ግብጺን ስዑድያን ንኢትዮጵያ ካብ መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ስለምንታይ ነጺለንኣ?

መራሕቲ ስዑድያን ግብጽን

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

Published

ሃገራት ኣብ ከከባቢአን፡ ንዝተፈላለየ ዕላማ ሕብረት ክፈጥራ ይረኣያ። ገሊኡ ንግዳዊ ጥፈታት ንምስላጥ፡ ገለ ምጣነ ሃብታዊ ሓይሊ ንምፍጣር ይቐውም።

ገለ ሃገራት ኣብ ሰላመንን ድሕነተንን ስግኣት ክፍጠር እንከሎ፣ ኣብ ገለ ድማ ብናይ ሓባር ጸላኢ ክህደዳን ክርዕዳን እንከለዋ ሓባራዊ ኪዳን ይፈጥራ።

ኔቶ ከም ኣብነት

ሕብረት ሶቭየት ቅድሚ 70 ዓመት ዝፈጠረቶ ስግኣት፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ -ኔቶ ፈጢሩ።

ሕብረት ሶቭየት፡ ፈሪሳ ናብ 15 ሃገራት ተመቓቒላ።

ኔቶ ግን ብኣንጻሩ ዝያዳ እናሓየለ፡ ካብተን መስረትቱ ዝነበራ 12 ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን 30 ሃገራት ዝሓቘፈ ኪዳን ኰይኑ'ሎ።

ሕጂ ድማ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ስግኣታት ኣባላት ክዀና ብዝደልያ ሃገራት ተዋጢሩ'ሎ።

ኔቶ ብሓጺሩ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተፈጢሩ ኣብ ድርኲኺት ሳልሳይ ኲናት ዓለም ዘሎ ትካል እዩ።

ዕላማአንን ተግባረንን፣ ኣወዳድባአንን ተልእኾአንን ዝፈላለ ደኣ ይዅን እምበር፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ 'ኢኮዋስ' ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ [ዋላ'ኳ ንጡፍ እንተዘይኰነ] ኢጋድ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ዝተቐልቀለ 'መድረኽ ምትሕብባር ቀይሕ ባሕሪ' ዝበሃል ሕብረት ግን መዛረቢ ኰይኑ'ሎ። እዚ ሕብረት ግን ንኢትዮጲያ ስግኣት ድዩ?

መድረኽ ምትሕብባር ቀይሕባሕሪ ናይ መን እዩ?

ኣውራ መስረትቲ ሃገራት እዚ መድረኽ፡ ግብጽን ስዑድ ዓረብን እየን። ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራት ማለት፡ ኤርትራ፣ ሱዳን፥ ሶማሊያ፣ ጂቡቲ፣ ዮርዳኖስን የመንን ግን ኣባላት ኣለዋ።

ኵለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝመዓደዋ ሃገራት ወሽመጥን ቀርኒ ኣፍሪቃን እየን።

ርግጽ እዩ፡ እዞ ዞባ ኣገዳሲ ዓለማዊ ንግዳዊ መስመር ስለ ዝዀነ ኣቓልቦ ዝዀነት ዓባይ ሃገረ ዝስሕብ እዩ።

እዚ፡ ኣብ ዓለም ከቢድ ዝጸዓቐ መስመር መተሓላለፊ መራኽብ እዩ ክበሃል ይከኣል። ንኤስያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኤውሮጳ ዘራኽብ፤ ካብ ሜዲተራንያን፣ መትረብ ስዊዝ፡ ቀይሕ ባሕርን ኣሳጊሩ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘእቱ ኣንኮ መስመር ድማ እዩ።

ስለዚ፡ ኣብዚ ሓናቒ ባሕራዊ-መስመር ሓያልነታ ከተረጋግጽ ዘይትደሊ ሃገር ክትህሉ ኣይትኽእልን።

ነዚ ከም መርኣዪ ጅቡቲ ክትውሰድ ይከኣል።

ኣብዛ ንእሽቶ ሃገረ ጅቡቲ፡ ኣብ መሬታ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት በዓል መን ምዃነን ብምርኣይ ጥራይ ብዙሕ ክንግንዘብ ንኽእል።

