ኣዕራብ እስራኤላውያን መን'ዮም?

ኣዕራብ እስራኤላውያን ብትውልዲ ፍልስጤማውያን ብዜግነት እስራኤላውያን እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣዕራብ እስራኤላውያን ብትውልዲ ፍልስጤማውያን ብዜግነት እስራኤላውያን እዮም
Published

ኣብ ተልኣቪቭ፡ ብነይ-ብራክ ኣብ ዝበሃል ሕሉፋት ኦርቶዶክስ ኣብ ዝነብርዎ ከባቢ፡ ሓደ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ብዝኸፈቶ ተዅሲ ንዝተቐትለ እስራኤላዊ ፖሊስ ንምቕባር፡ ኣሽሓት ሰባት ተሳቲፎም ነይሮም።

እቲ ዝሞተ፡ ኣሚር ኾሪ ዝተባህለ ዓረብ-ክርስትያን ኰይኑ፡ ኣብ ቀብሩ ሰበይቱ፡ "ጅግና እስራኤል" ክትብል ገሊጻቶ።

ኣሚር፡ ሓደ ካብቶም 1.9 ሚልዮን ዜጋታት እስራኤል ዝዀኑ ኣዕራብ እዩ። እቲ ብ 22 መጋቢት ኣብ ሓደ ንግዳዊ ማእከል ንኣርባዕተ እስራኤላውያንን ዝቐተለን፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ከተማ 'ሓደራ' ክልተ ፖሊስ ዝቐተሉ ዕጡቓትን. . . እስራኤላውያን ኣዕራብ እዮም።

እዚኦም፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝካየድ ግርጭት ፍሉይ ቦታ ዘለዎም ህዝቢ እዮም።

ግን፡ እዞም ኣዕራብ እስራኤል መን እዮም?

ታሪኽ ኣዕራብ እስራኤል

ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣዕራብ እስራኤላውያንን ኣይሁዳውያን ደገፍቶምን ንዕድጊ ኣባይቲ ኣብ ጃፋ ከባቢ ቴልኣቪቭ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ብሓባር ኣካዪዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣዕራብ እስራኤላውያንን ኣይሁዳውያን ደገፍቶምን ንዕድጊ ኣባይቲ ኣብ ጃፋ ከባቢ ቴልኣቪቭ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ብሓባር ኣካዪዶም

እስራኤል፡ ሃገረ ኣይሁዳውያን ምዃና ብሰፊሕ ዝግለጽ እዩ። እንተዀነ፡ ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብ'ውን ኣለውዋ።

ንሳቶም፡ ብትውልዲ ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝተኣሳሰሩ፣ ብዜግነት ከኣ እስራኤላውያን ዝዀኑ ኣዕራብ እስራኤል እዮም።

ህዝቢ እስራኤል ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ እቲ ሓደ ሕምሲት ንኣዕራብ ይሽፍን።

እዚኣቶም፡ ኣብ 1948 ድሕሪ ምስረታ 'ዛ ናይ ሕጂ እስራኤል፡ ኣብ ግዝኣታዊ ክሊ ሃገረ-እስራኤል ዝተረፉ፣ ገለ 750,000 ዝዀኑ ድማ በቲ ዝሰዓበ ኲናት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ዝተፈናቐሉ እዮም።

ኣዕራብ እስራኤላውያን ናይ ምድማጽ መሰል ኣለዎም፤ እንተኾነ ግና እቲ ስርዓት ዝተራቐቐ ኣድልዎ ከምዘለዎ ይዛረቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣዕራብ እስራኤላውያን ናይ ምድማጽ መሰል ኣለዎም፤ እንተኾነ ግና እቲ ስርዓት ዝተራቐቐ ኣድልዎ ከምዘለዎ ይዛረቡ

