ኣሜሪካዊ ብሪጣንያዊ ሞራድ ጣህባዝ፡ ብስለያ ተጠርጢሩ ኣብ ኢራን ዳግማይ ተኣሲሩ

ብሪጣንያዊ ኣሜሪካዊ ሞራድ ጣህባዝ

ምንጪ ስእሊ, MORAD TAHBAZ

Published

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢራን ዝተፈትሐ ብሪጣንያዊ ኣመሪካዊ ሞራድ ጣህባዝ ዳግማይ ከምዝተኣሰረ ስድርኡ ገሊፆም።

ዜግነት ኢራን'ውን ዘለዎ ሞራድ ጣህባዝ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብመንግስቲ ኢራን ተኣሲሮም ዝፀንሑ ካልኦት ዜግነት ኢራንን ብሪጣንያን ዘለዎም እንትፍትሑ፡ ንሱ'ውን ምስኦም እዩ ተፈቲሑ።

ምስኡ ዝተፈትሑ ብሪጣንውያን ኢራናውያን ናዛኒን ዛጋሪ ራትክሊፍን ኣኖሸህ ኣሾሪን ምስ ተፈትሑ ቀጥታ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምምላስ ምስ ስድርኦም ተራኺቦም'ዮም።

ወዲ 66 ዓመት ሞራድ ጣህባዝ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018፡ ስራሕቲ ዕቀባ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን'ዩ ተኣሲሩ።

ሰብመዚ ኢራን፡ ንጣህባዝን ካልኦት ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ዕቀባን፡ ብዛዕባ ስትራቴጂካዊ ቦታታት ኢራን ሓበሬታ ትእክቡ ነይርኩም ኢሎም ይኸስዎም።

ፀሓፊት ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ፡ ጣህባዝ ኣብ ቴህራን ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ክኸይድ ብዕረፍቲ ከምዝተፈትሐ ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣፍሊጣ ነይራ።

ሊዝ ትሩስ ኣብ ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ፡ ሞራድ ጣህባዝ፣ ዛጋሪ ራትክሊፍን ኣኖሸህ ኣሾሪን "ብሳላ ዘይሕለልን ሃናፅን ዲፕሎማሲ ዓባይ ብሪጣንያ ተፈቲሖም" ኢላ።

እንተኾነ ትማሊ ዓርቢ፡ ስድራ ሞራድ ጣህባዝ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝመለስዎ "ዘሰንብድ ዜና" ሰሚዕና ኢሎም።

ስድርኡ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ "ሕዚ ተሻቒልና ኢና ዘለና። ዛጋሪ ራትክሊፍን ኣኖሸህ ኣሾሪን ናብ መንበሪ ገዝኦም ብምምላሶም ዝነበረ ፈንጠዝያ ስዒቡ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምፍታሕ ጣህባዝ ንምውሓስ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ርግፀኛታት ኢና ነይርና። ግና መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ናፅነት ሞራድ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኢራን ተመሳሳሊ ፀቕጢ ዝገበረ ኣይመስለናን" ኢሎም።

ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ምዕባለ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኢራናውያን፡ ጣህባዝ ቅድሚ ምፍትሑ ፖሊስ ገበን ንዝሰርሐ ሰብ ዝፈልጠሉ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ (ankle tag) ንክገጥመሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወሰደ ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጦም'ዮም ኢሉ።

"ኣብ ዝቕፅሉ ሰዓታት ናብ ገዝኡ ክምለስ ነተስፉ። ሞራድ ጣህባዝ ሰለስተ ዜግነት ስለዘለዎ፡ ብቐዋምነት ንክፍታሕ ምስ ኣሜሪካ ብቕርበት ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

ሞራድ ጣህባዝ፡ መንግስቲ ኢራን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2018 ኣብ ልዕሊ ነጠፍቲ ስነ ከባቢ ስጉምቲ ኣብ ዝወስደሉ እዋን'ዩ ተኣሲሩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣባል ፋውንዴሽን ውርሻ እንስሳ ዘገዳም ፐርሺያ ዝነበረ ሞራድ፡ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ዓሌታት ብካሜርኡ ይከታተል ከምዝነበረ ይገልፅ።

ኣብ 2018 ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ኣብ ኢራን በቲ ዝለዓለን ብሞት ዘቕፅዕን ገበን (corruption on earth) ተኸሲሱ ነይሩ፤ ደሓር ግና እቲ ክሲ 'ምስ ተፃባኢት ሃገር ኣሜሪካ' ይተሓባበር ነይሩ ናብ ዝብል ተቐይሩ።

ኣብቲ እዋን ካልኦት ሰለስተ ሰባት'ውን ብገበን ስለላ ዝተኸሰሱ እንትኾኑ፡ ካልእ ራብዓይ ተኸሳሲ ድማ 'ኣንፃር ሃገራዊ ድሕንነት' ሰሪሑ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ።

ኩሎም ብመንግስቲ ኢራን ዝተኸሰሱ ነጠፍቲ ግና ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዝነፀግዎ ይዝከር።