ተጓሳጣይ ጆሽ ዋሪንግቶን ንኪኮ ማርቲነዝ ብምዝራር ንካልኣይ ግዚኡ ቻምፕዮን ዓለም ኮይኑ

Published

ብሪጣንያዊ ተጓሳጣይ ጆሽ ዋሪንግቶን ንስጳኛዊ ኪኮ ማርቲነዝ ኣብ ሻውዓይ ዙርያ ብምዝራር ንካልኣይ ግዚኡ ቻምፕዮን ዓለም [ IBF featherweight] ኮይኑ።

ወዲ 31 ዓመት ጆሽ ዋሪንግቶን ኣብቲ ኣብ ሃገሩ ኣብ ቅድሚ ደገፍቱ ኣብ ከተማ ሊድስ ዘካየዶ ግጥም፡ ቀዳማይ ዙርያ ክልተ ደቂቕን 12 ካልኢትን ጥራይ ምስ ተለዓሎ ንመጋጥምቱ ኪኮ ማርቲነዝ ብኸቢድ ጉስጢ ናብ መሬት ሰጢሕዎ ነይሩ’ዩ፡ እንተኾነ ኪኮ ማርቲነዝ ስለዝተሰአ ጸወታ ቀጺሉ።

እዞም ክልተ ተጓሰጥቲ ኣብ 2017’ውን ተራኺቦም ነይሮም፤ ኣብቲ እዋን’ውን ጆሽ ዋሪንግቶን ብጸቢብ ፍልልይ ብውሳነ ናይ ዳኛ ክዕወት ክኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ጆሽ ዋሪንግቶን ትማሊ ዘመዝገቦ ዓወት ድሕሪ ጥቅምቲ 2019 ንመጀመርታ ግዜ ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወት ኮይኑ፤ ነታ ካብ 2018 ክሳብ ጥሪ 2021 ዓቂብዋ ዝነበረ ቻምፕዮንነት ዳግማይ ናብ ኢዱ መሊስዋ ኣሎ።

እንተኾነ ዋላኳ ጸወታ ብዓወቱ ይዛዘም እምበር፡ ኣብ ዓጽሚ ኢዱን መንጋግኡን መንቃዕቲ ስለዘጋጠሞ ድሕሪ ጽንብል ዓወቱ ናብ ሆስፒታል’ዩ ተወሲዱ።