እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መገዲ ኣየር ኳንታስ ካብ ሲድኒ ናብ ለንደንን ኒውዮርክን ቀጥታዊ በረራ ክጅምር እዩ
መገዲ ኣየር ኳንታስ ኣብ 2025 ካብ ሲድኒ ናብ ለንደንን ኒውዮርክን ቀጥታዊ በረራ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ኣውስትራልያዊ መገዲ ኣየር፡ ከየዕረፋ ናብ ዝኾነ ክፋል ናይ ዓለም ክበራ ዝኽእላ ኤየርባስ ኤ350-1000 ዝዓይነተን ሓደስቲ ነፈርቲ ከም ዝዓደገ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ መወዳእታ 2025 ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ፈላሚ ካብ ሲድኒ ናብ ለንደን ዝግበር በረራ ኣስታት 20 ሰዓታት ዝወስድን ዝነውሐ ናይ ገያሾ በረራን ክኸውን እዩ።
ካብ ሲድኒ ናብ ኣውስትራልያ በረራ ፈለማ ኣብ 1947 ክጅመር እንከሎ ኣስታት 58 ሰዓታት ዝወስድን ገያሾ ኣብ ሸውዓተ ቦታታት ከዕርፉ ዘገድድን እዩ ነይሩ።
መገዲ ኣየር ኳንታስ ኣብቲ ውጥን ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክሰርሓሉ እኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ትግባረ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዝተናውሐ ተገሊጹ።
ኣብ 2018 እቲ መገዲ ኣየር 17 ሰዓታት ዝወስድ ቀጥታዊ በረራ ካብን ናብን ለንደንን ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ እትርከብ ከተማ ፐርዝን ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ 2019 ካብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ ናብ ኒውዮርክን ብሪጣንያን ናይ ፈተነ በረራታት ኣካይዱ።
እተን ነፈርቲ 238 ገያሾ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለወን ኮይነን እቲ መናብር ካብ ካልኦት ነፈርቲ ዝሓሸ ምቹእነት ከም ዝህልዎ እቲ መገዲ ኣየር ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ ገያሾ ብገዛእ ርእሶም ጠዓሞት ዝግልገልሉን ገለ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ዝገብሩሉን ስፍራ “ዌልቢይን ዞን” ከም ዘለወን ተገሊጹ።