ደቂኣንስትዮ፡ 13 ተምሃሮ ዝዓመጸ መምህር ንማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱ

Published

ቤት ፍርዲ ኢንዶኔዥያ 13 ደቂ እንስትዮ ተምሃሮኡ ንዝዓመጸ መምህር፡ ብማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክቕጻዕ ፈሪዱ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሄሪ ዊራማን ዝተባህለ መምህር፡ ካብ 11 ክሳብ 16 ዝዕድሚአን ህጻናት ከምዝዓመጸ ምስተገለጸ፡ ኢንዶኔዥያውያን ኣዝዮም ሰንቢዶም ነይሮም፡፡

ናይ ሃይማኖት መምህር'ውን ከምዝኾነ ዝተገለጸ እቲ ውልቀ ሰብ፡ ነቲ ተግባር ዓመጽ ካብ 2016 ጀሚሩ ከምዝፈጸሞ ተፈሊጡ። ንሸሞንቲአን ክጠንሳ ከለዋ፤ ብሓፈሻ 9 ቖልዑ ወሊደን፡፡

ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ውልቀ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ንቤት ፍርዲ ተማሕጺኖም ነይሮም፡፡

ብሰሉስ ዝወዓለ መጋባእያ ግና እቲ ወዲ 36 ዓመት ተኸሳሲ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ወሲኑ ኣሎ፡፡

እቶም ዳያኑ ሚራዋን ብኬሚካዊ ባእታ ክስንገው [ፍረ-ነብሱ ክቕጥቀጥ] ንዝቐረበ ሕቶ እውን ነጺጎምዎ፡፡

እቲ በቲ ውልቀ ሰብ ክፍጸም ዝጸንሐ ተግባር ዓመጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጉንበት ስድራ ናይ ሓንቲ ካብተን ግዳያት፡ ጓሎም ከምዝጠነሰት ምስፈለጡ እዩ ተቓሊዑ፡፡

ድሕሪ እዚ፡ ቤት ፍርዲ እቲ መምህር ኣብ 2016 ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እስልምና ካብ ዝኸፍት ጀሚሩ ዝፈጸሞም ጾታዊ ዓመጻት ፈሊጡ፡፡

መራኸብቲ ብዙሃን እቲ ከባቢ ከምዝጸብጸበኦ ዊራማን ነቶም ኣብቲ ድኻታት ዝበዝሑሉ ከባቢ ዝነበሩ መንእሰያት ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ጥቕማ ጥቕምን እናሃበ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ክሰሓቡ ገይሩዎም'ዩ፡፡

ብተወሳኺ እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቤተን ርሒቐን ስለዝነብራን ምስ ስድረአን ክራኸባ ስለዘይፍቀደለንን ነቲ በደል ተቓላዕቲ ክኾና ከምዝገበረን ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም፡፡

እተን ተምሃሮ ስልከን ዝተመንጠላ ኮይነን ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ጥራሕ እዩ ናብ ገዝአን ክኸዳ ዝፍቀደለን ነይሩ፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ብሞት ክቕጻዕን ንግዳያት 300 ሚልዮን ሩፐያህ (21 ሽሕ ዶላር) ክኸፍልን ኣኽበርቲ ሕጊ ጸዊዖም ነይሮም፡፡

ጉዳይ ዊራዋን ኣብ ኢንዶኔዥያ ብዛዕባ ዘሎ መጠን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ሓድሽ ቁጠዐ ዘልዓለ ኮይኑ፡ ዜጋታት ንጾታዊ ዓመጽ ከጥፍእ ዝኽእል ተሪር ሕጊ ክወጽእ ይሓቱ ኣለዉ፡፡

መንግስቲ ኢንዶኔዥያ ነተን ግዳያት ሓድሕደን 85 ሚልዮን ሩፕያህ ( 5945 ዶላር) ካሕሳ ክኸፍል እዩ፡፡