ገለ ድማ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሰፊሮም።

እቶም ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዘለው ሕብረተሰብ ፍልስጤም፡ ንነብሶም፡ ገለኦም እስራኤላውያን ኣዕራብ፣ ገሊኦም እስራኤላውያን-ፍልስጤማውያን፣ ገለ ድማ ፍልስጤማውያን ኢሎም ይጽውዑ።

መብዛሕትኦም ኣስራኤላውያን ኣዕራብ ሰዓብቲ ምስልምና ክዀኑ እንከለው፡ ክርስትያናት'ውን ብብዝሒ ኣለውዎም።

ካብቲ ብ25 ጥሪ 1949 ዝተኻየደ ቀዳማይ ምርጫ እስራኤል ኣትሒዙ ድማ መሰል ምድማጽ ኣለዎም።

ውህደት

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣይሁድን ኣዕራብን እስራኤላውያን ሓካይም ተወሃሂዶም ኣገልግሎት ክህቡ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣይሁድን ኣዕራብን እስራኤላውያን ሓካይም ተወሃሂዶም ኣገልግሎት ክህቡ ተራእዮም

መብዛሕትኡ ግዜ ኣዕራብን ኣይሁዳውያንን ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ኣይጸናበሩን እዮም። ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ካብ ዘምጽኦ እወታዊ ሳዕቤን ግን፡ ምትሕብባር ክልተኦም ማሕበረሰባት እዩ።

ኣብዚ መዳይ ዝተራእየ ምውህሃድ፡ ኣብ መደብ ሃገራዊ ክንክን ጥዕና ኰይኑ፡ ኣይሁዳውያንን ኣዕራብን ኣብ ሓደ ሆስፒታል፡ ሓደ ዓይነት ሕክምናዊ ክንክን ሓኻይምን ብማዕረ ተቛዲሶም።

ገለ 20% ካብ ዶክተራት፣ 25% ነርሳት፣ 50% ፋርማሲስት እስራኤላውያን ኣዕራብ እዮም።

እዚ እናዀነ ግን፡ ተሳትፎ ኣዕራብ ኣብ መዳይ ጸጥታ እስራኤል ኣዝዩ ትሑት እዩ። ሰራዊት፡ ኣብ ሕብረተሰብ እስራኤል ወሳኒ እጃም እዩ ዘለዎ። ሃገራዊ ገልግሎት ከኣ ንኣይሁዳውያን ግዴታ እዩ።

ገለ ኣዕራብ፡ ከም ወተሃደራትን ፖሊስን ኰይኖም ዘገልግሉ'ኳ እንተዀኑ፡ ካብቲ ግዴታ ግን ናጻ እዮም።

ኣድልዎ

ሰብ መዚ እስራኤል ግቡእ ኣተሓሕዛ ከምዘይገብሩሎም ኣዕራብ እስራኤላውያን ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰብ መዚ እስራኤል ግቡእ ኣተሓሕዛ ከምዘይገብሩሎም ኣዕራብ እስራኤላውያን ይገልጹ

እስራኤላውያን ኣዕራብ፡ ምስቶም ኣይሁዳውያን ማዕረ መሰል ከምዘለዎም ብሕጊ ዝሰፈረ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ረቂቕ ስርዓታዊ/ትካላዊ ኣድልዎ ከም ዝወርዶም ግን የማርሩ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግን እዚ ማሕበረሰብ ምስ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ስድራቤታዊ ምቅርሓን፡ ዝተወደበ ዓመጻት ብዝተኣሳሰር ገበናት ክጥቀስ ተራእዩ እዩ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዝፍጸም ገበናት ቅትለት፡ መብዛሕትኡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ንኡስ ማሕበረሰብ ዓረብ እዩ። እንተዀነ ንሳቶም፡ ፖሊስ ነዚ ጕዳይ ንምፍታሕ ተገዳስነት የብሉን ኢሎም ይኸሱ።

ሀረዝ ብዝተባህለ ጋዜጣ እስራኤል፡ ኣብ 2021 ዝወጽአ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ፖሊስ እስራኤል፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ማሕበረሰብ [ኣብታ ዓመት] ካብ ዝተፈጸሙ ገበናት ቅትለት፡ ን23 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ፈቲሑ። ኣብ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዝፈትሖ ጉዳያት ግን 71 ሚእታዊት ነይሩ።