ፈረንሳ፡ ኣሜሪካ፡ ጃፓን፡ ከምኡ'ውን ቻይና ኣለዋ። ህንድን ሩስያን'ውን መጻእና ይብላ ኣለዋ።

ቐጠር፡ ቱርኪ፡ ኢራን ብሓደ ተጐጂለን'ውን ይዅን ኣብዚ ዞባ ዘለወን ጠመተ ኣይነከየን።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ውሱናት ሃገራት ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት መራኽበን በቲ መስመር ዘሕልፋ፣ ንግዳዊ ንጥፈታተን ብጸጥታ'ዚ ዞባ ዝጽሎ ሃገራት ልክዕ ከም ኣፍደገአን ክርእያኦ ግድን እዩ።

ደቡባዊ ኣፍደገ ቀይሓባሕሪ፡ ባብ ኤል መንደብ፡ ኣብ ሓደጋ እንተኣትዩ ጐረሮ ሓያለ ሃገራት ክሓንቕ ዝኽእል ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ።

ሓያላን ሃገራት፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሕደራኦ ድሌት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ካብ 2018 ኣትሒዘን ብሓባር ደው ክብላ ከሰላስላ ጸኒሐን።

እቲ ነገር ብላዕሊ ላዕሉ ክርአ እንከሎ፡ ካብ ርሑቕ ንዝመጽእ ሓያል ሓቢርካ ንምምካት ዝዓለመ እዩ ዝመስል።

እቲ ምምኽኻር እናሓየለ መጺኡ፣ ኣብ 2019 ቅርጺ ሒዙ፣ ኣብ 2020 ድማ ተመስሪቱ።

ንናይ ሓባር ጥቕሚ፡ ንናይ ሓባር ስግኣት ክንሓብር ይሓይሽ ብዝብል ዕላማ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጕባኤኡ ዘካየደ እዚ መድረኽ ምትሕብባር በዘን ሸሞንተ ሃገራት ተመስረተ።

እቶ ንኣምን ኣሸናፊ ተመራማሪ ኣፍሪቃን ኦሪየንታል ኰይኑ፡ እዚ ጥምረት፡ ብጽኑዕን ሓያልን ድሌት ስዑድያን ግብጽን እምበር ብምሉእ ድሌት እተን ካልኦት ኣባል ሃገራት ዝተመስረተ ከምዘይኰነ እዩ ዝኣምን።

ብዛዕባ'ዚ ከም መማጐቲ ዘቕርቦ፡ እተን ኣባል ሃገራት ዘለወን እዋናዊ ቍመና እዩ።

"ብዘይካ ግብጺ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ርእሰን ዝኽእላ ኣይኰናን። ተራአን ንስዑድያ ምዕጃብ ጥራይ እዩ፡" ይብል።

እዚ እናዀነ ግን እዚ መድረኽ ስለምንታይ እዩ ንኢትዮጲያ ነጺልዋ? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድን እዩ። እዚ ሕቶ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ'ውን ተላዒሉ ነይሩ።

ንኢትዮጲያ ንምንጻል ዝተኣልመ ውዲት ግብጺ'ዶ ይኸውን?

ኣብዚ መድረኽ'ዚ ሰለስተ ሃገራት - እስራኤል፡ ኢማራትን ኢትዮጲያን ተዋሲነን ኣለዋ።

እንተዀነ ስ ለምንታይ እዩ ንኢትዮጲያ ዝያዳ ኣቕሒሩዋ ዘሎ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ካብ ዶክተር ቶፊቕ ዓብዱላሂ ነዚ ዛዕባ ዘልዓለ ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ።

"ቀይሕ ባሕሪ ንዓና እንቲ እንኮ መእተዊናን መውጽኢናን እዩ፣ ስዑድያን ግብጽን ኰነ ኢሎም ክንጽሉና እንከለው፡ ንሕና እንታይ ኢና ንገብር ዘለና?" ዝብል ሕቶ ቀሪቡ።

