ንፎክስ ኒውስ ዝሰርሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ዩክረይን ተቐቲሎም

Published

ንማዕከን ዜና ፎክስ ኒውስ ዝሰርሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ዩክረይን ከምዝተቐተሉ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ገሊጾም፡፡

ወዲ 55 ዓመት በዓል ሞያ ካሜራ ፔረ ዘክራዘውሰኪን ጓል 24 ዓመት ኦሌክሳንድራ ኩቭሺኖቫን ኣብ ጥቓ ኪቭ ናብ መኪነኦም ብዝተተኮሰ ኣጽዋር እዮም ተቐቲሎም፡፡

ወዲ 39 ዓመት መሳርሕቶም ቤንጃሚን ሃል ድማ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ኣሎ፡፡

ኣካያዲት ስራሕ ፎክስ ኒውስ ሱዛኒ ስኮት፡ ነቲ ትካል ‘‘ልቢ ዝሰብር መዓልቲ እዩ’’ ክትብል ገሊጻ፡፡

ንሳ "ፔረ ካብ ዒራቕ ክሳብ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝነበሩ ዓለም ለኻዊ ፍጻመታት ንፎክስ ኒውስ ዝሰነደ ናይ ኲናት ዞባ ፎቶግራፈር ነይሩ’’ ብምባል ብተወፋይነትን ተውህቦን ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ጋዜጠኛ ምንባሩ ተዛሪባ፡፡

ናይ ፎክስ ኒውስ ናሽናል ሰክዩሪቲ ኮረስፖንደንት ጀኒፈር ግሪፊን ድማ፡ እታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ሓቢራቶም ዝሰርሐት ኩቭሺኖቫ ንፍዕቲ ጋዜጠኛ ምንባራ ብምግላጽ ‘‘ብቃላት ዘይግለጽ’’ ሓዘን ከምዝተሰመዖም ተዛሪባ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሚሸል ማርቲን ብሞት ኩቭሺኖቫን ናይ ኣየርላንድ ዜጋ ዝኾነ ዛክርዘዊስኪን ኣዝዩ ከምዝተረበሸ ተዛሪቡ፡፡

በቲ መጥቃዕቲ ቆሲሉ ኣብ ሕክምና ዝርከብ ሃል እውን ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ውሽጺ ዓዲ ዩክረይን ብሰኑይ ገሊጹ ነይሩ።

ካብ 2015 ጀሚሩ ንፎክስ ኒውስ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቤንጃሚን ሃል ናይ ዩኬን ኣመሪካን ዜግነት ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ጸብጻባት ወጻኢ እቲ ትካል ብበዝሒ ከምዝተሳተፈ ተሓቢሩ፡፡

ብሰንበት እውን ወዲ 50 ዓመት ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ብረንት ሪናውድ፡ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ኢርፒን ከምዝቐተለ ዝዝከር እዩ፡፡

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ዩክረይን ከምዝሓበሮ፡ እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅመር ብውሑድ ካልኦት ክልተ ዩከሬናውያን ጋዜጠኛታት እውን ተቐቲሎም እዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሞት እቶም ጋዜጠኛታት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ፡፡

ንሱ ‘‘ጽንዓት እምነ፤ ኣብቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ንዝበጸሖ ወኪል ስቴት ዲፓርትመንት እውን ቀልጢፉ ክሓዊ እምነ’’ ክብል ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ፡፡