ኵናት ዩክረይን፡ ኣሜሪካ ንቻይና 'ዝኸፍአ ሳዕቤን' ከይወርዳ ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ካብ ቻይና ወተሃደራዊ ደገፍ ከምዘይሓተተት ሰብመዚ እታ ሃገር ተዛሪቦም።
ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ "ነቲ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ፍሉይ ስርሒት ንምቕጻል ናይ ባዕላ ዓቕሚ ኣለዋ" ኢሉ።
እቲ ዩክሬን ወራር ምዃኑ እትገልጾ ኲናት በቲ ፈለማ ዝተመደበሉ ውጥን መሰረት "ምሉእ ብምሉእ ንምዕዋት" መደብ ከምዘለዋ ድማ ፐስኮቭ ተዛሪቡ።
ቻይና፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትገብሮ ዘላ ወራር እንተሓጊዛ ከቢድ ሳዕቤን ክወርዳ ምዃኑ ኣመሪካ ምግላጻ ማዕከናት ዜና ድሕሪ ምቅልሐን'ያ ሩሰያ ነቲ መግለጺ ሂባ።
ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ተወኪሰን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ከምዘረጋገጻኦ፡ ሩስያ፡ ወራር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ምጅማራ ካብ ቻይና ወተሃደራዊ ሓገዝ ሓቲታ ነይራ።
ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣሜሪካ ግን ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
እቲ ብፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝተሃንደሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምቲ ዝተወጠኖ ኣይከደን ዝብል ርእይቶ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ እዝኒ ሞስኮ ከምዝበጽሐ'ውን እቲ ኣፈኛ ኣሚቱ።
ሰብመዚ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ "ሓላፍነት ሞት ሰቪላውያን ንሃገርና ንምስካም፡ ሩስያ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ዩክሬን ክትኣቱ ይደፋፍኡ ኣለዉ" ክብል ድሕሪ ምኽሳስ "ከምዚ ዓይነት መርገጺ ቶኽታዂ'ዩ" ኢሉ።
ሰራዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ሞት ንምውጋድን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ካብ ምእታውን ተሓዪቡ'ኳ እንተጸንሐ ርእሰከተማ ኪቭ ንእትርከበን ዓበይቲ ከተማታት ክቆጻጸረን ከምዝኽእል ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣጠንቂቑ'ሎ።
እዚ ብኣሜርካ ዝስማዕ ዘሎ መጠንቀቕታ፡ ቅድሚ'ቲ ሰኑይ [14 መጋቢት] ዝካየድ ርክብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካን ቻይናን እዩ።
ኵነታት ሩስያ-ዩክረይን ካብ ዝተኸስተሉ ግዜ ኣትሒዛ ቻይና፡ ነታ ናይ ነዊሕ እዋን መሻርኽታ ዝዀነት ሩስያ ዘለዋ ጽኑዕ ደገፍ ዘንጸባርቕ መግለጺታት ክተቃልሕ ተሰሚዓ። ብጭቡጥ ዘቕረበቶ ወተሃደራዊ ይዅን ቍጠባዊ ደገፍ ግን ዛጊት ኣይተራእየን ዘሎ።
እንተዀነ፡ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ተወኪሰን ከም ዘቃልሓኦ፡ ሩስያ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ድሮናት ዘጠቓልል ወተሃደራዊ ደገፍ ካብ ቻይና ከም ዝሓተተት እዩ። ግብረ-መልሲ ቻይና ግን ኣይተፈልጠን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጃክ ሱሊቫን፡ ኣማኻሪ ጸጥታ ኣሜሪካ፡ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ከም ዝበሎ፡ ቻይና ንሩስያ ደጊፋ ዝዀነ ይዅን ሓገዝ ምስ እትገብር፡ መጠነ-ሰፊሕ ማዕቀብ ከኸትለላ ምዃኑ፡ ብንጹር ንመንግስቲ ቻይና ከም ዘፍለጡ ሓቢሩ።
"እዚ ምጣነ ሃብታዊ ማዕቀብ፡ ሩስያ ትንፋስ እትሰዅዓሉ ዝዀነ ይዅን ሓገዝ ካብ ዝዀነት ሃገር ንኸይትረክብ እዩ።"
ጃክ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ቻይና፡ ምናልባት ምሉእ ዝርዝራዊ ኣፍልጦ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ብዛዕባ'ቲ ፑቲን ዝውጥኖ ዝነበረ መደብ ግን ኣፍልጦ ከም ዝነበራ እያ ኣሜሪካ ትኣምን።
