ቀዳሞት ሚኒስተራት ነበር ብሪጣንያ፡ ፑቲን ብሓድሽ ዓለምለኻዊ መጋብእያ ክሕተት ጠሊቦም

ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ቀዳሞት ሚኒስተራት ነበር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጎርደን ብራውንን ሰር ጆን ማጆርን፡ ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝፈጸሞ ገበናት ኲናት፡ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መጋብእያ ተጣይሱ፡ ክሕተት ጠሊቦም።

እቶም ቀዳሞት ሚኒስትራት፡ ነዚ ሓሳብ ዘሰጉሙ ካብ ዘለዉ 140 ምሁራት፣ ሰብ ሞያ ሕግን ፖለቲካኛታትን መንጎ እዮም።

ፕረዝደንት ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዝፈጸሞ ጥሕሰት ሕጊ፡ ልክዕ ገበነኛታት ናዚ ጀርመን፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ዝተሓታትሉ ዓይነት መጋባእያ ተጣይሱ፡ ክሕተት እዮም ዝጉስጉስ ዘለዉ።

ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ኣብ ልዕሊ ፑቲን፡ ምርመራ ገበናት ኲናት ጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ገለ ሰባት ግን፡ እቲ ትካል ከምኡ ኣብ ምግባር ተርኡ ድሩት እዩ ይብሉ።

ኣይሲሲ፡ ካብቲ ድምጺ ብድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዋ፡ ሩስያ፡ ኣባል ዝኾነትሉ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍቓድ ከይረኸበ ክሰርሕ ዘይኽእል ምዃኑ ብምጥቃስ እዮም ከምኡ ዝምጉቱ።

እዚ ናይ ሕጊ ክፍተት ንምምላእ፡ ሓድሽ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ምጥያሽ ይካአል እዩ ኢሉ ይሙጉት፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር ሚሰተር ጎርደን ብራውን።

ከምኡ ብምግባር፡ ፑቲን ፍትሒ ንምጭፍላቕ ክገብሮ ዝኽእል መገድታት ምዕጻው ይከኣል እዩ በሃላይ እዩ።

"ህዝቢ ዩክረይን ብቓላት ዘይኮነስ ብተግባር ክንበጽሐሉ፡ ክንጎዪ ኣለና። ተሓባበርቲ ፑቲን ድማ፡ እታ መሸንቅቖ እናሰጠመት ትኸይድ ከምዘላ ክነርእዮም ኣለና። ንነፍሶም ካብ ፑቲን ዘየርሕቑ እንተኾይኖም፡ ገበናዊ መቕጻዕትን ማእሰርትን እዩ ዝጽበዮም" ኢሉ።

እቲ ክጣየስ ሓሳብ ዝቐርበሉ ዘሎ ሓድሽ ዓለማዊ ሕጊ መጋባእያ፡ ኣይሲሲ ሕዚ ይሰርሖ ንዘሎ መርመራታት ገበናት ኲናት፡ ተወሳኺ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ጎስጓስ ዛጊድ፡ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ሓዊሱ፡ 740 ሽሕ ሰባት ዝደገፍዎ ኾይ ኣሎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻአ ዩክረይንን ሓላፊት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነበር፡ ላዲ ሃል፡ ዝርከብዎም ፊርመኦም ኣንቢሮምሉ ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ዓለም ለኸ ሕጊ ዝኾኑ፡ ፊሊፒን ሳንድስ፣ ኣብቸ ኑሩምበርግ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ናዚ ተሐታቲ ዝገበረ መጋባእያ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ፡ ቤንጃሚን ፍረነዝ ከምኡ'ውን ፕረዝደንት ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ነበር፡ ሰር ኒኮላስ ብራዣ ድማ ክታሞም ኣዕሪፎምሉ ኣለዉ።

ጎርደን ብራውንን ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጎርደን ብራውንን ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲንን

ሚስተር ብራውን፡ "ብሪጣንያ በቲ እትኽተሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ትሕበን እያ። ኣብ ኑርምበርግ፡ ንገበነኛታት ናዚ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ናይ ኢዶም ክረኸቡ ተገይሩ እዩ ፤ ሕዚ'ውን እዚ መልአኽቲ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ካብ እንግሊዝ ናብ ፑቲን ክበጽሖ ይገበር። ድሕሪ ሸሞንተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሎሚ'ውን፡ ካብ ተሓታትነት ሕጊ ከምዘየምልጥ ብዘየላጢ ክፈልጥ ኣለዎ" ኢሉ።

ኑረምበርግ ትርያል፡ ደድሕሪ ሓንቲ ጀርመናዊት ከተማ ዝተሰየመ ኾይኑ፡ ኣብዚ መጋበእያ፡ ኲናት ናዚ ዝመርሑ፡ ገበናት ኲናት ዝጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ጥፍኣት ዝፈጸሙን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ጠጠው ዝበልሉ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንፈለማ እዋን፡ ንፕረዚደንት ፑቲን፡ 'ገበነኛ ኲናት' ክብል ሰይምዎ እዩ።

መንግስቲ፡ ሩስያ ነዚ ብያነ፡ "ተቀባልነት ዘይብሉን ይቕረ ዘይበሃሎን" ክብል ተሓንዩ ኣሎ።

ብፍላይ ፕረዝደንት ዩክረይን ዘለንሰኪን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሰንን ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ፑቲን፡ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣስሚዖም ኣለዉ።

ሓይልታት ሩስያ፡ ሲቪል ዝነበርሉ ቦታታት ብኸቢድ ብረት ብምጥቃዕ ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ከተማ ማሪፖል ኣብ ሓደ ተዓቂቦም ዝነበሩ ንጹሃት ግዳይ ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋር እንትኾኑ፡ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ፡ ገበናት ኲናት ይፍጽማ ከምዘለዋ ካብ መንግስቲ ዩክረይን ክስታት ይስምዑ ኣለዉ።

ነቲ ኲናት ንምፍታሕ፡ ሰላማዊ ዝርርባት ይፍተኑ እንተለዉ'ኳ፡ መንግስቲ ሩስያ 'ንመናውሒ ግዜ' ይጥቀመሎም ከይህሉ ጸሓፊት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሊዝ ተሩስ፡ ንጋዜጣ ታይምስ ስግኣታ ተዛሪባ።