ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ ኲናት 749 ሰላማውያን ተቐቲሎም - ኢሰመኮ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 749 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብተን ክልላት ንዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰታት ዓለምለኻዊ ሕግታትን ኣመልኪቱ ዘካየዶ ዳህሳስ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።
ብሰንኪ ኲናት ብውሑዱ 403 ሰባት ከምኡ’ውን ሕጋዊ ብዘይኮነን ብዘይፍርድን ብዝተፈጸመ ቅትለት 446 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
በቶም ቕትለታት ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ተሓተትቲ ዝገበረ እቲ ኮሚሽን "ዓብዪ ብጽሒት ዝወስዱ ግን ሓይሊታት ትግራይ እዮም" ኢሉ።
ምጽራይ ብኸመይ ተኻይዱ?
ኢሰመኮ ነዚ ምርመራ ንምክያድ ናብ ሰለስተ ክልላት ማለት’ውን ኣምሓራ፣ ትግራይን ዓፋርን 29 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ከምዝለኣኸ ይገልጽ።
ትኹረት እቲ ምርመራ ከኣ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ትግራይ እውን ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣየር/ድሮን ዝበጽሑ ጉድኣታት ከምኡ ድማ ኩነታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝምልከት መረዳእታ ኣኪቡ’ሎ።
ምስ 427 ሰባት ምስጢራዊ ቃለ-መሕትት ከምዘካየደን 12 ናይ ጉጅለ መድረኻት ዘተ ከምዘሳለጠን ዝሕብር እቲ ኮሚሽን፡ በቢደረጅኡ ምስ ዝርከቡ ሰበስልጣን ድማ 136 ኣኼባታት ከምዘካየደን ዝተፈላለዩ ሰነዳ ከምዝረኣየን ይገልጽ።
እንተኾነ እቲ ሕዚ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ ጸብጻብ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ንዝተፈጸሙ ኣይሸፈነን።
ውጽኢታት ዳህሳስ
እቲ ሪፖርት ከምዝብሎ፡ ኣብዝሓ'ቲ ኲናት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝነብሩሎም ከባብታት ብምክያዱ፡ ብዙሓት ሲቪላት ሞይቶም’ዮም። ንኣካላውን ስነልቦናውን ጉድኣት’ውን ተሳጢሖም። ጾታዊን ወሲባውን ጥቕዓታት ተፈጺሞም እዮም።
ኣብ ልዕሊ ናይ ውልቀ ንብረት ከምኡ ድማ ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ዝበሉ ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት ከቢድ ዕንወትን ዝምታን ከምዝበጽሐ’ውን ኢሰመኮ ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብፍላጥ ንዝተፈጸሙ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾኑ ቅትለታት ከይሓወሰ ብዂናት ጥራሕ 403 ሰባት ንሞት ከምኡ’ውን 309 ንኸቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ተሳጢሖም’ዮም።
ከም ኣብነት ድማ ሓይልታት ትግራይ ብ28 ሓምለ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ክልል ዓፋር ቀበሌ ጋሊኮማ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 27 ህጻናት ዝርከብዎም 107 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ።
ዘይሕጋዊ መቕተልትን ማእሰርትን
ኢሰመኮ ምርመራ ኣብ ዘካየደሎም ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን ብፍላይ ብሓይልታት ትግራይ ብውሕድ 346 ሲቪላት ብዘይሕጋዊ መገዲ ከምዝተቐተሉ ይገልጽ።
ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ ጭውያን ጾታዊ ግህሰታትን ከምዝተፈጸሙ ዘመልከተ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ንስነልቦናዊ ቅልውላው ካብ ምቅልዐን ብተወሳኺ ነብሰ-ቕትለት ዝፈጸማ ምህላወን’ውን ሓቢሩ።
እቲ ንብዓሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ክብል ዝጽውዕ ዕጡቕ ድማ ኣብ ከተማ ከሚሴ፡ ጾታዊ ግህሰት ከምዝፈጸመ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ሰሜን ጎንደር፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ከም ምሽግ ገይሮም ምጥቃሞም፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝተተኮሱ ከበድቲ ኣጽዋራት 6 ንጹሃት ነበርቲ ከምዝተቐትሉን ኣስፊሩ።
መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝፈጸሞም መጥቓዕቲታት ድሮን፡ ኣብ ከተማ ወልድያ 6 ሰላማውያን ከምዝተቐትሉን ኣርባዕተ ከምዝቖሰሉን እቲ ጸብጻብ ወሲኹኣስፊሩ።
ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን፣ ፋኖን፡ ደገፍቲ ሓይልታት ትግራይ ወይ ድማ ደገፍቲ/ኣባላት ኦነግ-ሸኔ እዮም ኢሎም ኣብ ልዕሊ ዝጠርጠሩዎም ተወለድቲ ትግራይ ወይ ድማ ኦሮሞ ዘይሕጋዊ ቅትለት መቁሰልትን ከምዝፈጸሙን፡ ብዙሓት ከምዝኣሰሩን እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ።
ንኣብነት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ከም ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት ብጅምላ ብጥይት ተኲሶም ቀቲሎምዎም-ይብል እቲ ጸብጻብ።
ምምዝባልን ሰብኣዊ ቅልውላውን
እቲ ካብ ትግራይ ዝነቐለ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ብምልብዑ ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ነበርቲ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ንዝለዓለ ኣካላዊ፣ ስነልቦናዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ካልእን ጸገማት ከምዝተሳጥሑ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ተፈናቐልቲ ዝተማልአ ሰብኣዊ ረድኤት ይበጽሖም ዘይምህላዉ ድማ እቲ ጸገም ዝሓሰመ ክኸውን ገይሩ’ሎ።
ኣብቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝወጽአ ጸብጻብ ዝተጠቐሱ ኣካላት ዛጊድ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