"ምኽንያቱ ፑቲን ከምቲ ንኤውሮጳውያንን ካልኦትን ዝሓሰወ፣ ንኣታቶም'ውን ሓስዩዎም ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ይብል ሱሊቫል።
ጃክ ሱሊቫል፡ ምስ ያንግ ጀቺ፡ ኣባል'ቲ ወሳኒ ኣካል ቻይና ዝዀነ ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ኣቦ መንበር ኮምሽን ጕዳያት ወጻኢን፡ ሰኑይ ኣብ ሮማ ክራኸብ እዩ።
ኣብ ርክቦም፡ ሱሊቫን፡ ቻይና ንሩስያ ዘለዋ ደገፍ እንተ ኣዛይዳ ብዛዕባ ከኸትለላ ዝኽእል ሳዕቤንን ተነጽሎን ከነጽር ምዃኑ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።
ኣፈኛ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣሜሪካ፡ ሊ ፐንጕ፡ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዝዀነ ብዛዕባ'ቲ ብሩስያ ተሓቲቱ ዝበሃል ዘሎ ሓገዝ ከም ዘይሰምዐ ኣፍሊጡ። ሊ ወሲኹ፡ "ኣብዚ እዋን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጕዳይ እንተሃልዩ፡ እዚ ወጥሪ ናብ ዝበኣሰ ደረጃኡ ከይዓርግን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ከይከውንን ምድራት እዩ።"
"ቅቡልነት ዘለዎ ጸጥታዊ ስግኣት" ሩስያ ብዕቱብ ክርአ ኣለዎ ብምባል፡ ቻይና ክሳዕ ሕጂ ንወራር ሩስያ ካብ ምዅናን ተሓዪባ እያ ዘላ።
መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃንን ሰበስልጣንን ቻይና፡ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ንዝብል ወግዓዊ መግለጺ ሩስያ ጥራይ ምቅላሕ እንተዘይኰይኑ፡ ከም ወራር ኣይገልጽዎን፤ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሩስያ ዝተፈነወ ዝንቡዕ ጸብጻብ ናይዚ ኲናት'ውን ከም ዘለዎ ደጊሞምዎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ ኰይኑ እናሃለወ ግን ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ዩክረይን ዘለዋ፡ "ነቕ ዘይብል ደገፍ" ገሊጻ'ላ። መጸዋዕታ ሰላም ብምቕራብ ድማ፡ እዚ ኲናት ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ምእንቲ ኽዓርፍ፡ ክትሕግዝ ድልውነታ ኣረጋጊጻ። ሓያለ ሃገራት፡ ቻይና ወራር ሩስያ ደው ንኸተብል ክትጽዕር ይምሕጸንኣ ኣለዋ።
ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ንዩክረይን ይሕግዛ፡ ቻይና ኸኣ ንሩስያ ትሕግዝ፤ ጕዳይ ዩክረይን ብኸምዚ እንተቐጺሉ፡ ዝያዳ ምትፍናንን ዝተሓላለኸ ሳዕቤንን ከኸትል እዩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣማኻሪ ጸጥታኡ ምስ ላዕለዋይ ቻይናዊ ዲፕሎማት ክራኸብ ብዛዕባ ምዃኑ ብግሁድ ክንገር ወሲኑ'ሎ። እዚ ኸኣ ቻይና፡ ነቲ ሕቶ ክትቅበሎ ወይ ክትነጽጐ ኣብ ልዕሊኣ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ሜላ ይመስል።
እቲ ዝዓበየ ዕላማ ድማ፡ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን "እምኒ-ዓረ" ክብል ንዝገለጾ ዝምዳናኡ ምስ ሩስያ፡ ዘምጽኣሉ ረብሓን ጕድኣትን ምእንቲ ክመዝን ንምድራኹ እዩ።
ፕረዚደንትታት ዢ ጂንፒን ፑቲንን፡ ኦሊምፒክ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተኸፍተሉ ኣጋጣሚ፡ "ደረት ዘይብሉ" ዝበልዎ ሓድሽ ኪዳን ኣዊጆም ነይሮም፤ እዚ ኸኣ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዘጠቓልል ግሁድ እዩ።
ድሕሪ ወራር ሩስያ ግን፡ ቻይና፡ ንኣሜሪካን ብሪጣንያን፡ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ ነቲ ኵነታት 'ነዳዲ ይውስኻሉ ኣለዋ' ክትብል ከሲሳ ነይራ።
ገምጋም ስለያ ኣሜሪካ ቅኑዕ እንተዀይኑ፣ ቻይና ድማ ነቲ ትሕተቶ ዘላ ወተሃደራዊ ደገፍ ብእወታ እንተመሊሳትሉ፡ ንሳ'ውን ነዳዲ ክትክስክሰሉ እያ










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
