ክልቲኦም ነዋሕቲ ኢትዮጵያውያን ምስተራኸቡ እንታይ ኣውጊዖም?

ምንጪ ስእሊ, Negewo Jimma Facebook
መንእሰይ ነገዎ ጅማ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ቢቢሲ ምስተርኣየ ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡
ኣብቲ እዋን፡ ክሳብ ሕዚ ብቑመቱ ኣብ ጥቓይ ዝበጽሕ ሰብ ኣይረኸብኩን ኢሉ ነይሩ፡፡
ጸኒሑ ድማ 'ብቑመት ምሳይ ዝወዳደር ሰብ የለን' ዝብል ሰብኣይ ካብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ተረኺቡ፡፡
ኣቶ በርሄ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ቁመተይ 2 ሜትርን 50 ሰንቲ ሜትርን እዩ ኢሉ ነይሩ፡፡
መንእሰይ ነገዎ ድማ ቁመቱ 2 ሜትሮን 25 ሰንቲ ሜትርን ከምዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
ነገዎን ኣቶ በርሄን ኣብ ቀረባ መዓልቲ ብኣካል ተራኺቦም እዮም፡፡
ናይ ክልቲኦም ምርኻብ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ፡፡
ንምዃኑ ክልቲኦም ብኣካል ምስተራኸቡ እንታይ ተባሃሂሎም?
ነገዎ ቅድሚ ሰሙናት፡ ብቑመት ምስዝመጣጠነኒ ሰብ እንተዝራኸብ ደስ ምበለኒ ኢሉ ነይሩ፡፡
ናይዚ ሰሙን ናይ መጀመርታ ሰኑይ ድማ ናይ ነገዎ ሓሳብ ዝሰመረላ ኮይና ኣላ፡፡
''ኣብ ዩትዩብ ዝሰርሑ ሰባት ንብርሄ ቃለ መሕተት ክገብሩሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጸዊዖምዎ ነይሮም፡፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስመጽአ ንምንታይ ዘይትራኸቡ ኢሎም ደዊሎምለይ'' ይብል ነገዎ፡፡
''ኣነ ክሳብ ሕዚ ድንን ኢለ ዝርእዮ እምበር ቅንዕ ኢለ ዝርእዮ ሰብ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን፡፡ በርሄ ብቑመት ካባይ ከምዝበልጽ ይዝረብ ስለዝነበረ ዝነውሐኒ ሰብ ክርእዮ ኣለኒ ኢለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ፡፡''
ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ምስ ኣቶ በርሄ ተራኺቡ ሰላምታ ምስተለዋወጡ ናብ ቁመት ምምዝዛን ከምዝኣተዉ ነገዎ ይዝክር፡፡
ኮይኑ ግና እቲ ይነውሐካ እዩ ዝተባህለ ኣቶ ብርሄ ካብኡ ብቑመት ዝንእስ ኮይኑ ረኺብዎ፡፡
እንተኾነ ግና ''ከምቲ ኣብ ስእሊ ዝረአ ዘይኮነስ፡ ብቑሩብ እየ ዝበልጾ'' ኢሉ፡፡
ቁመቶም ምስተለኻኽዑ ኣቶ በርሄ '''ቁመትካ 2 ሜትርን 50 ሴንትሜትርን እዩ' ንምንታይ ኢሎምኒ ኢሉ ሓውሲ ተናዲዱ ነይሩ'' ይብል ነገዎ፡፡
እቶም ዝጸውዕዎ ሰባት ናይ ኣቶ በርሄ ቁመት ክልክዑ ድልየት እኳ እንተነበሮም፡ ኣቶ በርሄ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ግን ኣፈላላዮም ክፈልጡ ከምዘይከኣሉ ነገዎ ወሲኹ ተዛሪቡ፡፡
ምልውዋጥ ህያብ
ነገዎ ንፈለማ እዋን ንኣቶ በርሄ ኣብ ቴሌቪዥን እንትርእዮ፡ ዕቅኑ ጫማ ስለዘይረኸበ መዋእሉ ጫማ ወድዩ ከምዘይፈልጥ ክዛረብ ስለዝሰመዖ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ይዝክር፡፡
''ጫማ ብዘይምርካቡ እግሩ ተጎዲኡ ኣብ ሚድያ ምስረኣኹዎ ብጣዕሚ እየ ሓዚነ፡፡ ሽዑ ንሽዑ ሰባት ካብ ወጻኢ ብውህብቶ ዝለኣኹለይ ክልተ ጫማ ሰዲደሉ ነይረ'' ይብል፡፡
ኣቶ በርሄ ብወገኑ ካብ ኣዊ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትመጽእ፡ ንነገዎ ናይ ኣዊ ጋቢ ብመልክዕ ህያብ ኣበርኪትሉ፡፡
ክልቲኦም ነዋሕቲ ሰባት ኣብ ዝተራኸብሉ መዓልቲ ብዛዕባ ቁመቶምን ምስኡ ተዛሚዱ ዘጋጥሞም ተጓንፎታትን ከምዝተዘራረቡ እውን ገሊጹ፡፡
ኣቶ በርሄ ምስ ነገዎ ብዛዕባ ዝነበሮም ጻንሒት ንምክታትል ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡፡









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