ፖሊስ እስራኤል ብዛዕባ'ዚ ክምልስ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዓረብ ኣቲኻ ንዝተፈጸሙ ገበናት ንምጽራይ ኣዝዩ ዕቱብ ጻዕሪ ከም ዝተኻየደ፡ እንተዀነ ዘይምትሕብባርን ጕድለት እምነትን [ኣብቲ ትካል ፖሊስ] ከም ጠንቂ ዘይምዕዋት'ቲ ስራሕ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ ርእሲ'ዚ እስራኤላውያን ኣዕራብ፡ መንግስቲ ንዝግብሮ ዝምታ መሬቶምን፣ ነቲ ኣይሁዳውያን ሰበስልጣን ዘካይድዎ ዝተራቐቐ ትካላዊ ኣገባብ ኣድልዎን ኣፈላላይን መረረኦም ይገልጹ። [ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ሰልፊ ኣዕራብ እስራኤል፡ ኣካል ናይዚ ናይ ሕጂ ልፍንታዊ መንግስቲ እስራኤል ኰይኑ ከም ዘሎ ክዝከር ይግባእ።]

ሕግታት እስራኤል ነቶም ብቐጥታ ፓስፖርት ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎም ኣይሁዳውያን [እቶም ፍልስጤማውያንን ደቈምን ግን ዘይረኽብዎ] ዘቐድም ምዃኑ ብዙሓት የማርሩ።

ባይቶ እስራኤል ኣብ 2018፡ ነቲ ቋንቋ ዓረብ ምስ ኢብራይስጥ ዝነበሮ ማዕርነት ወግዓዊ ቋንቋ ዘወግድ፣ መሰል ሃገራዊ ርእሰ-ውሳነ ኸኣ 'ንኣይሁዳውያና ጥራይ' ምዃኑ ዝገልጽ ኣከራኻሪ ሕጊ 'ሃገር-መንግስቲ' ኣዊጁ ነይሩ።

ኣይመን ኦደህ ዝተባህለ እስራኤላዊ ዓረብ ኣባል ባይቶ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፣ "እዛ ሃገር፡ 'ልዕልና ኣሁዳውያን' ዘረጋግጽ ሕጊ እያ ኣሕሊፋ ዘላ፤ እዚ ኸኣ ንእስራኤላውያን ኣዕራብ ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ምዃኖም ዝነግር'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ በንጃሚን ናታይንሁ፡ ሲቪላዊ መሰላት ከውሕስ ምዃኑ ተመባጺዑ'ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ግን፡ "እቲ ዝበዝሕ ወሲንዎ፡" ክብል፡ ብኣብዝሓ ድምጺ ከም ዝተሳዕረ ኣሚቱ ነይሩ።

ሓያለ ኣህጕራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣዕራብ ኣድልዎ ከም ዝፍጸም እየን ዝኸሳ።

'ካልኣይ ደረጃ ዜጋ'

ኣዕራብ እስራኤላውያን ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ ጥሪ 11 2017

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣዕራብ እስራኤላውያን ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ

'ካልኣይ ደረጃ ዜጋ'

ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብኡ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ትካላዊ ኣድልዎ ከም እተስገድድ እዩ ዝወቅስ።

ብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ሚያዝያ 2021 ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ መሬት እስራኤል ዝነብሩ ይኹን ኣብ ልዕሊ'ቶም ብጎበጣ ኣብ ዝሓዘቶ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ዝነብሩ ፍልስጤማውያን፡ 'ኣፓርታይድ' (ዓሌታዊ ኣድልዎ) ከም ዝፍጽሙ የመልክት።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢስራኤል ግን ነዚ፡ "ሓሶትን ትርጕም ዘይብሉን" ክብል ነጺግዎ ነይሩ።