ኣባል ቤት ምኽሪ ዶክተር ቶፊቕ፡ ካብዘን ሸሞንተ ሃገራት እተን ኣርባዕተ ኣባላት ኢጋድ ኰይነን እናሃለዋ ስለ ምንታይ ኢና ነዚ ተግባር ደው ከነብሎ ዘይከኣልና?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ጥቕልል ዝበለ፡ ተስፋታት ብልጽግና ዝሓዘለ፡ ብዛንታን ምሳሌታትን ዝተሰነየ መልሲ እዩ ሂቡ።

"ሓንቲ ዑፍ፡ ኣብ ዝተሰብረ ጨንፈር እትዓልብ፡ ንመንገብገባ እምበር ነቲ ገረብ ኣሚና ኣይኰነን። ኢትዮጲያ፡ ሎሚ ቀይሕባሕሪ ትብል ኣላ፣ ኣይትጠራጠሩ ድሕሪ 10-15 ዓመታት ኣብ ካልኦት ርሕቕ ኢለን ዘለዋ ሃገራት ከይተረፈ ረብሓኣ ክትሓትት እያ። ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ኢና፣ ኵሩዕ ህዝቢ፣ ጽልዋና ኣብዛ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ዝተርፍ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

እንተዀነ እዚ መልሲ፡ ኣብ ግብራዊ ዲፕሎማሲ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ዘረድእ ዝዀነ ኣመት ዝህብ ኣይኰነን።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት 'ዚ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጲያ ካብዚ መድረኽ ምግላላ ዘለዋ ቅሬታ ገሊጹ።

ኣቶ ንኣምን፡ ምግላል ኢትዮጲያ ካብዚ መድረኽ ምስ ግብጺ ዝተኣሳሰር ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

"ውሻጥኡ እንተተፈቲሹ ጠጃእቱ በዓል መን ይዀና ኢልካ ምሕታት ፍርቂ ናይቲ መልሲ ዝህብ እዩ" ዝብል እቲ ተመራማሪ፡ ግብጺ እታ ኣውራ ምዃና ይኣምን።

"እዚ ሓሳብ ኣብ 2018፡ ካብቲ ዝነበሮ ዘንቀሳቐሰቶ ግብጺ እያ። ግብጺ ካብ ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ምጣነሃብታዊ መድረኻት ንኢትዮጲያ ከተርሕቕ እያ ትደሊ" ይብል።

እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ ሃገራት ድኹማት ዝበሃላ ኣብ ርእሲ ኰይነን፡ ምስ ስዑድያ ሕኸኽኒ ክሓከኪ እትኽእሎ ግብጺ፡ ኣብዚ መድረኽ ተራኣ ዕዙዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን።

"ካብ ኣባል ሃገራት፡ ድሕሪ ስዑድያ መተግበሪ ኣጀንዳኣ ክትገብሮ እትኽእል ግብጺ ምዃን ፍሉጥ እዩ። ግብጺ ድማ ኢትዮጲያ ንምግላል ዘለዋ ዝጸንሀ ኣጀንዳኣ ዘጠራጥር የብሉን" ይብል ኣቶ ንኣምን።

ኢትዮጲያን ግብጽን፡ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ሓያል ምትፍናን ዘለዋ እየን፣ ኣብ ሓደ ክሓብራሉ ዝኽእላ መድረኽ ብደረጃ ሓሳብ ተላዒሉ እንተዝነብር'ውን ግብጺ ከምእተፍሽሎ ርዱእ እዩ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ እዚ ንኢትዮጲያ ዘግልል ጕዳይ ሃገሩ ከምዘይትቕበሎ ገሊጹ። ንሱ'ውን እንተዀነ፡ ብዲፕሎማስያዊ መዳይ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ኣየብርሀን።

ዶክተር ቶፊቕ ከም ዘልዓሎ፡ ካብ ኣባላት እዚ መድረኽ እተን ኣርባዕተ ኣባላት ኢጋድ እየን፣ ኢትዮጲያ ኸኣ ኣብ ኢጋድ ነዊሕ ኢድ ዘለዋ እያ፣ ግን ብመገዲ ኢጋድ ነዚ መድረኽ ንምእታው ስለምንታይ ዘይተፈተነ ብሩህ ኣይኰነን።

"ሃገራት ኣዕራብ እዚ ዝጠፍአን ኣይመስለንን። እቲ ጕዳይ፡ ናይ ጸቕጢ ከባቢ ምፍጣርን ፈተነ ምስፍሕፋሕን እዩ። ሕቶ ክኸውን ዘለዎ፡ [ኢትዮጲያ] ነዚ ከበባ ንምፍንጣስ፡ ካብ ሕጂ እንታይ እያ ትገብር ዘላ? ዝብል እዩ፡" ይብል ኣቶ ንኣምን።

ግብጺ፡ ጽልዋን ተራን ኢትዮጲያ ኣብ ጂኦ-ፖለቲካ 'ዚ ዞባ ከም ዝምህምን ናይ ምግባር ጻዕራ፡ እዚ መድረኽ ቀይሕባሕሪ፡ መእተዊኣ ክኸውን ከም ዝኽእል የስግእ።

እዚ መድረኽ፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ናይ ምዃን ዕድን ኣለዎ ዶ?

ስግኣትና ክብ ነብሎ። ኢትዮጲያ ቀስ ብቐስ ኣብ ዓንኬል ትኣቱ ዶ ትህሉ? ኢልካ ምሕሳብ ይከኣል እዩ።

እዚ ሎሚ ንሩስያ ናብ ኲናት ዘእተወ ምኽንያት፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ቀስ ብቐስ ክውህለል ብሰንኪ ዝጸንሐ ምኽንያታትን ከበባን እዩ ዝብሉ ተንተንቲ ኣለው።

ብመሰረት'ዚ ትንታነ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኔቶ ንሩስያ ንምሕናቕ መሸንቘቓኡ ከጽብብ ጸኒሑ።

ልክዕ እዩ፡ ኔቶን ምስዚ መድረኽ ምትሕብባር ቀይሕባሕሪ ምንጽጻሩ ትርጕም ዘይብሉ ክመስል ይኽእል ይኸውን። ብዓላማ፡ ተልእኾን ግብሪን ዘመሳስሎም ነገር የለን።

መድረኽ ቀይሕባሕሪ ገና ታተ ዝብል ዘሎ ውልዶ ምትእኽኻብ እዩ።

ወተሃደራት ኤውሮጻዊ ሕብረት ኣብ ጁቡቲ

ምንጪ ስእሊ, CARL DE SOUZA/getty images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጁቡቲ ዝርከብ ሰራዊት ፈረንሳ

ኣብዚ መድረኽ ዕላማታት ተባሂሎም ተቐሚጦም ዘለው፡ ሽፍትነት ባሕሪ ምክልኻል፣ ካብዚ ዞባ ዝርከብ ረብሓ ምዕዛዝን ብሓባር ምምቕራሕን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣጽዋር ምቍጽጻር ዝብሉ እዮም።

እዞም ድሌታት ሓደ ብሓደ ተንቲንካ ምስ ዝርኣዩ፡ ስግኣታት ኵለን ሃገራት ምዕራብ ኰይኖም ንረኽቦም።

ሽፍትነት ባሕሪ፡ ንኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ጥራይ ዘይኰነስ ንሃገራት ምብራቕ'ውን ስግኣት እዩ።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣጽዋርን፡ እቲ ኣውራ ሕማም መርዘን ኤውሮጳ ኰይኑ ዘሎ ተግባር እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ከባቢ ህንጸት ሰፋሕቲ መስመራት ጋዝ ወሲኽካ፡ ነቲ ቻይና ክትሃንጾ ወጢና ዘላ ቅናት፡ ኣብ መጻኢ ነዚ ዞባ ዝያዳ ማእከል ስሕበት ንግዳዊ ምትእስሳር ከም ዝገብሮ እሙን እዩ።

እዚ ክኸውን እንከሎ ግን፡ ሃገራት እዚ ከባቢ፡ ካብ ርሑቕ ብዝመጽኣ ከም ቻይና፡ ህንዲ፡ ኣሜሪካን ካልኦትን ረብሓአን ክምንዛዕ ኣይክደልያን እየን።

መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ንምፍጣር ዘገደደ ካልእ ምኽንያት'ከ?

እዚ መድረኽ ምትሕባብር ጸኒሑ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን እንተዓበየ'ኸ? ምባል ግዜኡ ዘይሓለወ ስግኣት ዶ ይኸውን?

ኣቶ ንኣምን ኣሸናፊ ከም ዝብሎ፡ እዚ መድረኽ ካብ ዝሕሰብ ነዊሕ ገይሩ እዩ። ብደረጃ ሓሳብ፡ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ስዑድያ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ኵነታት እቲ ውጥን ነይሩወን እዩ።

"ብ ራእስነት ስዑድያ ኣብ 2020 ዝተመስረተ ይዅን እምበር፡ ግብጽን ስዑድያን ካብ 2018 ኣትሒዘን ዝዘራረባሉ ዝነበራ ጕዳይ ኰይኑ፡ ካብ 1970ታት ኣትሒዙ ይዕበ ይንኣስ ፈተነታት ነይሩ እዩ።" ይብል።

እዚ ማለት ግን ናብ ሓደ ዓቢይ ጥምረት ክዓቢ ኣይክእልን ማለት ድዩ?

ብመሰረት ኣገላልጻ ኣቶ ንኣምን፡ "እዚ መድረኽ ንምንታይ ከምዝተመስረተ ንምርዳእ፡ ኣብዞ ዞባ ጸላዊ ንምዃን ዝግበር ምቅድዳም ምርዳእ የድሊ።"

ኣብዚ ብቐንዱ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኢማራትን ስዑድያን ዘሎ ውሽጣዊ ቅልስ ዝግለጸሉ እዩ። እዚ ኸኣ ካልእ ሕቶ ዝሽርጥጥ እዩ። ኢማራት ካብዚ መድረኽ ስለምንታይ ተረሲዓ?

እዚ መሰረታዊ ነጥቢ እዩ። እንተዀነ ኢማራት ካብዚ መድረኽ ተረሲዓ ኣይኰነትን።

ክሊ ኣየር ብምዕጻውን ምጣነ ሃብታዊ ጸቕጢ ብምፍጣር ሃገራት ወሽመጥ፡ ንቐጠር ክዋስናኣ እንከለዋ፡ ግብጺ፡ ስዑድያን ኢማራትን ቀንዲ መሻርኽቲ እየን ነይረን።

እንተዀነ እዚ ሽርክነት ካብ ዝቐውም ነዊሕ ኣጸንሐን ክበሃል ይከኣል። እንተዀነ፡ እዚ ሓድሽ መድረኽ ቀይሕባሕሪ ክምስረት እንከሎ፡ 'ስለምንታይ ኢማራት ኣይተዓደመትን?' ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ እዩ።

ኢማራት ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ተራ ደረት የብሉን።

"ዲፒ ዎርልድ፡ ንወደባት ጁቡቲን ሶማሊላንድን ዘመሓድር ኣዝዩ ዓቢይ ትካል እዩ። ኢማራት ይዕበ ይንኣስ ካብ ኵለን ሃገራት እዚ ዞባ ፖለቲካውን ምጣነ ሃብታውን ረብሓ ኣለዋ።

ኢማራት ዘይጽንብር መድረኽ ደኣ ብኸመይ ተመስሪቱ?

