ፓኪስታን፡ ኣብ ናይ ሓንቲ ነፍሰ ጾር ርእሲ መስማር ዝሸኮዐ ባህላዊ ሓኪም ብፖሊስ ይድለ ኣሎ

ሓላፊ ፖሊስ ፐሻወር ኣባስ ኣህሳን፡ ፍሉይ ጉጅለ ተጣይሹ እቲ "ሓኪም" ይድለ ከምዘሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, PESHAWAR POLICE

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ፖሊስ ፐሻወር ኣባስ ኣህሳን፡ ፍሉይ ጉጅለ ተጣይሹ እቲ "ሓኪም" ይድለ ከምዘሎ ገሊጹ
Published

ኣብ ፓኪስታን ኣብ ናይ ሓንቲ ጥንስቲ ርእሲ መስማር ዝሸኮዐ ባህላዊ ሓኪም ብፖሊስ ይድለ ኣሎ።

እታ ነፍሰ ጾር ነቲ ሓሙሽተ ሳንቲ ሜትር ዝኣክል ናብ ርእሳ በሲዑ ዝኣተወ መስማር ብጉጤት ክተውጸኦ ፈቲና ምስኣበያ እያ ናብ ሆስፒታል ከይዳ።

እታ ኣዶ ፈለማ ነቲ መስማር ባዕላ ናብ ርእሳ ከምዘእተወቶ ተዛሪባ ነይራ፤ ዳሕራይ ግን ሓደ እምነት መሰረት ዝገበረ ባህላዊ ሓኪም 'ወዲ ክትወልዲ' ኢሉ ነቲ መስማር ከምዝሰኮዐላ ገሊጻ።

ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ዝምርምሮ ዘሎ ኮይኑ፡ ናይ ርእሳ ምስሊ ኤክስ-ረይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተቓሊሑ እዩ።

ኣብ ሆስፒታል ሌዲ ሪዲንግ ዝሰርሕ ዶ/ር ሒዳር ከሃን፡ "ውኒኣ ኣይትስሓት እምበር፡ ኣብ ከቢድ ስቓይ እያ ነይራ" ኢሉ።

እታ ግዳይ ብዛዕባ እቲ ባህላዊ ሓኪም ካብ ጎረባብታ ምስ ሰመዐት ከምዝኸደቶ ንሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ብምጥቃስ ዳውን ዝተባህለት ጋዜጣ ጸንጺባ።

እታ ሰበይቲ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝወለደትን ንራብዓይ ግዘ ጓል እንተወሊዳ ሰብኣያ ገዲፋዋ ከምዝኸይድ ከምዝነገራን እውን ተገሊጹ እዩ።

"ናይ ሰለስተ ወርሒ ነፍሰ ጾር እያ፤ በዓል ቤታ ምስ ኣፈራርሓ እያ ናብ ባህላዊ ሓኪም ከይዳ" ክብሉ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ገሊጾም።

ኣብ ገለ ካበቢታት ደቡባዊ እስያ ወዲ ምውላድ ተመራጺ እዩ፤ ወዲ ተባዕታይ ዓብዩ ንቤተሰቡ ገንዘብ ከምዘምጽእ እዩ ዝእመን።

እዚ ኣተሓሳስባ ብዙሓት እምነት መሰረት ዝገበሩ "ሓካይም" ፈጢሩ እዩ።

ኣብ ፓኪስታን ድማ ባህላዊ ሓካይም ብዙሓት እዮም። ገለ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከቡ ባህላዊ ሓካይም ትምህርቲ እስልምና መሰረት ገይሮም እዮም ዝሕክሙ።

እንተኾነ እቲ ስረሖም ብብዙሓት ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዝተወገዘ እዩ።

ሓላፊ ፖሊስ ፐሻወር ኣባስ ኣህሳን፡ ፍሉይ ጉጅለ ተጣይሹ እቲ "ሓኪም" ይድለ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንሱ "እዚ ሓሳዊ ሓኪም ናብ ፍትሒ ክነቕርቦ ኢና።ብህይወት እዛ ሰበይቲ ተላጊጹ እዩ። ብናይ ሓሶት እምነት ኣብ ርእሳ ሚስማር ሰኲዑ እዩ" ኢሉ።

ኣብቲ እታ ግዳይ ዝተሓከመትሉ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሓካይም ነቲ ጉዳይ ንምንታይ ናብ ፖሊስ ከምዘየፍለጡ እውን ይሕተቱ ኣለዉ።

ናይ ርእሳ ምስሊ ኤክስ-ረይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተቓሊሑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, LADY READING HOSPITAL

መግለጺ ስእሊ, ናይ ርእሳ ምስሊ ኤክስ-ረይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተቓሊሑ እዩ

ፖሊስ ነታ ካብ ርእሳ መስማር ምስ ወጸላ ካብ ሆስፒታል ዝተሰነየት ጥንስቲ ንምርካብ ዝፍትኑ ዘለዉ ኮይኖም፡ ነቲ ባህላዊ ሓኪም ንምርካብ እውን ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለዉ።

"ኣብ ቀረባ ኣብ ኢድና ክኣቱ እዩ" ኢሉ እቲ ሓላፊ ፖሊስ።