ብሪጣንያ: ጓል 24 ዓመት ኣብ ከተማ ለንደን ሞይታ ተረኺባ

ሉላ ፋኑስ

ምንጪ ስእሊ, BPM Media

Published

ሓንቲ ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት መንእሰይ ኣብ ከተማ ለንደን ሞይታ ከምዝተረኽበት ፖሊስ ኣረጋጊጾም።

ካብ ኤርትራውያን ኣቦን ኣደን ኣብ ብሪጣንያ ዝተወልደት ጓል 24 ዓመት ሉላ ፋኑስ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ሃለዋት ኣጥፊኣ ከምዝቐነየት ተፈሊጡ።

ብሰሉስ ግን ሬሳኣ ኣብቲ ብማእከል ከተማ ለንደን ዝሓልፍ ዓቢ ፈለግ ቴምስ ከምዝተረኽበ ፖሊስ ሓቢሮም።

እታ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ፉልሃም ዝተባህለ ከባቢ ተራእያ ዝነበረት ሉላ፡ ሬሳኣ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ክፋል ናይቲ ወሓዚ ሩባ ተረኺቡ ክብላ ማዕከናት ዜና ዓዲ-እንግሊዝ ንፖሊስ ብምጥቃስ ሓቢረን።

ኣማውትኣ 'ዘይተገልጸ' ምዃኑ'ኳ እንተ ተሓበረ፡ ጥርጣረ ዝፈጥር ግን ኣይኮነን ተባሂሉ'ሎ። መርመራ ናይ ሬሳ ክካየድ ድማ ትጽቢት ይግበር።

ፖሊስ፡ ነታ ድሃይ ኣጥፊኣ ዝቐነየት ሉላ ንምርካብ ህዝቢ ሓበሬታ ክህቦም ተማሕጺኖም ነይሮም'ዮም።

"ኣባላት ፖሊስ፡ ብዛዕባ'ታ ብሓሙስ 17 መጋቢት ዝጠፍአት ጓል 24 ዓመት ሉላ ፋኑስ መጸዋዕታ ኣውጺኦም ነይሮም" ክብል መትሮፖሊታን ፖሊስ ከተማ ለንደን ገሊጹ።

"ብሰሉስ 22 መጋቢት ሰዓት 9፡25 ቅቀ፡ ሬሳ ኣብ ማይ ተረኺቡ ብዝብል ፖሊስ ናብ ሪቨር ቴምስ፡ ጥቓ ጎደና ታወንሚድ ተጸዊዖም ነይሮም።

"ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምኻዶም፡ ሬሳ ናይ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ካብቲ ማይ ወጺኡ። ዋላ'ኳ ተወሳኺ መርመራ ክግበር እንተኾነ፡ ቤተሰብ ሉላ ግን ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ምዕባለታት ተነጊሮም ኣለዉ።

"ናይ ሬሳ መርመራ ዝግበረሉ ግዜ ክውሰን'ዩ። ሞታ ዘይተገልጸ ተባሂሉ'ዩ ተወሲዱ ዘሎ። እንተኾነ ግን ጥርጣረ ዝፈጥር ኣይኮነን" ክብል መግለጺ ፖሊስ ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ድሕረባይታ ናይታ ኣብ ሸዊት ዕድሚኣ ዝሞተት መንእሰይ ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይገለጸን።