እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ን900 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ዘባረረ ሓላፊ ተረር ነቀፌታ ይበጽሖ ኣሎ
ናይ ሓደ ኣመሪካዊ ኩባንያ ሓላፊ፡ ን900 ስራሕተኛታት ብሓደ ግዜ ካብ ስራሕ ስለዘባረሮም ተሪር ነቀፌታን ኩነኔን ይበጽሖ ኣሎ።
ሚስተር ቪሻል ካርግ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ብዙም [ብዙሕ ሰብ ብማንዛ ዝእከበሉ መተግበሪ] ጸዊዑ እዩ ካብ ስራሕ ከምዝተሰጎጉ ገሊጽሎም።
"እዞም ናብዚ ኣኼባ ዝተጸዋዕኩም ኩሉኹም ሕማቕ ዕድል'ዩ ዘለኩም፡ ምኽንያቱ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ካብዚ ስራሕ ተባሪርኩም ኣለኹም" ብምባል ኣርዲእዎም።
ሚስተር ቪሻል ናይቲ ንነዊሕ ዓመታት ንዓማዊሉ ብልቃሕ [ሞርጌጅ] ኣባይቲ ሰሪሑ ዘርክብ ኩባንያ ኣካያዲ ስራሕ እዩ።
ነቲ ሓላፊ፡ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ 'ጨካንን ርህራሄ ዘይብሉን ሰብ እዩ' ብምባል ይግስጽዎ ኣለዉ።
ብፍላይ ኣብ ድሮ ብዓል ልደት፡ ንሰራሕተኛታት ክንዲ ናይ ልደት ህያብ ካብ ስራሕ ተባሪርኩም ኣለኹም ኢሉ ምንጋሩ መርኣያ ጭካንኤ ምዃኑ ብዙሓት ይገልጹ።
ሚስተር ቪሻል ጋርግ ግን ናይ ሰራሓተኛታት ፍርያምነት መሬት ዘቢጡ ናብ ኣደዳ ክሳራ ስለዘምረሖ ተበሳጭዩ ናብ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ከምዝበጽሐ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ዘገርም ግን እዚ ትካል ቅድሚ ሓደ ሰሙን፤ ካብ ቤተር ዶት ኮም ዝተብሃሉ ኣውፈርቲ 750 ሚልዮን ዶላር ከምዝተኸፈሎ ሰነዳቱ ይሕብሩ።
እቲ ሓላፊ ካብቶም ኣቐዲሙ ገዛውቲ ዝሸጠሎም ገንዘቡ ምስ ተረከበ ሰራሕተኛታቱ ክሰጉግ ዝመረጸሉ ምኽንያት ንብዙሓት ሕንቅልሕንቂሊተይ ኮይንዎም ኣሎ።
ሓላፊ ፋይናንስ ቤተር ዶት ኮም ኬቨን ራየን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ክንድዚኦም ሰራሕተኛታት ክስጓግ ግቡእ ከምዘይኮነ'ዩ ገሊጹ።
እቲ ነዞም ሰራሕተኛታት ዘባረረ ሓላፊ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መጽሄት ፎርቹን ብብርዒ ስም ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል "ሰረቕትን ኣጠፋፋእትን'ዮም" ኢሉ ነይሩ።
እቲ ሓላፊ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ክንዲ 8 ሰዓታት ዝሰርሑ ውሑድ ሰዓታት ጥራይ ሰሪሖም ምሉእ ከምዝሰርሑ ኣምሲሎም ምሉእ ደሞዝ ከምዝወድዱ ጠቂሱ ነይሩ።