ሞሮኮ፡ ድሕሪ ሞት ህጻን ርያን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኩለን ዒላታት መጽናዕቲ ከተካይደለን ወሲና

Published

ሰብ መዚ ሞሮኮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ርያን ዝተብሃለ ወዲ 5 ዓመት ህጻን ኣብ ሓደ ጸቢብ ዒላ ኣትዩ ድሕሪ ሙማቱ ንኹለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ዒላታት መጽናዕቲ ክካደለን ምዃኑ ገሊጾም።

ወዲ 5 ዓመት ርያን 1 ለካቲት ከባቢ ሰዓት 2 ድሕቲ ቀትሪ'ዩ ናብ 35 ሴንቲ ሜተር ግፍሒ ጥራይ ዘለዎ ጸቢብ ዒላ ሸተት ኢሉ ኣትዩ።

ኣብ 32 ሜትሮ ምስ ብጽሐ ተቓቂሩ፡ ህይወቱ ንምድሓን ሓሙሽተ መዓልታት ስርሒት ህይወት ኣድሕን'ኳ እንተተኻየደ ርያን ክድሕን ኣይክኣለን።

ሰሉስ ዝኣተወ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ብጎኒ እቲ ጸቡብ ዒላ ካልእ ገፊሕን ዓሚቕን ጉድጓድ ብምፍሓር ናብቲ ርያን ዝነበሮ መንቀራቕሮ ድሕሪ 4 መዓልታት እዮም ክበጽሑ ክኢሎም።

እቲ መላእ ሞሮካውያንን ዓለምን ክከታተልዎ ዝቐነዩ ዜና ዘይከም ትጽቢት ኩሉ ሰብ፡ ርያን ብህይወት ክወጽእ ኣይክኣለን።

ሚኒስትር ማይ ሞሮኮ ዓብልዓዚዝ ዝራውሊ፡ እቲ መጽዕእቲ ካልእ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኸየጋጥም ንምክልኻል ዝዓለም ምዃኑ ኣብሪሁ።

እቶም ቅጥዕታት ከየማልኡ ዒላታት ዝኾዓቱ ሰባት፡ ነቶም ዒላታት ድሕነቶም ዝሓለዉ ንምግባር ዝግበር ወጻኢታት ካብ ጅቡኦም ክኸፍልዎ ምዃኖም ገሊጹ።

ሚኒስተር ዓብደልዓዚዝ ዝራውሊ፡ ኣብ ሞሮኮ ዓመታዊ ልዕሊ 1000 ሰባት ዘይሕጋዊ ዒላ ብምዅዓት ከምዝቅጽዑ ኣብሪሁ።