኣብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጠቐመሉ ኣገባብ መጽናዕቲ ሕቶ ከምዘለዎ'ኳ እንተገለጸ፡ ካልኦት መጽናዕቲታት ግን ነቲ በቲ ውድብ ዝተቐመጠ ኣሃዝ ዝድግፉ እዮም።
ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጠቐመሉ ተወሳኺ ሞት (ኤክሰስ ዴዝ) ዝተባህለ ስርዓት፡ መጠን ሞት ኣብ ሓደ ከባቢ ካብቲ ቅድሚ ኮቪድ ዝነበረ ሞት ብኽንደይ ወሲኹ ንዝብል መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡
እዚ ኣገባብ ብቐጥታ ብኮቪድ ጥራሕ ዝሞቱ ዘይኮነስ፡ ብምኽንያት ኮቪድ ዘድልዮም ሕክምና ከይረኸቡ ንዝሞቱ ሰባት'ውን የጠቓልል። ብተወሳኺ ድኹም ኣተሓሕዛ መዝገብን ኣብ መጀመርታ እቲ ለበዳ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ምርመራን'ውን የጠቓልል።
ካብቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተገለጸ ዘይተመዝገበ 9.5 ሚልዮን ሞት፡ እቲ ዝበዝሕ ቀጥታዊ ብኮቪድ ዝሰዓበ ሞት ከምዝኾነ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ኣብ ክፍሊ መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም እትሰርሕ ዶ/ር ሳሚራ ኣስማ ነቲ ኩነታት "ዘሕዝን" ክትብል ብምግላጽ፣ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ ኢላ።
ካብ ህንዲ ብተወሳኺ ሃገራት ሩስያ፡ ኢንዶኔዥያ፡ ኣመሪካ፡ ብራዚል፡ ሜክሲኮን ፔሩን ተወሳኺ ሞት ዘመዝባ ሃገራት ከምዝኾና ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።
መጠን ሞት ኣብ ሩስያ ካብቲ እታ ሃገር ዘመዝገበቶ 3.5 ዕጽፊ እዩ።
ዝተሓተ ዘይተመዝገበ ሞት ካብ ዘለወን ሃገራት ድማ ቻይና እያ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ፡ ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝሃብዎ ግምት፡ ኣብ ይኸውን ዝተመሰረተ ከምዝኾነ ዝተኣመኑ ኮይኖም፡ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይተን 41 ኣሃዛዊ መረዳእታ ዘየተኣማምን ከምዝኾነ ገሊጾም።