ህንዳዊት ግዝኣት ማድህያ ፕራደሽ ንምንታይ’ያ ናይ ኣስላም ኣባይቲ እተፍርስ ዘላ?

ህንዳዊት ግዝኣት ማድህያ ፕራደሽ ዝፈረሰ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, Madhya Pradesh police via Twitter

መግለጺ ስእሊ, እቲ ምፍራስ ከም መቕጻዕቲ ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ
Published

ወዲ 72 ዓመት ሼኽ መሓመድ ራፊቕ ገለ ሰባት ንገዝኡ ከፍርሱ ዝመጹሉ መዓልቲ ይዝክሮ እዩ።

ኣብ ህንዳዊት ግዝኣት ማድህያ ፕራደሽ ልስሉስ መስተ ብምሻጥ ዝናበር ሼኸ መሓመድን ወዱን ኣብ ስራሕ እዮም ኣምስዮም። “እዋን ረመዳን ስለነዝበረ ቀንዲ ምስ መሰየ’ዮም ዓማዊል ዝመጹኻ” ይብል።

ሰኑይ ንጉሆ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ምስ መጽኡ፡ ንሱን ስድርኡን ኩላቶም ደቂሶም እዮም ነይሮም።

“ብርቱዕ ድምጺ ምስ ሰማዕና ግና፡ ናይቲ ቀጽሪ ማዕጾ ይፈርስ ከምዘሎ ፈሊጥና።

ዓበይቲ ማሽነሪ ዝሓዙ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ፖሊስ ነታ ኣብ ብብዝሒ ተኸተልቲ እስልምና ዝነብሩላ ንእሽቶ ቁሸት ከተማ ኻርጎን እትርከብ ገዝኡ ከቢቦምዋ ነይሮም።

ደው ከብሎም ንዝፍትን ዘበለ ኩሉ እናተኸላኸሉ ነቲ ገዛ ናብ ሓመድ ቀዪሮምዎ ይብል ሼኽ መሓመድ።

“ኣዚና ፈሪሕና ገለ’ውን ክንብል ኣይከኣልናን- ሱቕ ኢልና ርእይናዮም።”

ኣብ ማድህያ ፕራድሽ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሚያዝያ 10 (ፌስቲቫል ሂንዱ ራም ናቫሚ ዝኽበረሉ ዕለት) ዝተኸሰተ ኮማዊ ግጭት ብዙሕ ኣባይቲ እዩ ዝዓንው ዘሎ።

ዓበይቲ ማሽነሪታት ኣባይቲ እናፍረሱ ዘርእይ ዘሕዝን ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ተዘርጊሑ ይርከብ።

እዚ ቁጥዐ ከለዓዕል እንከሎ፡ ነቶም 200 ሚልዮን ዝበጽሑ ኣስላም ህንዲ ንምግላል ብውድብ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንዳ ሞዲ ዝኾነ ሰልፊ ቢጄፒ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ነቐፍቲ ይዛረቡ።

ምምሕዳር እታ ግዝኣት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣስላም ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ እንተኾይኖም፡ ፍትሒ ክጽበዩ ኣይግባእን” ብምባል ነቲ ተሓታትነት ናብኦም ከም ዝመለሶ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ናሮታም ሚሽራ ንማእከን ዜና ኤንዲቲቪ ተዛሪቡ።

ክኢላታት፡ እቲ ምፍራስ ኣባይቲ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ ከምዘይኮነ ምግላጾም ስዒቡ ሻቕሎት ኣልዒሉ ኣሎ።

ኣብታ ግዝኣት ኣብ ከተማ ኢንዶር ዝቕመጥ ናይ ሕጊ በዓልሞያ ኣሽሃር ዋርሲ ነዚ ከረድእ ከሎ፡ “ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተልኩም፡ ብዘይመጣጠን መቕጻዕቲ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ትቐጽዑ ኣለኹም። እዚ ዘይሕጋዊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓደገኛ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ” ኢሉ።

ህንዳዊት ግዝኣት ማድህያ ፕራደሽ ዝፈረሰ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, Madhya Pradesh police via Twitter