"እዚ እዩ እኮ ዕላማ 'ዚ መድረኽ፣ ከምቲ መስረትቲ ሃገራት ዝብላኦ ንግዳዊ ምትሕብባር እዩ ኢልካ ምእምና ኣጸጋሚ ዝኸውን፡" ይብል ኣቶ ንኣምን።

"ካብ ምትሕብባር ንላዕሊ ምቅድዳም እዩ ዝረኣየኒ፡" ብምባል፡ ነቲ ኣብ መንጐ ስዑድያን ኢማራትን ነዚ ዞባ ዝያዳ መን ተቘጻጸረ ዘሎ ክርፍስ ጐሊሑ ዝርአ ዝብል ሓሳብ የስምረሉ።

"መድረኽ ንግዳዊ ምትሕብባር፡ ወግዒ ዘልብስ መርኣዪ ገጹ እዩ። እቲ ጕዳይ ምትሕብባር ዘይኰነስ ምውድዳር እዩ። እቲ ውድድር ከኣ ኣብ ምንጐተን ሃብቲ ነዳዲ ዘለወን ክልተ ሃገራት ጥራይ እዩ። እዚ ውድድር እናሓየለ ክኸይድ እንከሎ፡ እንታይ ክኽሰት ይኽእል? ኢማራት ከ ነዚ ጕዳይ ስቕ ኢላ ዶ ትርእዮ?" ኣቶ ንኣምን ከም ዝግምቶ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እዩ እምበር ኢማራት መተሃላልኽቲ ኰይና ክትመጽእ ግድን እዩ።

"ምናልባት'ውን ኢትዮጲያ እትኣክል ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ሒዛ፡ ንበዓል ስዑድያ ዝብድህ ካልእ ተወዳዳሪ ቀጽሪ ምፍጣራ ዘይተርፍ እዩ።"

ወከልቲ ዋዕላ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ወከልቲ ዋዕላ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን

መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ናባይ ገጹ ክዓቢ ይኽእል?

ኣቶ ንኣምን ካብ ፈለማኡ ኣብ ዛዕባ ሓይልን ዕላማን 'ዚ መድረኽ ሕቶ የልዕል። ንኣብነት እስራኤል የላን፣ እስራኤል ግን ኣካል ቀይሕባሕሪ እያ። ኢትዮጲያ'ውን ኣብዚ ዞባ ጽልዋ ዘለዋ ሃገር እያ። ክልቲአን ክዋሰና ምግባር ዝግባእ ኣይነበረን።

"ነተን ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብዞ ዞባ ዘግለለ ሕብረት ዘግህዶ ነገር እንተሃልዩ፡ መተግበሪ ሕልሚ ሓንቲ ሃገር ክኸውን ዝቘመ ምዃኑ ጥራይ እዩ፡" ይብል ኣቶ ንኣምን።

ወተሃደራዊ ኪዳን ናይ ምዃን ዕድል ከ?

ድኹማት ሃገራት ኣኻኺብካ ከም ዝምስረት ዝተገብረ ብዘይምኽንያት ኣይኰነን።

"ሱዳን ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ፣ ኤርትራ ካብ ዓለም ዝተነጸለት ሃገር እያ፣ ሶማሊያን የመንን ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘለዋ ፍሉጥ እዩ፣ ዝተረፋ ዮርዳኖስን ግብጽን እየን። እዘን ሃገራት ይትረፍ ብሓባር ክሕይላ፣ ኣብ ንሓድሕደን'ውን ኣብ ቍርቍስ ዘለዋ እየን። ብሓጺሩ ንሱዕድያ ንምስሳይ እንተዘይኰይኑ፡ እዘን ሃገራት ካልእ እንታይ ተራ ክህልወን ይኽእል?" ዝብል ሕቶ የቐምጥ።

"ኔቶ ዝኣመሰለ ኪዳን ክቐውም እንከሎ እኮ፡ ብግሉጽ ዝሰፈረ ሓባራዊ ዕላማ ሒዙ እዩ። እዚ መድረኽ ዝተለሞ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ትልሚ ስዑድያ ጥራይ እዩ።"