እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፍርጁ ልዕሊ 180 ዝደረቑ እንስሳታት ዘጽንሐ ኣሜሪካዊ ተኣሲሩ
ፖሊስ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና፡ ንሓደ ኣብ ፍርጁ ከልቢ፡ ድሙን ኣዕዋፍን ዝርከብዎም 183 እንስሳታት ኣብ ፍርጁ ዘጽንሐ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 43 ዓመት ሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድ ዝተብሃለ ተቐማጢ ኣሪዞና፡ ንገለ ካብቶም እንስሳታት ብህይወቶም እንከለዉ ናብ ፍርጅ ኣእቲዩ ከምዘድረቖም ንፖሊስ ተኣሚኑ።
እቲ ውልቀ ሰብ 94 ክስታት ቀሪብሉ ኣሎ።
ውሃቢት ቃል ፖሊስ ኣሪዞና ኣኒታ ሞርተንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ካብቲ ቦታ ዝመጽኡ ኣሳእል ኣዝዮም ዘሰንብዱን ልብኻ ዝትንክፉን'ዮም" ኢላ።
ንሳ ብምስዓብ "ኣነ እንስሳ ኣዝየ ስለዝፈቱ፡ ነቲ ስእሊ ምስ ርኣኽዎ ኣምሪረ'የ በኽየ" ብምባል፡ እቲ ኣሳእል ንሰብ ከተርእዮ ከቢድ ምዃኑ ተዛሪባ።
ሰብ መዚ ፖሊስ ኣሪዞና፡ ሕጂ ንብዓልቲ ቤቱ ንሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድ ወይዘሮ ብሪክሊን ቤክ ይደልይዋ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ፖሊስ ካብ ጎሮባብቲ ሚካኤል ፓትሪክ ሓበሬታ ምስ በጽሖም'ዮም ናብ ገዝኡ ከይዶም።
ሓንቲ ካብቶም ጎሮባብቲ ንሚካኤል ፓትሪክ ኣትማን ከፋርየላ ኢላ ምስ ሃበቶ ድሕሪ ኣዋርሕ ነቶም ኣትማን ስለዘጥፈኦም ክትረኽቦም ከምዘይክኣለት ገሊጻ።
ብድሕሪ እዚ ንዋና እቲ ህንጻ ደዊላ ሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድን ብዓልቲ ቤቱን ካብቲ ገዛ ከምዝወጽኡ ምንጋራ ንፖሊስ ቃላ ሂና።
ንሳን ዋና ገዛን ነቲ ገዛ ከፊቶም ኣብ ዝፈትሽሉ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛን ኣብ ገራጅን ኣብ ዝነበረ ሓያለ ፍርጅ ብዙሓት ዝደረቁ እንስሳታት ከምዝኸቡ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።
ኣትማና'ውን ምስቶም ዝደረቑ እንስሳ ከምዝጸንሕዋ እታ ውልቀሰብ ገሊጻ።
ፖሊስ ንኹሉ እቲ ገዛ ኣብ ዝፈተሽሉ ዝደረቁ ኣኻልብ፣ ጎብየ፣ጠበቕ፣ ኣዕዋፍ፣ኣትማን፣ ደማሙን ማንቲለን ዝርከብዎም 183 እንስሳታት ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።
ድሕሪ 10 መዓልታት ሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድ ናብ ገዝኡ ምስ ተመለሰ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተውዎ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድ ንምንታይ ነቶም እንስሳታት ኣብ ፍርጅ ኣእትዩ የድርቆም ከምዝነበረ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን ዘሎ።