መግለጺ ስእሊ, እቲ ምፍራስ ካብ ሰኑይ እዩ ጀሚሩ

እቲ ግጭት ፈለማ፡ ብርክት ዝበሉ ተኸተልቲ ሂንዱ ብብዝሒ ኣስላም ኣብ ዝነብሩሉን መሳጊድ ኣብ ዝርከበሉን ካባቢታት ኣብ ልዕሊ እቶም ውሑዳን ጎንጺ ዘለዓዕል ሙዚቃ ወሊዖም ኣብ ዝምርሽሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብ ገለ ከባቢታት እቶም ሂንዱን ኣስላምን ኣእማን ከምዝተደራበዩ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቶም ሂንዱ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ንኽፍጽሙ ፖሊስ ከም ዝተሓባበሮም ብዙሓት ኣስላም ይኸስሱ።

እቲ ዝኸፍአ ግና ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ዘጋጠመ እዩ ብምባል፡ ሰብ መዚ ብማሽነሪ ገዝኡ ከምዘፍረሱ ወዲ 28 ዓመት ሻህባዝ ክሃን ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን ኣብ መስጊድ ኣጽሊሉ ዘሎ ሻህባዝ “ሰበይተይን ሓፍታን ነቶም ፖሊስ እናነብዓ፡ ንብረትና ክነውጽእ ለሚነናኦም - ካልእ እንተተረፈ ነቲ ቁርዓን - ግና ኣይሰምዑናን” ይብል።

“ሕጂ ዝተረፈና የሎን፤ ዝግደሰልና’ውን የሎን። ናብቲ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝኸድናሉ ይሰጉና።”

መንግስቲ እታ ግዝኣት፡ እቲ ምፍራስ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድርባይ ኣእማንን ሓዊ ምቅጻልን ዝተሳተፉ ሰባት ዝተወስደ ሓደ ኣገባብ መቕጻዕቲ እዩ ይብል። “እቶም ኣእማን ዝድርበየሎም ዝነበረ ኣባይቲ ንባዕሎም ናብ ኣእማን ክቕየሩ እዮም” ኢሉ ሚስተር ሚሽራ።

እንተኾነ ግና እቲ ስጉምቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዝተሃነጹ ኣባይቲ ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ፖሊስ ይገልጽ።

ኣካያዲት ወረዳ ኻርጎን፡ ኣኑግራሃ ፒ “ክልቲኡ ምኽንያት” ከምዝኾነ ትገልጽ።

“ነቶም ገበነኛታት ሓደ ብሓደ ምርካብ ግዜ ዝወስድ መስርሕ እዩ፤ ስለዚ ነቶም ናዕቢ ዝተፈጸመሎም ቦታታት ብምርኣይ፡ ንኩሎም ዘይሕጋውያን ህንጻታት ኣፍሪስናዮም። እዚ ንኻልኦት ናዕበኛታት መምሃሪ ክኸውን እዩ” ኢላ።

ሸኽ መሓመድ ራፊቕ ግና ኣብ ከባቢኦም ናዕቢ ከምዘይነበረ እዩ ዝዛረብ።

“ሕጋዊ ከምዝኾነ መረጋገጺ ኩሉ ሰነዳት’ውን ኣሎኒ” ድሕሪ ምባል “እቶም ፖሊስ ግና ክሰምዑኒ ኣይደለዩን ቤተይ ኣሕዲጎምኒ” ኢሉ።

ክኢላታት ሕጊ ብወገኖም፡ ንኻልእ ገበን ተባሂሉ ዝወጸ ሕጊ ንኻልእ ክትቀጽዓሉ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ የልዕሉ።

“ሕጊ ከም መሸፈኒ እዮም ዝጥቀሙሉ ዘለው - እዞም ኣባይቲ ቅድሚ እቲ ሃይማኖታዊ በዓል’ውን ሕጋዊ ኣይነበሩን” ይብል ፖለቲካዊ ተመራማሪ ራሁል ቬርማ።

ንሱ ወሲኹ፡ “እታ ግዝኣት ኣብ ሕነምፍዳይ” ከምዘላ ይዛረብ።